|
||
|
ናይ ሓዘን መግለጺ ትሰምዕ’ዶ ኣሎሎኻ ጅግና ተጋ/ ስዩም ዑቕባሚኤል ሓጻር ግጥሚ ንስለ ክብርኻን ጅግንነትካን፡ ስምረት ሃይለ-ስያትል
ወርሒ 12 ኣንቲ ገባር ቅያ ዕለት 17 ከኣ ክንድይ ትደፍር ኢያ ዓመተ-ምህረት 2005 ከ ክንደይ ትቃጸጽ ኢያ ተሰማሚዔን ንጅግና ስዩም ወሲደን ዝጎየያ ከብድና ዝቐረጻ እየን እግርና ዝኾርመያ በብኩርናዑ ንፈተውትኻን ቤተ-ሰብካን ዘብከያ መዘከሪት መስዋእቲ መዓልትኻ እያ።
ስዩመየ እስኪ ሃበና ወረ ጉዕዞ ርሑቕ መገሻ ከመይ ነበረ እወ መልኣኽ ጎየየ ናብ ወልደዳዊትን ናብ ኣብርሃም ተኽለ ነገረ ኣብርሃምን ወልደዳዊትን ንስዒድ ሳልሕን መልኣከን ኣበሰረ ስዒድ ሳልሕን መልኣከን ከኣ ንሓሊብ ሰተን ንወዲ ሓሰብን ትምሳሕን ካብ ድቃሶም ኣባራበረ መለኸት እውን ተነፍሔ ኩሎም ሰማእታት ስውኣት ተነግረ።
ሸበድበድ እውን በሉ ጋሽኦም ክቕበሉ ፍዮሪ ዕንባባ ንሓዝ ኩሉና’ውን ተባህሉ ወርቂ መምበር’ውን ቀረብሉ ኣብ መንግስተ-ሰማይ በሉ ነኽብቦ ኩልና ወረ ክህበና እዩ እውን በሉ ወረ በል ሃቦም ከምታ ቀደደምካ ተንቲንካ ኩሉ። ንገሮም ቀሪቡ እዩ መሰል ህዝቢ ክሕሎ ቀሪበ ነይረ ኣብጺሔያ ኣብታ ካንቸሎ ህዝበይ’ውን በለኒ ኣይትታሃወኽ ጽናሕ ማዕጾ ክትከፍተልና በሎ ስዩመየ ዝደለኻ ምገበርካ ጻማ ራሃጽካ ምስ ራኣኻ ኩሎ።
ስዩመየ ኣገዳሲ ኣካል ኢኻ ኔርካ ብኹሉ ትጥመት ኣእሙረኛ ኢኻ ኔርካ ዝተዋህበካ ብቑዕነት ህዝብኻ ዝፈትወካ ዝነበረ ብሓንጎል ብኽእለት ኣምላኽ’ውን ይፈትወካ እዩ ስለዘይበልካ ወስለትለት ሓሶት እካ ኣይትፈቱን ብጀካ ሓቅነት ቃንዛ ዘይሃበካ ቃንዛ ስጋ ስቅያት ገበረልካ ኣታዓራርፋ ጻድቃናት ብቕንዕና ስለ ትቐርቦ ንህዝብኻ ብፍቕሪ ብእምነት መትከላዊ እኮ ኢኻ ተቓላሲ ብዘይ ክሕደት ህዝበይ ህዝበይ ትብል ዝነበረካ ብሕውነት ኣፍቃሪ ህዝቡን ሃገሩን ብዘይ ወገንነት መትከልካን ዕላማኻን ከይከሓድካ ብዘይ ጥልመት ኣማሊእካያ ኢኻ ኣብ ዓለም ብናይ ስጋን መንፈስን ብዘደነቐት ንኸማኻስ ኣየጽንምን ኢዩ ኣምላኽ ብፍትወት ዘይ ከምዚኣ እዩ ዝደሊ ኣምላኽ ኣብ መትከልካ እምነት እዛ ኣደይ ማርያምከ እንታይ ድኣ በለት ኣነ’ውን ክቕበሎ እየ ክህቦ እየ ሽልማት መዳልያ በለት መተዓልልቲ በዓል ኣብርሃም፡ ኢሳቕ፡ ያዕቆብ‘ውን ክገብሮ ኢየ በለት ይግባኣካ እዩ ስዩመየ ኣሕሊፍካዮ ኢኻ ኣብ ዓለም ከርተት።
ትብል እኮ ኢኻ ካብ ንዓይ ዝጥዕመኒ ንብጻየይ ካብ ንዓይ ዝጥዕመኒ ንህዝበይ ካብ ንዓይ ዝጥዕመኒ ንሃገረይ ካብ ኣብ ዓራተይ ኣብ መሬተይ ካብ ዲግረይ ኣብ ጉድጋደይ በዓል ጽቡቕ ታሪኽ ጅግና፡ ተባዕ፡ ቆራጽ፡ ሓርበኛ፡ ውፉይ። ዓይኒ ሃገር ኣምላኽ የብርሃልካ ብርሃን ዘልኣለም ኣምላኽ ኣብ ሕቕፍኡ ይቀበልካ ኣሜን።
ወትሩ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና! ራህዋን ቅሳነትን ፍትሕን ከኣ ንውጹዕ ህዝብና!
ብጸይትኻ ስምረት ሃይለ - ስያትል
|
||
|
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|