|
||
|
ናይ ሓዘን መግለ
ሽሕ ይሙቱ ኣቦ ሽሕ ኣይሙት ከማኻ የለን መስመሩ ዘዕውት ኣንታ ተጎዲእና ኩላትና ነእዊ ኣርሓ ጠፊኡና ናይ ደሞክራሲ ነቃዊ
ጀጋኑ ስውኣት ቀደም ዝሓለፍኩም ጋሻ ተቐበሉ፡ ስዩም መጺእኩም፡ ኣየ ዕጥቂ ኣብየት ኣካይዳ ንሓቂ ትጭምት ሰባር ቦሮኾዳ
ቀጢን እግሩ ከም ንፋሲ ከበሳ ውዒሉ ከሰላ ዘማሲ፡ መገዲ ቀይርካ ገዲፍካልና ቃልሲ ክትጸንሕ ንመርጽ ብዘይ ኣማራጺ
እንታይ ተረኺቡ ድኣ ተሃዊኽካ ኣብዛ መራር መድረኽ ገዲፍካና ኬድካ ትዝ ይብለኒ ሕጂ እወ ክዝክራ ንብዓል ኮኾብ ንብዓል ጽሩራ ሻምበል ክትጸፍዕ ኣብ ማእከል ኣስመራ
ወሬኻ ኣሎኒ ማይ ጋይላ መቑሕ ትበትኽ ዓዲ ኻላ ወሬኻ ኣሎኒ ዝዕለል እሱራት ተውጽእ ካብ ሰምበል
ብኣከለጉኣዛይ ገማግም ደንከለ እዝገ ኣርኣየኒ ሓቂ ክትቅበረ ጎልጎል ሓማሴን ጎቦ እምባሶይራ ሕልሚ ድዩ ጋህዲ ሓቂ ተቐቢራ
ሂወተይ ከይበልካ ጥቕሚ ዘይትፈቱ ኣብ ጉዕዞ ናይ ቃልሲ ሓንጋር ኣያታቱ እንታይ ክዓብስ ድሕሪ ሞት ዘረባ ቀደም እዩ ነይሩ ሕራይ እንካ ሃባ
ስዩም ራዛ ኣንታ ሓጺር በሪኽ ብስነ ሞጎት ጸላእቱ ዝማርኽ ጽሒፈ ኣይፈልጥን እንታይ ወሪዱኒ ናትካ ሃንደበት’ሲ ሓዱሽ’ዩ ኮይኑኒ።
ንፈስቲቫል ኢልካ ስያትል መጺእካ ድሕሪ በዓልና ንዑደት ምስ ከድካ ገዛ ገዛ በጺሕካ ሓደ ከይገድፍካ ዋላ ምስ ደቅና ስእልታት ወሲድካ
ኣጆኹም ክትብል ሞራል ክትበና እንተረኣናያስ መፋነዊት ኮይና በል ደሓን ኩን ክሳብ ነርክበካ ንቤሰብ ጽንት መንግስተሰማይ የዋርስካ።
ብጻይካ ኣስመላሽ ክ/ማርያም ሃይለ - ስያትል 12-28-2005
|
||
|
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|