Nharnet Articles/Opinions

     

                ናይ ምሕዝነትን ዮሃናን ተለግራም

            ንፈጸምቲ ራብዓይ ሰለማዊ ሰልፊ መልቦርን

 

 

ናብ ወላ ካብ ሃገሮም ዝረሓቁ እንተረሓቑ ተስፋ ቆሪጾም ዘይፈልጡን ንጉዳይ ህዝቦም ዘጋጥሙ ጸገማት ብንቕሓት ዝብድሁን ጽኑዓት ምዑታትን ደቂ ህዝቢ ኤርትራ፣-

 

ናብ ነዚ ብልሹውን ብመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ዝተፈንፈነን መርሒነት  ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፓርቲ ህግዲፍ፣ ብጅግንነታዊ ጽንዓት እትምክቱ ዘለኹም ኣብ ኣውስትረልያ ኣትቕመጡ ኤርትራውያን፣-

 

ብስመይን ብስም መርሒነት ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ምስቲ ነቲ ዘስካክሕ ቁርን ከቢድ መነባብሮን ብምጥሓስ ዘበርከትኩሞ ግደን ዝወሰድኩሞ ሓላፍነታዊ መርገጽን ዘለናቃልሳዊ ምሕዝነት ንገልጽ። እዚ መርገጽዚ ከኣ  ኣብ  ቃልሳዊ መዝገብኩም ዝውሰኽን ብመንገድኹም ኣቢሉ ድማ ንጽኑዕን ንቑሕን ጉዕዞ ቃልሲ ህዝብና ብብሩህ ቀለም ዘስምረሉን እዩ። ነዚ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምልማንን ምሽቃጥን ፈስቲቫልዚ ምንጻግኩምን

ብጽንዓት ምምካትኩም ኣድንቖት ዝግብኦ ምዃኑ የርጋግጸልኩምን፣ ዮሃና ድማ ይብለኩምን። ኣንጽርዚ ሰብኣውን ፖለቲካውን ቁጠብውን ባህላውን ሃይማኖታውን መሰላት ህዝቢ ዝግህስን ዝረግጽን ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወሰድኩም ታሪኻዊ  መርገጽ ንፈዋሲ ድምጽኹም ኣብ ምሉእ ዓለም ከስምዕ ክኢሉ እዩ።

ከምኡ ውን ድሌታት ህዝብና ብኣሬመናዊ ተግባራት ስርዓት ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን ክዕገት ከምዘይክእልን፣ ቃንዛን ስቅያትን ናይ ኩሎም ንጹሃትን፣ ደቅን  ስድራቤታትን ስዉኣትን፣ ደቅን ስድራቤታትን ዉጉኣት ሓርነትን እሱራትን፣ከንቱ ክተርፍ ከምዘይክእልን ዘረጋግጽ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ደቂ ህዝቢ ኤርትራ ኢኹም ኣመሓላሊፍኩም። ስለዚ  ግዜን ቦታን ከይፈለኹም  ጸዓታትኩም ቀጽሉን፣ ነዞም መጸይቲ ደም ህዝብን ስዉኣትን ብመንገዲ ሰለማዊ ሰልፍታትኩምን ነጻ ብርዕታትኩምን ብኩሉ መሳርሕታት ዜናን ኣቢልኩም ኣጻብቡሎም  ንብል። ካብቲ ፈዋሲ ዝኾነ ጎረሮኹም ዝወጽእ ድምጽን፣ ብብርዕታትኩም ዝሕንጠት ቃላትን ዕድመ ናይቲ ኣብታ ኣብ መንጎ ደቃ ፍቕርን ስኒትን ዝነገሳን፣ ህዝባ ጸጋታት ሓርነትን ዲሞክራስን ፍትሕን ኣናስተማቐረ ክነብራ ዝግበኣ ሃገር ዘውደኽድኽ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርት ኣብ ምሕጻር ዘቀላጥፍ ቀንዲ ጠያይቲ እዩ።              

ልባዊ ሰላምታ ነዓኹም ፣ደገፍን ምሕዝነትን ምሳኹም፣ ሓላፍነታዊ መርግጻት ክሳብ ፍጹም ዓወት ይቐጽል፣

 

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ሑሰን ኸሊፋ መሓመድ ዓሊ

  24 ታሕሳስ 2005

 

መሪር ሓዘን

 

መርሒነት ኢርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መሪር ሓዘን እናተሰምዓ  ኣባል ማእከላይ መርሒነት  ኤዲኪንን፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ተጋዳላይ ስዩም ዕቕባሚካኤል ብዕለት 17.12.2005 ብምኽንያት ሃንደበታዊ ሕማም  ልቢ  ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ከምዝተሰውኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ትእውጅ።

 

ስዉእ ስዩም ሓደ ካብቶም ዉፉያት ናይ ዕላማታትን መትከላትን ህዝቦም ዝኾኑ ተጋደልቲ እዩ። ስዩም ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ብ1964 ዓ.ም ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ሃገራዊ ግደኡ ኣብ ምብርካት እንከሎ ብ1965 ብሰበስልጣን መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ተኣሲሩ። ድሕሪ ናይ10 ዓመት ብዙሕ ስቅያት ዝመልኦ ማእሰርቲ  ከኣ ብ1975 ብደባይ ተዋጋእቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ ማእከል ቤት-ማእሰርቲ ዓዲዃላ ክወጽእ ክኢሉ፣

ስዉእ ስዩም ኣብ መትከላቱ ዝተረረን፣ሓርነትን ልዑላውነትን ሰብን መሬትን ኤርትራ ንምርግጋጽን፣ ኣብ ውሽጢ ዜጋታታ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ንምንጋስን ብጽንዓት ደው ዝበለን ዝተቓለሰን፣ ነዚ ቅዱስ ዕላማታትዚ ህያው ንምግባር ብትብዓት ሃገራውን ውድባውን ዕማማት ኣብ ምስላጥ እናነጠፈ እንከል ድማ ዝተሰውአ ሓደ ካብቶም ምዑታትን ልሉያትን ተቓለስቲ እዩ።

በዚ መሪር ኣጋጣሚዚ ከኣ መርሒነት ኤዲኪ ስውእ ስዩም ዝተቓለሰሉ ክቡር ዕላማታት ስጋብ ዝዕወትን፣ ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሓቀኛ ሓርነትን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ፍትሕን ስጋብ ዝረጋገጽን ቀጸልቲ ምዃኖም ንመላእ ህዝቦም ቃል ይኣትወሉ።

 

ከምኡ ውን ንኹሎም ብጽቱ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ (ሰ.ባ)ን ስድራ-ቤቱን ኩሎም ፈተውቱን መሓዙቱን ጽንዓትን ትዕግስትን ክህቦም ይምነዩን።

       

 

                     ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት

                  ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

                       17.12.2005

 

 

  ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልኡኽ ሰዲዱ

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

                 12.12 2005

 

ዋና ጸሓፊ  ሕቡራት  ሃገራት ዓለም  ኮፊ ዓናን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን፣ ካብ ምንዝልሓቕ  ዘድሕን ሓሳባት ንምቕራብን፣ ዝዓለመ ህጹጽ ዕማም  ንምስላጥ ብወኪል   ስርሒታት  ዕቃቤ ሰላም ኣቶ ጃን ማሪ ቕዩኖን፣ ኣማኻሪ  ወተሃደራዊ  ጉዳያት ናይ ሕ/ሃ/ዓ  ኣቶ ራንድየር ኮማር ሚታን ዝምራሕ ልኡኽ  ንኤርትራን  ኢትዮጵያን  ሰዲዱ።   ዋና ጸሓፊ ሕ.ሃ. ነዚ ህጹጽ ስጉምቲዚ ንኽወስድ  ዝደረኹ ቀንዲ  ምኽንያታት  ድማ፣ ኣብ  ዶብ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ውግእ ንኸይሕዳስ  ዘስግኡ  ወተሃደራዊ  ምዕብልናታት  ብምቅልቓሎምን፣ መንግስቲ  ኤርትራ   ካብቶም  ምስ ናይ  ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ሓይልታት ክዓዩ ዝጸንሑ  ኣመሪካውያንን፣ ከናዳውያንን ሩስያውያንን፣ ኤውሮጳውያንን ዘጠቓለለ ገለ  ባእታታት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ መዓልታት ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹ ዘገድድ ውሳኔ ድሕሪ ምምሕልላፉን እዩ።   

 

ከምኡ ውን እዚ ውሳኔዚ  ድሕሪቲ ንሰፊሕ ኣህጉራዊ ሸነኻት ዘቐየመን ብዋና ጸሓፊ ሕ.ሃን  ብባይቶ  ጸጥታ  ዓለመን፣  ብትሪ  ዝተነቕፈን፣  ምስ ኩሉቲ  ክትምእዘዞን ክትቅየደሉን ዝግብኣ ኣህጉራዊ ስምምዓት ዘይቃዶ ምዃኑ ብምርግጋጽ ከተመዓራርዮ

ዝተጠልበን፣  ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ  ሀሊኮፕተራት  ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃቢ ሰላም  ኣብ ሰማያት ናይቲ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ክኸውን ዝተወሰነ ከይበራ  ዝእግድ  ውሳኔ ድሕሪ ምምሕልላፋን ዝመጸ ውሳኔ ምዃኑ እዩ። ኣብ ክሊዚ ምዕብልናታትዚ ውን ባይቶ ጸጥታ ዓለም ኤርትራ ውሳኔኣ እንተዘይቀይራ መቕጻዕቲ ክውሰዳ እዩ ክብል ኣመልኪቱ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

 

ከምኡውን ጃን ማሪ ቕዮን፣ ጉዳይ ዶብ ግድነት ክፍታሕ ዘለዎ ምዃኑን፣ ብሸነኽ መንግስቲ  ኤርትራ ዝቐርብ  ዘሎ ምስምሳትን  ዕንቅፋታትን ቅቡል ከምዘይኮነን፣ ሕቡራት ሃገራት  ሰራሕተኛታታ ካብ  ኤርትራ ክትስሕብ ከምዘይኮነትን፣ ዓለማዊ መትከል ዕቃቤ ሰላም ንሓደጋ ክሳጣሕ ከምዘይትፈቅድን ኣረጋጊጹ።

 

ብኻልእ ሸነኽ ድማ  ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ስዩም መስፍን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ  ነቲ ኣብ  መወዳእታ  ናይ ዝሓለፈ  ወርሒ ሕዳር ብባይቶ ጸጥታ ዓለም ዝተመሓላለፈ ውሳኔ   ብምቕባል ሰራዊታ ኣብቲ ቅድሚ ወጥሪ ዝተቐላቐለሉ እዋን ዝነበሮ ቦታታት  ክትስሕቦ ከምዝወሰነት ገሊጹን፣ ንስርዓት ኤርትራ ከኣ ጸሊም ደበና ውግእ ካብ  ሰማያት ክልቲኡ ሃገራት   ንምቕንጣጥ  ተመሳሳሊ መርገጽ ክትወስድ ጸዊዑን።

           

ዝኸበርኩም ኣብ ስዑዲ ዓረብ እትቕመጡ ኣሕዋት ዋናታት ህጹጽ መልእኽቲ

 

ሰናይ ሰላምታ ብምቕዳም፣-

 

ኣብ ገለ ኤርትራዊ መራብብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ መልእኽትኹም ኣንቢብናን ትሕዝቶኡ ውን ተረዲእናን፣ ብዛዕባኡ እንውንኖ መልሲ ክንህብ ከኣ ብመንገዲ ወከልትን ሽማግለታት ጨናፍርን ኣቢሉ ክለኣኸና ነይርዎ ኣምበር ከምዚ ዓይነት መልእኽትታት ኣብቲ ኩሉ ዝውንኖ መርበብ ኢንተርነት ክዝርጋሕ ከም ኣገባብ ቅኑዕ ኣይመስለንን።

 

ነዝን ከምኦም ዝኣመሰሉን ጸገማት ብሓፈሻ ንምፍትሖም ለይቲ ምስ መዓልቲ ንጽዕር

ምህላውናን ዘዕግብ ፍታሕ ክንረኽበሎም ተስፋና ዓቢ ምዃኑን ድማ ነረጋግጸልኩም።

 

ጉዳይኩም ግቡእ ቆላሕታ ክግበረሉ ድማ ናብ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ማሕበራት ኣመሓላሊፍናዮ ምህላውና ከፍልጠኩም እፈቱ።

 

 

ምስ ሰናይ ሰላምታ

ሓውኹም ሑሰን ኸሊፋ መሓመድ ዓሊ

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈት

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

    26 ታሕሳስ 2005 ዓ.ም

 

 

    ኤርትራውያን ኣብ ኣውስትራሊያ ጸረ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት

                      ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

 

ኣብ  ኣውስትራልያ   ዝነብሩ  ኤርትራውያን   ምስ ኤርትራዊ  ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ብምትሕብባር   (ኣካል ህዝቢ ምዃን  ብግብሪ ይመስከር)  ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ

ጸረ ፖሊሲታት ስርዓት ኣስመራ ካብ ዕለት 23—25 ታሕሳስ 2005 ኣብ ከተማ መልቦርን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።  ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ብስርዓት ኢሳያስ ፈስቲቫል ክግበረሉ ዝተመደበ ኣዳራሽ እዩ ተወዲቡ። ኣብዚ ሰልፊዚ ከኣ ብስርዓት ኢሳያስ ንዝፍጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታትን ናይ ውሽጥን ግዳምን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ዘቃልዑ ብትግርኛን ዓረብኛን ዝተዳለዉ ጽሑፋት ተዘርጊሖም።  ከምኡ ውን ገለ ካብ ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዕላማ ናይቲ ፈስቲቫል ንዝተዳኸመ ቑጠባ ናይ ጨቋኒ ስርዓት ህይወት ንምምላስ ጥራሕ ምዃኑ ብምቅላዕን ዑረቱ ብምውጻእን፣ ኩሎም ንጹሃት ኢርትራውያን ዜጋታት ክሕረምዎን፣ግዳይ ናይ በቲ ስርዓትን ጉጅለኡን ዝዋደዱ ናይ ምዝመዛ መጻወድያታት ካብ ምዃን ክነቕሑን ፣   ህዝብና ካብ ባርነታዊ ግዝኣት ናይዚ ጠላም መራሕን ጉጅለኡን ዝላቐቐሉ ጸሓይ ስጋብ ዝበርቕን፣ ዲሞክራስያዊ ተቐይሮን ናይ ሕጊ ልዑላውነትን ጽረጋገጽ ከኣ ብዘለዎም ዓቕምን ኒሕን ክቃለሱን፣ ዝጽውዕ መደረታት ቀሪቡን።

 

ብካልእ ሸነኽ ድማ ኣባል ፈጻሚ ቤት-ጽሕፈትን ሓላፊ ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ናይ ኤዲኪ ኣቶ መሓመድኑር ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ሰልፈኛታት ተረኺቡ ቃል ኤዲኪ ከምዘቕረበ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

    

    መራኸቢ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት

 

           ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ካልኣይ ጠቕላላ ጉባኤ

                  ኣገዳሲ ኣዋጅ

 

ነቲ ብቕልጣፈ ዝውንጨፍ ዘሎ ኩነታት ምዕብልና ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግጣምን፣ ሰውራውን ዲሞክራስያውን ትካላውን ዕዮ ንምስልሳልን ህያው ንምግባርን፣ማእከላይ መርሒነት ናይ መራኸቢ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብዕለት 19-07-2005 ዓ.ም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ ካልኣይ ጠቕላላ ጉባኤ ኣቑሙ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብቲ ካብ 16-17 ታሕሳስ 2005 ዘካየደቶ ኣኼባኣ ንዝተወሰነለን ዕማማት ዘሰላስላ ኣብያተ-ጽሕፈታትን ሽማግለታትን መዚዛ። ከምኡ ውን ጉባኤ ብኣድማዕነት ንኽወጽእ ዝሕግዙ ሕግታትን መምርሕታትን ሓንጺጻ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ነቶም መድረኽ ዝወለዶም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳንን ወጻኢ ካብ ሱዳንን ዘጓንፉዎም ዘለዉ ጸገማት ብዕምቆት ተመያይጣትሉ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኩሎም ስደተኛታት ኣብ ምስንዳእ ጉባኤ ተግባራዊ ሱታፌ ንኽህልዎምን፣ ኣብ መርሒነት ዝወሰነቶ ግዜን ቦታን ተረኺቦም  ጉባኤኦም ብዓወት ኽዛዝሙ ንምብቃዕን ዝሕግዙን ዘተባብዑን መምርሕታት ሓንጺጻን፣ ከምኡ ውን እዚ ጉባኤዚ ንኩሉ ሕልኽልኻት ሰጊሩ ሽግራት ስደተኛታት ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዝ ብሩህ መጻኢ ከምዝኸውን ንምግባሩን፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ናይ መጽናዕትን ምርምርን ማእከላትን ሰባኣውን ማሕበራውን ትካላትን ተሳተፍቲ ናይዚ ጉባኤዚ ክኾኑ ይጽውዕ።

 

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን እትርከብ ጽኑዕ ሃዝብና፣

 

መራኸቢ ስደተኛታት ንስደተኛታት ዘጋጥሙዎም ዝተፈላለዩ ሽግራት  ምስ ጉዳዩ ዝምልከቶም ኣካላት ብቐጥታ ብምርኻብን ንምቅላሎም ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም ዝበሎም መዘክራት ብምጽሓፍን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣስመራ ንዘሕልፎም ዘሎ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ጸገማት ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብምቅላዕን ነቲ ድሕሪ ነጻነት ክዕጾ ተወሲኑ ዝነበር ፋይል ናይ ስደት ዳግማይ ከምዝኽሰት ገይሩዎ እዩ።

 

ጽኑዕ ህዝብና፣

 

ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሕልፎ ዘሎ ሽግር ንማንም ስዉር ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ባርባራዊ ተግባራት ካብ ኣብ መዋኢል መግዛእቲ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ዝኸፍኡን ዝመረሩን ብምዃኖም ኤርትራ መላእ ዜጋታታ ተሾቕሪሮም ዝነብሩላ ዓባይ ቤት-ማእሰርቲ ኮይና ብምህላዋ ኣዮም ሰደተኛታታ ናብታ ዘፍቅሩዋ ሃገሮም ምምላስ  ብምንጻግ ከም ስደተኛ ክቕጽል መሪር መርጫ ንክወስድ ዝተገደደ። እንተዘይኮይኑ ውለንታዊ ምምላስ ንሃገር ቀዳማይ ምርጭኡን መሰረታዊ ፍታሕ ናይ ሽግሩን ምዃኑ እዩ ዝኣምን።

በቲ ስርዓት ዝፍጸሙ በደላትን ንጹራት ሰብኣዊ ግህሳአታትን  ቀንዲ ጠንቂ ናይ ምፍሻል ወለንታዊ ምምላስ ኣብ ሃገርን ናይ ደቂ መላእ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብብዝሒ ምስዳድን  ምዃኖም ድማ ክልተ ክፈላለዩሉ ዘይኽእሉ ብሩህ ሓቂ እዩ። ከምኡ ውን እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ውግእ ድነ  ህዝብና ብሰላምን ቅሳነትን ናይ ምንባር ዘለዎ ዓሙቕ ባህጊ ስለዘብነኖ  ኣብ መዋኢል መግዛእቲ ዘሕለፎ መሪር መዋኢል ኣብ ዝንእደሉ ደረጃ ኣብጺሑዎ ኣሎ እንተተባህለውን ኣጋንኖ ኣይኮነን።

 

በዚ ኣጋጣሚዚ ከኣ ንቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ማሕበራትን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስጋብቲ ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ርጉእ ኩነታት ተረጋጊጹ ንሃገሮም ዝምለስሉ ሰዓት ዝኣክል ንዘጋጥሞም ዘሎ መሰረታዊ ናይ መግብን ሕክምናን ትምህርትን ጸገማት ኣብ ምቅላል እጃሞም ከልዕሉ ኣማህጺኑ።

 

ከምኡውን ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ተገቲሩ ዘሎ ጸገማት ሓንሳብን ንሓዋሩ ንምድምሳስ ኣበርቲኦኡ ክጽዕርን ክቃለስን ይጽውዕ።

 

ከምኡ ውን ንናይ ሰብኣዊ መሰላት ማእከል ሶይራን ንተጣበቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ሱዳንን ንኤርትራዊ ናይ ዜና ማእከላትን፣ ንኣሳናዳእቲ ጋዜጣታት ሱዳን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንኣዳላዊ ጋዜጣ ኣልወጠን ሰይድ ኣሕመድ ኣልኸሊፋን፣ ንናይኤርትራውያን ወብ-ሳይትን ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘለዎም ተገዳስነት ልባዊ ምስጋና የቕርብ።

 

ኣብ መደምደምታ ህዝብን መንግስትን ሱዳን በቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥሙ ጸገማት ኣብ ምቅላል  ዘርኣይዎን ዘርእዩዎ ዘለውን ሕውንውታዊ ምትሕብባር ሞጎሱ ይገልጽ።

 

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ጠቕላላ ጉባኤ

መራኸቢ ስደተኛታት

17-12-2005                      

 

                


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com