|
||
|
|
||
|
ቃለ-መሓትት ኣንበብትና፡ ንፖለቲካዊ ተረኽቦታት ዓውዲ ቃልሲ ኤርትራ ብግቡእ ክከታተሉ ንምኽኣል ካብ ዘሎና ሓልዮትን፤ ንንጥፈታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብግቡእ ንምስናድ ካብ ዘሎና እምነትን ተበጊስና፡ መጽሔትና “ዲሞክራስያዊ ኪዳን” ምስ ሓው ኢብራሂም ሃሮን፡ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ሓበሬታን ተራኺባ ዘካየደቶ ቃለ-መሓትት ነቕርበልኩም።
ሕቶ፡- ድሕሪ ዳርጋ ሓደ ዓመት ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ንጥፈታቱ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ህዝባውን ዜናውን መዳያት ከመይ ትግምግሞ?
መልሲ፡- ቅድሚ ምምስራት ኪዳን ክዝከር ዝከኣል ኣዎንታዊ ስርሓት ኣይነበረን። ድሕሪ ምምስራት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ግን፡ እቲ ንጥፈታት ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ቃልሲ ብመጠኑ ኣዎንታዊ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዓቢ ዓወት ከምዘመዝገብና ኢየ ዝርኢ። ኵሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ምምሕዳር ተማእኪሉ ክሰርሕ ምግባር፡ ንፖለቲካዊ ንጥፈታትና ንቕድሚት ከምዝስጕምን፤ ኣብ ልዕሌና ተነቢሩ ዘሎ ሃገራዊ ዕማም ከምዝቃለልን ገይርዎ ኢዩ።
ኣብ ህዝባዊ መዳይ ብዝምልከት፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣብ ካርቱምን ከሰላን ንዕላማታት ኪዳን ንምብራህን ንቻርተር ንምግላጽን፤ ኵነታት ናይ ቀዳሞትን ሓደስትን ስደተኛታት ዝድህስስን ሰሚናራትን ጕባኤታትን ኣካይዱ ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ንኵነታት ስደተኛታት ዝከታተል ኣካላት ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣቚሙ። ንጸገማት ናይ ስደተኛታት፡ ናብ ዝምልከቶም ኣህጕራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ትካላትን ውድባትን ንምቅላሕ ውን ይጽዕር ኣሎ።
ኣብ ዜናዊ መዳይ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብዓረብኛን ትግርኛን ከምኡ ውን ቋንቋ ዓፋርን ኩናማን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝፍኖ መደብ ረድዮ ጀሚሩ። ፈነዋ ረድዮና፡ ናይ ኪዳን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዕላማታትን መደብ ዕዮን የቃልሕን ነቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት የጋልጽን። ከምኡ ውን፡ መድረኻዊ መደባትን ሕንጻጻትን ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ዜና መሳርሒታት ይዝርግሕ።
ሕቶ፡- ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ብልክዕ ከኣ ኣብ ሕዳር 2005 ናይ ኪዳን ወተሃደራዊ ሰሚናር ተኻይዱ ነይሩ። ውጽኢት ናይ’ዚ ሰሚናር’ዚ እንታይ ከምዝነበረ’ዶ ንኣንበብትናን ሰማዕትናን ምግለጽካሎም?
መልሲ፡- ብርግጽ፡ ኵሎም ኣባላት ውድባት ኪዳን ብኣድላዪነት ምምስራት ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጻሖም፡ ኣብ ሕዳር 2005 ብርግጽ ወተሃደራዊ ሰሚናር ተገይሩ ነይሩ። ዕላማኡ ድማ፡ ንሃገራዊ ሓድነትና ንምድልዳልን ናይ ኪዳን መልእኽቲ ንምብጻሕን፡ ንዕላማታት ኪዳን ራእዩን ንምክልኻልን፤ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ድማ፡ ነቲ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቃቒ ኵነታት ቆላሕታ ክገብርን ዝዕድም ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ብምንቅቓሕ፡ ኣንጻር’ቲ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ዝረግጽ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከምዝለዓል ምግባር ኢዩ። ሕቶ፡- ገምጋምኩም ኣብ ልዕሊ ጸጥታውን ወተሃደራውን ሃለዋት ዲክታቶርያዊ ስርዓት እንታይ ኢዩ?
መልሲ፡- ስርዓት ኣስመራ፡ ንዅሉ ንልዝብን ንመንጐኝነትን ዝተገብረሉ ጻውዒታት ኣይተቐበሎን። ንህላዌኡ ሓደጋ ኰይኑ ንዝተሰምዖ ሓይሊ ሰይፉ ክምዝዝ ዝደሊ’ኳ እንተዀነ፡ ሰራዊት ኤርትራ ናይ ውግእ ቅሩብነት ስለዘይብሉን፡ ኣብ መሪሕነቱ እምነት ስለዘጕደለን እቲ ስርዓት ድሌታቱ ክፍጽም ኣይክእልን ኢዩ። ናይ’ዚ ምስክርነት ድማ፡ ብዙሓት ወተሃደራት፡ ነቲ ግጉይን ንህዝብን ሰራዊትን ዘየርብሕ ፖሊሲታት ናይ’ቲ ስርዓት ብምቅዋም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ይርኣዩ ምህላዎም ኢዩ። ምስ’ዚ ኵሉ ግን፡ ንፍልልያት ብዓመጽን ብውግእን ምፍታሕ ዝብል ፖሊሲ ናይ’ቲ ስርዓት ጌና ኣይተቐየረን ዘሎ።
ኣብ መዳይ ጸጥታ ብዝምልከት ግን፡ እቲ ስርዓት ንመደባት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምፍሻል፡ ንንጥፈታት መራሕቲ ኪዳን ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝከታተሉ ባእታታት ብምውፋር፡ ኵሉ ዓቕምታትን ሃብትን ሃገር ንጸጥታዊ ትካላቱ ንምድልዳል ኢዩ ዘውዕሎ ዘሎ። ከምኡ ውን፡ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ርግኣትን ጸጥታን ንምዝራግ ይገብር ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንስልጣኑ ክብል ሰፋሕቲ ናይ ግፋ መደባት ከካይድን ክኣስርን ኢዩ ዝርከብ። ኣብ ልዕሊ መሳርሕቱ ዝዀኑ ሰበስልጣን ከይተረፈ እምነት ኣጕዲሉ ኣሎ። ኣባላቱ ኣብ ስነኣእሙራዊ ጭንቀት ኢዮም ጢሒሎም ዘለዉ። እዚ ብተራኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ሓደስቲ ናይ ጭቆናን ቅንጸላን ንምፍጣር ግዜኦም ስለዘጥፍኡ፡ ብዛዕባ’ቲ ህዝብና ዝነብረሉ ዘለ ቍጠባዊ ቅልውላው ክሓስቡ ግዜ የብሎምን።
ሕቶ፡- ኣብ መንጐ ስርዓት ዲክታቶር ኢሳያስን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ጌና ይቕጽል ኢዩ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ወጥሪ’ዝን ነጸብራቓቱ ብደረጃ ዞባን ዓለምን ከመይ ትርእይዎ?
መልሲ፡- ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ንምፍታሕ ንዝተወስደ ኵሉ ናይ ልዝብን ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ርኽክባትን ተበግሶታት ኣይተቐበሎን። ልዕሊ 180 ዝዀኑ ኣባላት ሰራዊት ዓቓቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣባሪሩ። ኣብ’ቲ ጸጥታዊ ክሊ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ነፈርትን መኻይንን ከይንቀሳቐሳ ከልኪሉ። ስለ’ዚ፡ እቲ ናይ ዶብ ወጥሪ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኣህጕራዊ ማሕበረሰብን ውን ኢዩ ዘሎ። እቲ ውግእ ናይ ምጽሕታር ድሌት ኣብ ስርዓት ኤርትራ ከምዘሎ ብሩህ ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ ኢዩ፡ ትሕተ ዕድመን ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ መንእሰያትን ሽማግለታትን በስገዳድ ካብ ቍሸታትን ከተማታትን ናይ ኤርትራ ከዐስክር ዝርአ ዘሎ።
ሕቶ፡- ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ምክያዱ ዝዝከር ኢዩ። ውጽኢታት ናይ’ቲ ኣኼባ ንህዝብን ተኸታተልትናን’ዶ ምገለጽካሎም?
መልሲ፡- ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ጕዳያት ኢዩ ተመያይጡ። ንመደባት ኪዳን ንምዕዋትን ንጥፈታቱ ክብ ንምባልን ዘኽእል ውሳኔታትን ለበዋታትን ውን ኣሕሊፉ። ከምኡ ውን፡ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተሰላሰሉ ዕማማት ገምጊሙ። በቲ እተኻየደ ስርሓት ሕጉስ ምዃኑ ድማ ገሊጹ። ነቶም ዝሓለፉ ውሳኔታትን ለበዋታትን ንምዕዋት ድማ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
ሕቶ፡- ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናይ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣኼባ፡ ኣብ ካርቱም ተኻይዱ ነይሩ። ኢሳያስ ኣፍወርቂ ግን፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኣይተሳተፈን። ስለምንታይ?
መልሲ፡- ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንዞባዊ ይኹን ኣህጕራዊ ኣኼባታት ኣየኽብርን ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሃገርና ካብ ዓለም ተነጺላ ትርከብ። ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዕዉት ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ነታ ነዚ ኣገዳሲ ኣኼባ’ዚ ዘአንገደት ፈታዊትና ዝዀነት ሃገር ሱዳን ዓቢ መኽሰብ ኢዩ። ንሕና ድማ፡ ነዚ ኵነታት’ዚ ተጠቒምና፡ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጐድንና ደው ክብሉን፤ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታትን ጸጥታ ናይ ጐረባብትና ንምዝራግ ዘካይዶ ዘሎ ፈተነታት ደው ንኸብሎ ጸቕጥታት ክገብሩሉን ዝጽውዕ መዘክራት ዓዲልና። እቲ ዝዘርጋሕናዮ መዘክር ኣብ ገለገለ ጋዜጣታትን መራኸቢ ብዙሓትን ተቓሊሑ ነይሩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንመንግስትን ህዝብን ሱዳን ዕዉት ኣኼባ ብምክያዶም ዮሃና ንብሎም። ከምኡ ውን፡ ከምቲ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንብዙሕ ዓመታት እተኻየደ ውግእ ብሰላም ዘዕረፎ፡ ነቲ ዝተረፈ ሽግራት ውን ብሰላም ክፈትሖ ንምነ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት፡ ሱዳን ካብ ኵሉ ሽግራታ ተገላጊላ ክንርእያ ትምኒትና ኢዩ። ፕረሲደንት ዑመር ሓሰን ኣሕመድ ኣልበሺር፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ መንግስቱ ንሽግር ዳርፉርን ምብራቕ ሱዳንን ንምፍታሕ ኵሉ ዝከኣላ ጻዕርታት ክትገብር ኢያ ክብል ኣረጋጊጹ ኢዩ። ሱዳን ብእትኽተሎ ዘላ ፍትሑን ዲሞክራስያዊ ዝዀነን ፖለቲካ፡ ንሽግራታ ኣብ ምፍታሕን ንዞናዊ ሽግራት ንምፍታሕ ግዲኣ ከተበርክትን ትኽእል ኢያ።
ሕቶ፡- ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብደረጃ መንግስቲ ኰነ ብደረጃ ደምበ ተቓውሞ ከመይ ትግምግምዎ?
መልሲ፡- ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ካብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣህጕራውን ዞባውን ኣኼባታት ምትራፉ እኹል ምስክርነት ናይ ዝምድናታቱ ምስ ጐረባብቱን ዓለምን ኢዩ። ኣብ ፖሊሲታት ናይ ወጻኢ ዝምድናታቱ ዝዀነ ይኹን ምምሕያሽ ዘይምግባሩ ድማ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ቲ ዝነብሮ ዘሎ ተነጽሎ ኢዩ።
ዝምድና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ግን ጽቡቕን ዘዅርዕን ኢዩ ዘሎ። ዝምድናና ምስ ጐረባብትና ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ዓለም ንምድልዳል ጽዓታትና ቀጻሊ ኢዩ ዘሎ።
ሕቶ፡- ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ወጥሪ ንምፍታሕ ዝተገብረ ዞባውን ኣህጕራውን መንጐኝነት ምንጻጉ እንታይ ትርጉም ትህብዎ?
መልሲ፡- ደጊምና ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ ስርዓት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘይኰነስ ንልዝብ ዘይቕበል፡ ርእይቶ ናይ ካልኦት ዘይሰምዕ፡ ንኣህጕራዊ መንጐኝነት ዝነጽግ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ፡ ዋላ’ኳ ወተሃደራዊ ዓቕምታቱ ድኹም እንተዀነ፡ ፍልልያት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍትሑ ስለዘይደልን ስለዘይኣምንን ኢዩ። ጠንቂ ናይ’ቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ቅልውላው ድማ እዚ ኢዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ንዝርከብ ህዝብና ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ እንተልዩካ።
መልሲ፡- ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዝርከብ ህዝብና ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንኤርትራ ናብ ዓውዲ ውግእ ብምቕያር ንድኽነት ዕንወትን ቍጠባዊ ውድቀትን ከምእትሳጣሕ ምግባሩን፤ ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ህዝብና መነባብሮኡ ከም ዕንቊ እናጸበበ ይኸይድ ምህላውን ዝፍለጥ ኢዩ። ነዚ ኵነታት’ዚ ንምቕያር፡ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተጠርኒፉ ዘሎ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ደው ክብል እጽውዖ። ምኽንያቱ፡ ድማ ኪዳን ካብ ኣብራኽ ናይ’ቲ እተባህደለ ህዝቢ ዝወጸ ውድብ ስለዝዀነ ኢዩ። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|