Nharnet Articles/Opinions

     

ቃለ መሓትት ምስ ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት መሓመድ ጣህር ሸንገብ (ኣቡሻክር)

ሕቶ፣ ኣብዚ እዋንዚ ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብፍላይ ክኣ ኣብ መዳይ ህዝባዊ ዕዮ ብኸመይ ትግምግሞ?

 

መልሲ፣ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብዚ መድረኽዚ ኣብ  ቅድሚ  ግዙፍ ሓላፍነት ይርከብ። ካብ ስፍሓቱን ዓቕምታቱን ንላዕሊዩ እንተተባህለ ውን ምግናን ኣይኮነን። ኣብ ወጻኢብፍላይ ድማ ኣብ ጎረባብቲ  ሃገራት  ሓላፍነቶም  ተሰኪሞም  ዝነበሩ ሸነኻት  ዝጠለምዎም ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ኣለዉ።  ኣብ ውሽጢ  ሃገር ውን  እንተኾነ  ህዝብና  ምስቲ  ኩሉ ኣብ ልዕለኡ ዝፍጸሙ ናይ ማእሰርትን ቅንጸላን ኣሬመናዊ ተግባራት፣  መጀመርያን መወዳእታን ዘይብሉ ባርነታዊ ግደታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፣ መነባብሮኡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ዝኸይድ  ዘሎ ህዝቢ  ውን ኣሎ።  ዲ.ኪ  ድማ  ምስቲ  ኩሉ ዘለዎ  ናይ ዓቕሚ ሕጽረታት ንምቅላሎም  ዝለዓለ  ጻዕርታት  ከካይድ  ይርከብ።  እንተ  ኣብ ሕዝባዊ መዳይ  ብዝምልከት ቀዳማይ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ዕድመ ናይ ስርሓትና ስርዒታዊ ክልታት ኣብ ምምስራትን ህዝቢ ኣብ ጎድኒ ዲ.ኪ ደው ንምባል ናይ ምንቕቓሕን ምልዕዓልን መድረኽ እዩ ነይሩ። ብርግጽ ውን ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኤውሮጳን ኣመሪካን…ወዘተ ጨናፍር ዲሞክራስያዊ ኪዳን ተመስሪተንን ውሽጣዊ መምርሕታትን ቅርጻን ተወሲኑለንን። እንተዚ ሒዝናዮ ዘሎና ካልኣይ መድረኽ ድማ፣ መደባት ዝፍጸምሉ መድረኽ ኮይኑ፣ ነቶም ክፍጸሙ ዘለዎም መደባትን ዕማማትን ዘድልዩ ቅድታትን ኩነታትና ብዝፈቕዶ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምታትን ተቐሪቡሎም ኣሎ። ኣብዚ መዳይዚ ከኣ ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ መራሕትን ካድራትን ወከልቲ ኣባላት ውድባት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተኻፈልዎ ሰሚናር ኣብ ካርቱም ተኻይዱን፣ ተመሳሳሊ ሰሚናራት ድማ ኣብ ከሰላን ገዳርፍን ፖርትሱዳንን ወጻኢ ካብ ሱዳን ንዝርከብ ኩሉ ጨናፍርን ክካየድ  እዩ። ከምኡ ውን ናይ ኣስተምህሮ ሳምንታት ንምክያድ ምድላው ይግበር ኣሎ።

ሕቶ፣ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ናይ ማእከላይ መርሒነቱ ናይ ወተሃደራዊ ስርሒት ውሳኔ ኣመሓላሊፉ፣ እዚ ውሳኔዚ ከተብርሃልና ዶ ምኸኣልካ።

መልሲ፣ እቲ ብርግጽ ዝተገብረ ውሳኔ ናይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ብዛዕባቲ ኣገባብ ኣቀላልሳ ብዝምልከት ኣብ ቻርተር ሰፊሩ ዝነበረ ነጥቢ እዩ ጠቓሚ ክትዕ ተኻይዱ። እዚ ነጥቢዚ ሰባት ኣብ ኣተራጓጉማ ስጋብ ክፈላለዩሉ ዝኽእሉ ዘይንጹር ብዝኾነ መልክዕ እዩ ሰፊሩ ነይሩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ከኣ ሽፍንፍን ዘይብሉ ብዝተነጸረ መልክዕ

ዳግማይ ክቕረጽ ተበቒዑ። ትሕዝቶኡ ድማ ዲ.ኪ. ኣብ ስርሓቱ ብረታውን ፖለቲካውን ኩሉ ዓይነት ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል ፍቑድ ዝገብር እዩ።

ሕቶ፣  ገለ ገለ ሰባት ምኽንያት ምሕያል ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ድኽመት ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ ክብሉ ይስማዕ፣ ነዚ ብኸመይ ክትገልጹዎ ትኽእሉ?

መልሲ፣ እዚ ሕቶዚ ደምበ ተቓውሞ ሓያል ድዩ ወይስ ድኹም ? ነዚ ንምርግጋጽ ዘብቅዑ መዐቀንታት እንታይን እንታይን እዮም? ተባሂሉ እንተቐረበ ይሓይሽ ይመስለኒ። ካብዚ ብምንቃል ንተቓወምቲ ሓይልታት ምስቲ ስርዓት ከነወዳድርን ሚዛን ሓይሊ ንጥቕሚ መን ከምዘሎ ንምርግጋጽን  እንድሕር ኮይኑ ተደልዩ፣ እዚ ብርእይቶይ ዘይቅኑዕ መትከልን መዐቀንን እዩ መፍረዲ ክኸውን ውን ኣይግባእን፣ እቲ ስርዓት መንግስትን ስልጣንን መሬትን ዜናን ዝውንንን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ዘእተወን፣ ግዙፍ ሰራዊት ዝሓዘን ስርዓት እዩ።  ተቓወምቲ ሓይልታት ድማ ዉሱን ቁጽርን ዓቕምን ዝውንናን መብዛሕቱ ንጥፈታተን ድማ ወጻኢ ካብ ሃገር ዘካይዳን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ምግጣም ዝሕግዝ እኹል መሳርሒ ዘይውንናን ሓይልታት እየን ። ብኻልእ መዐቀኒ እንተርኢናዮ ግን ሓይሊ ተቓውሞ  ሎሚ ኣብ ክሊ ዲ.ኪዳንን ቻርተሩን ብርእይቶን መስርዕን ሓድነቶም ኣረጋጊጾምን፣     

ናይ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቦምን፣  ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ዝርከባ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ኣህጉራውያን ሰብኣውያን ማሕበራትን ስጋብ መንግስታትን ውን ከይተረፈ ሰፊሕ ደገፍ ወኒኖም  ዝርከቡሉ ዘለዉ  ሰዓት  ስለዝኾነ ደንበ ተቓውሞ ዝሓየለ እዩ ክብል ይደፍር። ሓይልታት ተቓውሞ ብከምዚ ሎሚ ሰሚረሞ ዘለዉ መልክዕ ኣብ ታሪኾም ሰሚሮም ስለዘይፈልጡ ድማ እቲ ዝድለ ደረጃ ናይ ሓያልነት በጺሖም ኣለዉ ዝብል እምነት ስለዘሎኒ ክዕወቱ ምዃኖም ኣይጠራጠርን።

ሕቶ፣ ኣብ መንጎ ስርዓታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ምስሕሓብ ስጋብ ሕጂ ኣይሃድአን ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሸነኻት ውግእ እንተተሓዲሱ፣  ዲሞክራስያዊ ኪዳን እንታይ ዓይነት መርገጽ ከወስድዩ ትብል?

መልሲ፣ ብርግጽ እቲ ቅልውላው ቀጻሊ ኮይኑሎ፣ ሕቡራት ሃገራት ውን ንምእላዩ ዝግባእ ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ፣ ብመሰረትቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝተፈራረምዎ ስምምዕ ድማ ከብቅዕ እዩ ዝግባእ ነይሩ። እንተኾነ ግን ንሕቡራት ሃገራትን ክልቲኡ ስርዓታትን ነቲ ስምምዕ ንኸይትግብሩ ዝዕንቅጽ ርኡይ ጸገማት ኣጋጢሙዎም እዩ። ብሸነኽና ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ግዜ ምንዋሕ ብዙሕ ምትሕልላኽ ስለዝፈጠረን፣ ምናልባት ውን ኣብ ዳግማይ ውግእ ከይእቶ  ዘስግእ ስለዝኾነን፣ ሕ.ሃ ጻዕርታቱ ከኻዕብት ንርኢ። ብሸነኽና ነቲ ገና  ዝቐደመ ውግእ ዝፈጠረሉ ቁስሊ ዘይፈወሰን፣ ካብ ዝፈጠረሉ መሪር ሓዘን ዘይተላቐቐን ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከውድቕ ስለዝኾነ ዳግማይ ክባራዕ ኣይንምነይን።

ሕቶ፣ ምስ ሓይልታት ተቓውሞ ክግበር ዝግብኦ ምትሕብባር ናይ ዞናውን ኣህጉራውን ሸነኻት ስጋብ ሕጂ ድኹም ንረኽቦ፣ ጠንቂ ናይዚ ድኽመትዚ ዶ ክትገልጸልና ምኸኣልካ?

መልሲ፣ እዚ ሓቂ እዩ፣ ጠንቁ ደማ ብርእይቶይ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተራእየ ለውጥ እዩ እብል፣ ቅድሚ 1991 ዓ.ም. ዝነበረ ኩነታት ጉዳይ መሬትን፣ ጉዳይ ምእንቲ ብዓመጽ ንዝተመንዝዐ ሕጋውን ፍትሓውን ናይ ነጻነት መሰሉ  ንምምላስ ኣንጻር ባዕዳዊ ገዛኢ ዕጥቃዊ ቃለስ ዘካይድ  ህዝብን ስለዝነበረ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኣህዛብን ሃገራትን ናይ ገንዘብን ብረትን ሓገዝ ይረክብ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና፣ እቲ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ቁሩቁስ ድማ ኣብ መንጎ ቅንጸላዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ኣብ መንጎ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ

መስርሕን ሰልፋዊ ብዙሕነትን ብሕጊ ትግዛእ ቅዋማዊት ሃገር ክትህሉን ዝጠልባ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝካየድ ቃልስን ቁሩቁስን እዩ። እዚ ድማ ጠለብ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣህጉራውን ዞንውን ሃገራትን ማሕበራትን ከኣ ዝገዝአን ቀጥዕታት ስለዝህልወን ነዚ ቁሩቁስዚ  ኤርትራዊ ውሽጣዊ ቁሩቁስ እዩ ዝብል ተረድኦ ክህልወን ይኽእል እዩ።  ውሽጣውን ዞናውን መዛግብቲ ናይዚ ስርዓትዚ ንኹሉ ልሉይን ብሩህን ስለዝኾነ ግን እዚ ኣረዳድኣዚ ክቕየር ዝግብኦ ኣረዳደኣ እዩ። ኣሰጓጉማ ናይዚ ስርዓትዚ ንኩነታት ናይ ዞናና ብምልኡ ኣብ ዓማሚ ዕንወት ከየብጽሕ ዘስግእ ውን እዩ።

ሕቶ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ንዝተቛሰለ ዝምድና ንምምሕያሽ ዝዓለመ ልኡኻት ናይ መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ዑደታት ክለዋወጡ ንዕዘብ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እንታይ ክኸውን ይኽእል ኢልካ ትግምት፣

መልሲ፣ ዝምድና ስርዓት ኢሳያስን ሱዳንን ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ምምላስ ገጹ ይኸይድ ኣሎ፣ ብዛዕባ ጽልዋኡ ኣብ ልዕሊ ተቓወቲ ኤርትራ ብዝምልከት ኣሉታዊ ወይ ኣውንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ እቲ ቀዳማይ ንኹሉ ብሩህ እዩ ማለት ካብ ሱዳን ንኤርትራ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት እንተተረኺቡ ነቲ ንዕኡ ብምስኣን ኣብ ውሽጢ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ናይ ስራሕን ናይ ንግዲ ምልውዋጥን ዕድል ክረክብ ስለዘኽእሎ ገለ ጥቕሚ ክረክብ  ይኽእል እዩ። እወ እቲ ጉዳይ ኣብ መወዳእታ ንረብሓ ክልቲኡ ሓው ዝኾነ ኣህዛብ እዩ።

ሕቶ፣ ስርዓት ኢሳያስ ነቲ ኩሉ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ማእሰርትታቱ   ብኣህጉራዊ ማሕበራትን ትካላትን ዝግበር ቀጻሊ ነቐፈታታት ኣነኣኢሱ ክርእዮ ንዕዘብ፣ ነዚ ብኸመይ ክትገልጾ ትኸእል?       

መልሲ፣  መንቀሊ ናይዚ ምንእኣስዚ ብርእይቶይ ክልተ ምኽንያታት ኣለዉ ይብል፣ እቲ ቀዳማይ ኣብ አሽጣዊ ኣተዓባብያን ፖለቲካውን ባህላውን ቡቕልን  ኣባላት መርሒነት ናይዚ ኣብ ኣስመራ ሰልጣን ገቢቱ ዘሎ ስርዓት እዩ። መዛግብቲ ታሪኾም ብምልኡ ከምዚ ዓይነት ተረድኦታት ዝቕበል ኣይኮነን። እዚ መርሒነትዚ ንኩሉ ሰብኣዊ ተረድኦታትን ክብርታትን ብምጭፍላቕ እዩ ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ክበጽሕ ክኢሉ። እቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ እዚ መርሒነትዚ  ጉዕዞኡ ብምሉኡ በዚ ተረድኦታትዚ ተገኒዙ ዝቐጸለ መርሒነት ብምዃኑ እዩ። ስለዝኾነ ድማ   

ኣዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ከም ሰብኣዊ መሰላትን ልኡላውነት ቅዋምን ሕግን ዲሞክራስያዊ

መስርሕን ዝኣመሰሉ መትከላት ምርግጋጽ ከም ንህላዌኦም ዝድምስስ ኣምር ገይሮም እዮም ዝረይዎ።

ሕቶ፣ ኣብዚ መወዳእታ እዋናት ዲሞክራስያዊ ኪዳን ምስ ስርዓት ኣስመራ ክዛተ ድሉው ከምዘሎ ዝሕብር ዜናታት ተሰሚዑ፣ ኣብየናይ ባይታ ዝተሞርኮሰ እዩ?

መልሲ፣ ኪዳን ምስቲ ስርዓት ንኽዛተ ዘለዎ ድሉውነት ሓድሽ ኣይኮነን፣ ኣንታይ ደኣ ብመጋቢት ናይ 2005 ክምስረት ከሎ ኣትሒዙ ዝወሰዶ ውሳኔን ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝተቓንዐ ካልእይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ማእከላይ መርሒነቱ ከም መፍትሒ ናይ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ደጊሙ ዘረጋገጾን መርገጽ እዩ። እዚ ከኣ ብወግዒ ዝተኣወጀ መርገጽ እምበር ምስጢር ኣይኮነን። ይኹንምበር እቲ ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ስነ-ሞጎታዊ ሕቶ እቲ ስርዓት ነዚ ተቐቢሉዎዶ? ወይ ብዝተነጸረ፣ እቲ ስርዓት ምስ ዲ.ክ. ክዛተ ድሉው ድዩ ዝብል ኮይኑ፣ መልስና ብሓፈሻ ነዚ ብዝምልከት ስጋብ ሕጂ ዝተራእየ ዝኾነ ምልክት የለን ዝብል እዩ።

ሕቶ፣ ጽልዋ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ውሽጢ ሃገር ማዕረ ክንደይ እዩ.. ፖለቲካዊ መደረኡ          ከብጽሕ ክኢሉ ዶ ይመስለካ?

 መልሲ፣ ኣብ ውሽጢ ዝካየድ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ኣሎዩ፣ ተቛሪጹ ውን ኣይፈልጥን።እንተኾነ ግን ብሰንኪቲ  ኣብ ልዕሊ ህዝብና  በቲ ስርዓት ዝግበር ቀይድታትን ጸጥታዊ ጥብቂ ምክትታልን  ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ኩነታት  ስለዝዕመም ከምቲ ዝድለኳ እንተዘይኮነ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናማዕበለ ይኸይድ ምህላዉ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብካልእ ሸነኽ ድማ ዜናዊ ዕዮ ዲ.ኪዳንን ናይ ተቓውሞ ስርሓት ብሓፈሻን እናማዕበለ ብምምጽኡ ኣብ መላእ ኤርትራ ይበጽሕን መላእ ህዝብና ብዓቢ ተስፋ ይቕበሎን ይከታተሎን ኣሎ።

ሕቶ፣ ወጻኢ ካብ ናይ ተቓውሞ ስርሓት ዝርከቡ ዓቕሚ ዘለዎም ብፍላይ ከኣ ምሁራት ኣካላት ኣለዉ፣ ካብ መዓልታዊ ናይ ተቓውሞ ስርሓት ዘርሕቖም ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ ትብል?

መልሲ፣ ሎሚ ኩሎም ምሁራት ኤርትራውያን ኣንጻርዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓትዚ እዮም።ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከኣ ርእይቶኦም ኣብ ቻርተሩ ዘይፍለዩ ኣካል ተቓወምቲ ሓይልታት እዮም ክብል ኣነጺሩዎ ኣሎ። እንተ ብዛዕባቲ ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ክርከቡ ዘይምኽእሎም ጠንቁ  ውልቀ ምትእስሳራቶም ዝፈጠሮ ኩነት እዩ። ንሕና ውን ንምሁራትና ኣብ መዓልታዊ ስርሓት ክጽንበሩ ኣይጠለብናዮምን። ይኹንምበር ነፍሲ-ወከፎም ኣብ ቦታ ስርሑ ከኮይኑ ኣብ ጉዳይ ህዝቡ ዘለዎ ሓላፍነት ከይዘንግዐ ገለ ካብ ትርፊ ግዜኡን ጸዓታቱን ንጉዳይ ክህቡ ከወፊ ንጽውዖምን ነዘኻክሮምን። ኣዚ ድማ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ።                             

              


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com