|
መስከረም
2006
ዳግመ ሰላም 1961 ባሕቲ መስከረም
ዕጥቂ 30 ዓመት ንባዕድነት ዘበለ ዓረም
ንዓኺ ዝወደቑ ይዘከረኡ ብወቂ ቀለም
ብሓወልቲ ኣልማዝ ይኽበሩ ንዘለኣለም።
ሎምዘመን መሪሩ ክንሓምየኪ ብዘይቀለዓለም
ሓርነት ተዓሚጻ ብህግዲፍ ሕድሪ ጠለም፡
ህዝብና ዘይግቦኦ ረኺቡ ጉዳም መንደዓት ጸገም
ብግፍዕታት ህግዲፍ ሕማም ዘይብሉ ብግዲ ክሕጎም።
ደቁ ንብረቱ መሬቱ ክምንዛዕ ኣንታ ሕመቅ ድዩ መርገም
15 ዓመት ተጨቊኑ ህዝብና ሎሚ ሓርቢትዎ ዝልቀም
ህዝብናን ሃገርናን እናጸነተት ኣሕዋት ኮና መስሓቅ ዓለም
ተሓታቲ ናይዚ ጸሊም ሓጢኣት መንዩ ዝስከም ??????
ባሕቲ መስከረም ሎሚ ኣነስ ተሰኪፈ
ሃገር እናተነጸለት ህዝቢ ብሞቊሕ እናተጨፍጨፈ
ጠገለ ኣልቦ ዕስክርና መንእሰይ ትምህርቱ እናተኾልፈ
ንጽሕ ወላዲ ዘይበደለ ክቕፈድ ብህግዲፍ እናተገርፈ
ምስ ህግዲፍ ዘጣቅዕ ሎሚ ሙዉት ብቀትሩ ዝጸደፈ
ንወለዱ ብጾቱ ዝጠልም ባኻ ከይተወልደ ምተረፈ።
ካልእ ኣሎ ዘብኪ ንኤርትራዊ ዘጽረፈ
ካብ ህግዲፍ ኣምሊጡ ንኤውርጳ ዝሓለፈ
ምስ ተቋውምቲ ክንዲ ዝውደብ ክምልእ ዝተረፈ
ፍቃዱ ወሲዱ ተመሊሱ ከዲዑ ትፋኡ ዝለሓሰ
ይስዕስዕ እንዳ ህግዲፋ ጓይላ ንብጾቱ ዝቀዘፈ፡
እዚ እዩ ከኣ ሓይሊ ስፍሓት ተቋውሞ ዝኾለፈ
ስለዚ ከኣ እዩ ህግዲግ ንዲሞክራሲ ዕጭ ዝሓንፈፈ
ኤርትራውያን መዓስ እዩ ዝርድኣና ሕሰም እናተዓጻጸፈ ???
ባሕቲ መስከረም ንወትሩ ትኽበር ነባሪ ክብሪ
ዝኽርን ንስዉኣትና
ውድቀት ንህግዲፍ
ጸሃየ ቀለታ
01-09-2006
|