|
||
|
|
||
|
ሓዘን፡ መሪር ሓዘን!
ኣንታ ወዲ ዑቕባነኪኤል ወዲ ራእሱ ካብ’ቶም ቀደም ብመትከል ብጽንዓት ዝተኮሱ ንጽንኩር መድረኻት ብዓወት ዝወጽእ ጠሓሒሱ ሞትዶ ኣዘንጊዓትካ ወይስ ሲኢንካ’ታ ፈውሱ ጽንዓትዶ ክብለካ ኣቦ መትከል ተሪር ከውሒ ፈጺሙ ዘይፍንቀል ፍትሕን ዲሞክራስያን ኣቐዲምካ ‘ትኽተል ንቓላት ቋንቋታት ትዝርዝር ከም መፍተል ጅግናዶ ክብለካ ዘይድፈር ዘይዕንቀፍ መልሓስ፣ ኣየ ከንፈር ኣተኲሩ ዝጥምት፣ ኣየ ዓይኒ ኣየ ገንበር ናትካ’ውንዶ ከም ተራ ሞት’ዩ ክንገር መርድእካ በጺሑኒ ክነግር፡ ከእዊ ጐይታ ጽንዓት ትብዓት ኣንታ መትከላዊ ዋይ ዋይ ኢለ በኽየ፡ ሓዘነይ ከርዊ ‘ምበር ታሪኽካስ ነባሪ’ዩ ዘለኣለማዊ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝበለ ይእሰርዶ? ዓደይ ሃገረይ ዝበለ ይመውትዶ? ታሪኽካ ነባሪ’ዩ ንውሉድ ወለዶ ምስ ናይ ብዓል ተሰማ፡ ምስ ናይ ብዓለ ከቢረ፡ ምስ ናይ ብዓል ዓዋተ፡ ምስ ናይ ብዓል ማንደላ ነዛምዶ መምህረይ! .. በል ንዓኻስ ዕረፍቲ’ዩ እንታይ ተሪፉካ ብ”የማን፡ ብ”ጸጋም ብዙሕ ተጓሲጥካ ብዙሓት በላሕቲ፡ መትከላውያን ንድሕሪት ገዲፍካ ዕላማኻ፣ ዕላማ ፍትሕን ዕላማ ዲሞክራሲን ምስተዓወተ፡ ሽዑ፣ ሕሹኽ ክንብለካ’ና፡ ክሻቡ ግን ዕረፍ ቀሲነካ ኣምላኽ ድማ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ይቀበልካ።
ሓውኻ ዑቕባይ ተ/ማርያም ካብ ካናዳ
|
||
|
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|