ስዉእ ጅግና ስዩም ብወግዓዊ ዓጀባ ተስንዩ ሓመድ ለቢሱ

 

እቲ ንመዋእሉ ንሃገሩ ዝተቓለሰ ብዘይካ መሰል ህዝብና ምሕታት ካልእ ኣበር ዘይነበሮ ጅግና ሓመድ ዓዱ ከይለብስ ተኸልኪሉ ኣብ ሮተርዳም/ቭላርዲንገን ፣ሆላንድ ግን ብዓቢ ድምቀት ብዝተሰንየ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ኤርትራዊ መወለድ ዘለዎምን ዘይብሎምን ብብዝሒን ብስሚዕትን ተፋንየሞ።  ኩሉ ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ዝተሳተፈ ኸኣ ስዩም ብኣካል ደኣ ይፈለ እምበር ብሓሳብን ብመንፈስን ብሞገስ ህዝቢ ኤርትራን ብፈተውቲ ሰላምን ኣመንቲ መሰልን ዴሞክራሲን’ሲ ንዘልኣለም ህያው ምዃኑ ተሰማሚዒሉ።  እቲ ህዝቢ ብሓደ ድምጺ ስዩም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ስለዝኾነ ሓደ ንሓደ ከጸናንዖ ኣይክእልን እዩ ክብል ተወፋይነቱ ንሃገሩ መስኪሩ።  ንቤተ ሰቡ ኣጆኻትኩም ብታሪኽ ክኸብር እዩ፣ዕላምኡ ኣብ ሸቶኡ ክበጽሕ እዩ ዝብል ድምጺ ደኣምበር ከምቲ ልሙድ ጽንዓት ይሃብኩም ዝብል ኣይተሰምዐን።  ነቶም ዕምባባ ደቁ እውን ስዩም ናይ ኩልና ሓውን ኣቦን እዩ ነይሩ ። እዚ ሓዘን ኣዚ ኽኣ ናይ በይንኹም ኣይኮነን ዝብልን ብናይ ጅግና ኣቦኦም ታሪኽን ሃገራዊ ኣበርክቶን ክኾርዑን ክሕበኑን ሰላም ዝበሎም ዘበለ ኣረጋጊጽሎም።

እቲ ኣኽብሮትን ሞገስን ካብ ተዓዘብትን ዋላ እውን ካብቶም ምስ ስዉእ ብጻይና ፖለቲካዊ መርገጽ ፍልልይ ዘለዎም ይውሕዝ ብምንባሩ ኣይኮነንዶ ውላዱን ቤተ ሰቡን ኮንካስ ብጻዩ ምዃንካ እውን ዘዅርዕ ሃዋህው ዝመልኦ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ምንባሩ ዝወዓለ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

 

መጀመርያ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ተሳተፍቲ ብዘይካ ኣብኡ ዝቐነዩ ቤተሰብን፣ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ -ሰ.ባ.ን ብሳልስቱ ኣጋይሽ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብፍላይ ክኣ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክውሕዙ ቀንዮም።  እቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ኣብ ክቢ ስዉኣት ዝተባህለ ናይ ቭላርዲንገን ጎደናዊ ዓንኬል ሽምዓን መብራህትን ሕዝካ ክዝውር ድሒሩ ናይ ጽሎትን ፍትሓትን ብኤርትራዊን ሆላንዳዊን  (ዳቻውን)ኣገባብ ኣብ ቤተክርስትያን ክፍጸም፤ ቀጺሉ ኸኣ ናይ ቀረባ ብጾቱን ፈለጥቱን፣ወከልቲ ውድባትን ቃሎም ከስምዑ እዩ ነይሩ።  ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ስነ ስርዓት ብናይ ልሙድ ሓመድ ምልባስ ኣገባብ ክድምድም ተመዲቡ።

 

ንጉሆ ዓርቢ ብነፈርቲ ዘርክቡን ብኣውቶቡሳት ዝጎዓዙን ንቭላርዲንገን ወሓዙ።  ናይ ኣይር ኩነታት ክረምታዊ በረድ ይወድቕ ብምንባሩ ንኣውቶቡሳት ይኹን ንብመኻይን ዘውርቲ እጸጋሚ እዩ ነይሩ።  እቲ ቅድሚ ሕጂ ብኤርትራዊ ደረጃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ህዝቢ ምስክርነት ናይ ስዉእ ብጻይና ስዩም ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ኣኽብሮት ምዃኑ ዘተሓታትት ነገር ኣይኮነን።

 

እቲ ቀብሪ ዝነበረሉ ቤተክርስትያን ዋላ’ኳ ሰፊሕ እንተነበረን እቲ ናይ ክሊማ ኩነታት ሕማቕ እንተነበረን እቲ ቦታ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸቦ መሊኡ እሞ ኩሉ ብልቡ ክሓዝንን ምስኡ ኽኣ እቲ ብጻይ ስዩም ዝተለሞን በጃ ዝሓለፈሉን ዕላማ ኣብ ሸቶኡ ከነብጽሖ ኢና ዝብል ናይ ጽንዓትን ቆራጽነትን ካብ ማንም ሰብ ይርአ ብምንባሩ መጻኢት ኤርትራ ተስፋ ክም ዘለዋ ዝሕብርን ተስፋ ዝህብን ሞራል ዘግብርን ኩነታት ምንባሩ እቲ ካብ ተኻፋላይ ዝስማዕ ዝነበረ መብጻዓታትን ብሓንሳእ ናይ ምስራሕ ድሌታትን ጽቡቕ መግለጺኡ ነይሩ።

 

ብዙሕ ሰብ ስእሊ ክውስድን ቪድዮ ክቐድሕን ድሌታት ክርኤ ኣንከሎ ኸኣ እቲ መዓልቲ ታሪኻዊ ከም ዝተቖጽረን እሞ ናይ’ቲ ታሪኻዊ መዓልቲ መዘከርታ ክሕዝ ይደሊ ከም ዝነበረን መረዳእታ ክኸውን ይኽእል። 

 

እቲ ብምምሕዳር ናይ ከተማ ቭላርዲንገን  ዝተራእየ ምትሕግጋዝን ናይ ዓጀባ ስነ ስርዓትን ነብሱ ዝኸኣለ ጽሑፍ ዘድልዮ እዩ።  እት ዝተራእየ ቍጽሪ ወጻእተኛታት ከኣ ስይም ምስ ቤተ ሰቡ ማዕረ ክንደይ ንከባቢኦም ከምዝጸለዉዎ ይሕብር። 

 

ከምቲ ልሙድ እቲ ብዕሉግ ዝኾነ ናይ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ባህልን ወግዕን ስነ ስርዓትን ዘይፈልጥ ብስድታት ዝምራሕ ናይ ህግደፍ መሪሕነት ብዝሃቦ መምርሒን እቶም ነተን ርሂጾምን ቆጢቦምን ኣብ ኤርትራ ዝሰርሕወን ገዛውቲ ክሕልዉን ብባህራያቶም ኢርትራዊ ንያት ዘይብሎም ብሓንጎሎም ዘይከዱ ጀጃዋት ኣባላት ኢህግደፍ ንቤተ ሰብ ጽንዓት ይሃብኩም ምባል ይኹን ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ኣይተረኽቡን።  ስዩም ግን ኣብ ናጽነታዊ መስርሕ ቆራጽነቱን ተወፋይነቱን ብገዛእቲ ሓይልታት ከይተረፈ ዘመስከረ ድሒሩ ንመሰልን ማዕርነትን ህዝቡ ህይውቱ ዝወፈየ ብምዃኑ ፈትዮም ጸሊኦም ብዓቢ መዓርግ ተቐቢሩ። ሓደ ግዜ እውን ዳግመ ስነስርዓት ክግበረሉን ሓወልቲ ክስርሓሉን ኣብታ ዝፈትዋን ብንእሱ ህይወቱ ዝወፈየላን ሃገሩን እንደገና ክቕበርን ምዃኑ ይፍለጥዎ።

 

ካልእ ተቓዋማይን መንጎኛን ህዝቢን ብኣካል ዝተረኽቡን ብስራሕ ምኽንያት ዝረሓቑን ኣብ ኮንፈረንሳት ዝነበሩን ብስልኪን ብቴለግራምን ኢመይልን ተኻፋልነቶም ኣረጋጊጾም እዮም።

 

 ኣባላት ውድብ ሰውራዊ ባይቶ ግን ናይ ብጻይና መስዋእቲ እንደገና ከብለሖምን ናይ ቃልሲ ኣበርክቶኦም ከኻዕብቱ ምዃኖምን ብደረጃ መሪሕነትን መሰረትን ቃል ተኣታትዮም ተፈላልዮም።  ተ.ሓ. ኤ.-ሰ.ባ. ኸኣ በላሕትን ምኩራትን ዕጡቓትን ውፍያትን ኣባላት ዘለዉዎ ብምዃኑ ነቲ ብጻይና ዝመርሖ ዝነበረ መደባትን ስትራተጅን ብሕኑን ክቕጽል ምዃኑ ንህግደፋውያንን ንመቓልስትናን መሓዙትናን ብሩህ ክኾነሎም ይግባእ።

 

ኣንበብትና እዚ ናይ መጀምርያ ናይ መእተዊ ጽብጻብና ኮይኑ ዝርዝር ጽብጻብ ከነስዕበልኩም ክንቅኒ ኢና። ናይ ቤተሰብን ናይ ውድብናን ምስጋና እውን ከነቕርበልኩም እና።

 

ክሳዕ ዝርዝር ጸብጻብና ደሓን ቀንዩ።

ወኪል ጋንታ ንሓርነት

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com