|
||
|
|
||
|
ጋዘጣዊ - መግለጺ
አብዚ ፍሉይ እዋን’ዚ አብ ብዙሕ ኩርዓት ክፍሊ ዓለም ነቲ ኣብ ኤርትራ ብቀጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብአዊ መሰላት ናይቶም ዓው ኢሎም ድምጾም ከስምዑ ዝደልዩ ወገናት እናሰፍሔ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፣ ስርዓት ኢሳያስ አፈወርቂ ብሓደ ሸነኽ ዓቅሊ ጽበት በርቲዑዎ ነቲ ውሽጣዊ ቁልውላው ብሰንኪ ናይ ግዳም ተጻብኦ ዝመጸ ገይሩ ክቅርቦ ሃርኮት ክብል እንከሎ፣ ብቲ ሓደ ሸነኽ ድማ አብ ወጻኢ ሃገራት ብዛዕባ ጽባቄ ኤርትራ ዝገልጽ ተበግሶታት ብምክያድ ንጨቁዋኒ ስርዓቱ ንከጸባብቅን ናይ ግዳም ደገፍ ንክረክብን ብቀጻሊ ክፍትን ይርከብ።
እቲ ንዕለት 23 የካቲት 2006 በቲ አብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ክኸፍቶ መዲቡ ዘሎ “ስእላዊ ምርኢት” ብአጋጣሚ ዝመጸ ተበግሶ ዘይኮነስ፣ ነቲ ብምኽትል አቦ/ወንበር ዞባዊ ም.ም. ከትማ ሮማ ዝተዳለወ ክፉት አኼባ፣ ኤርትራ - ሰላም - ዲሞክራሲ - መሰል ዝብል አርእስቲ ዝሓዜ፥ ኤምባሲ ኤርትራ’ውን ከይተረፈ ንኽካፈል ብወግዒ ተዓዲሙሉ ዝነበረ ተበግሶ፣ ንምጽባእን ንፖለቲካዊ ተገዳስነት ህዝቢ ጣልያንን ኤርትራን ንምጥምዛዝ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእትነት አሽሓት ዝቁጸሩ ዝተሰውኡሉ ነዊሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ ብ1991 ንወተሃደራዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስ ሰዓሮ ሓዲስ መጻእን ተስፋታት ክኽፈተሉ’ዩ ነይሩ ድልየቱን ሓሳቡን። መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዲሞካራሲያዊ ስርዓተ ሕግን ክቀውምን፥ ብደሞካራሲያዊ አገባብ ዝተመርጸ መንግስትን ክህሉን፥ ቁጠባዊ ኩነታቱ ዝመሓየሸሉን፥ መሰራትዊ ውልቃዊ ሓርነት ዜጋታትን ፖለቲካዊ ነጻነትን እምነትን ክኸብሩ፥ ክምኡ’ውን ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ይሕዋቱ ዝኾኑ ህዝብታት ብሰላም ክነብር’ዩ ነይሩ ዕላምኡ።
እንተኾነ እቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ኩሉ ተስፋታት ብዑማኾ ዘይአኽሉ ሰባት ንመሪሕነት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝቁዋጽጸሩ ተጠሊሙ። እዚአቶም ንስልጣን መንግስቲ ብምብሓት አብ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምትላልን ውግእን ሓሶትን ብቀጻሊ ከዘውቱሩ ተረከቡ። እነሆ ድማ ድሕሪ 15 ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ካብዝ ጭበጥ፥ ሎሚ ኤርትራ አብ ኩሉ መዳያት ፖለቲካዊ፥ ቁጠባዊ፥ ማሕበራዊ፥ ሰብአዊ፥ አብ አስጋእን ዘሻቅልን ኩነታት ትርከብ። አብ ውሽጢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ሓደ ጨካንን ገፋዕን ስርዓት ቆይሙ ይርከብ፣ እዚ ስርዓት’ዚ ኸአ ነኹሉ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋታት አማኺኑዎን ከቢድ ስቅያት አብ ርእሲ ህዝቢ አስዒቡን ይርከብ። መባእታዊ ዝኾኑ ሰብአዊ መሰላት ትጨፍሊቆም ግፍዕታት ድማ ክሰፍሑ ይርከቡ። ምእሳር አብ ስላጣን ዝነብሩ ሚኒስተራት፥ ጋዘጠኛታት፥ ስድራቤታት፥ ተማሃሮ፥ ንመንእሰያት አገዲድካ ምዕስካር፥ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ንክቡር ፓትርያርክ ቤት ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ካብ ስላጣኖም ናይ ምእላይ ተበጺሑ። ስርዓት ኤርትራ ማዓልቲ መዓልቲ ቀጻሊ ምስምስን ሓሶት ምኽንያታትን እናመሃዘ ንኤርትራ አብ ቤት ማእሰርቲ ብምልዋጥ፣ ንህዝቢ ኣኤርትራ ሰብአዊ መሰሉን ባህሉን እምነቱን ገፊፍዎ ይርከብ።
በዚ ምክንያት ድማ ኢና ንሕና ደጋጊምና ነቲ ዘሎ ቀጻሊ ምግሃስ ሰብአዊ መሰላት አብ ኤርትራ ንሕብረተሰብ ዓለምን፥ ንሃገራት ሕብረት ኤውሮፓን፥ ንናይ ጣልያን መንግስታዊ አካላትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፥ ንማሕበር ሰራሕተኛታትን ተኻለኸልቲ ሰብአዊ መሰላትን፥ ንመሉእ ህዝቢ ጣልያንን፥ ክስናን አውያትናን ክነስምዖ ንደሊ ዘሎናን፣ ነቲ አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ድማ ከባሕትውዎን ንዝፍጽሞ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ግፍዕታት ድማ ደው ክብል ጸቅጢ ክገብሩ ጻዊዕትና ንገብር ዘሎናን። ጽባሕ “አይፈለጥን” ነርና ክብሉና አይንደል ኢና!!
ሮማ 23/02/2006
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|