Nharnet Articles/Opinions

     

        

ሃገራዊ ሐደራኡን .. ንስዉእ ማሕላኡን

ብግብሪ ዘተግበረ’ስ አገናዕ’ዶ አይብሃልን?

ብተስፋይ ተኽለ - ሕቡራት መንግስታት አሜሪካ

 

ድሕሪ’ቲ ዘሕዝን ሃንደበታዊ መስዋእቲ ሐርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ተረኽቦ፣ ነቲ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ አቦ ወንበርነት ቦታን፣ ነቲ ሸፊንዎ ዝነበረ ዕማማትን ሃጓፍ፣ ብኸመይ ክስተኻኸልን ብኸመይ ክምላእን ኮን ይኸውን ዝብል ሕቶ ንብዙሐት ከም ዘጨነቖም ርዱእ’ዩ ኔሩ።

 

ብርግጽ እዚ ሕቶ’ዚ መላእ መሰረታት ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ሰ/ባይቶ ይኹን መሪሕነቱ፣ ውዑይን ህጹጽ እዋናዊ መልሲ ከም ዘድልዮን፣ ጊዜ’ውን ፈጺሙ ዘይህብ ምዃኑን ብአግኡ ተገንዚቦሞ ኢዮም። ናይ ክቡር ጅግና ሐርበኛ ተጋዳላይ ስዩም ዑቕባሚካኤል መስዋእቲ፣ ይትረፍ’ዶ ንስድራ ቤቱን ንዝመርሖ ውድቡን ፣ ነቲ ናይ ፍትሕን ርትዕን ለውጢ ዝጸምኦ ህዝብና ኮነ፣ ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ንምርግጋጽ ዝጸመዱ  ኩሎም ሃገራውያን ተቓለስቲ ሐይልታት’ውን እንተኾነ ተንኪፍዎም ኢዩ።

ስዉእ ሐርበኛ እታ ዝፈትዋ ክብርቲ ሂወቱ፣ ምስ ኩሉ ዝውንኖ ኩለንትና ትሕዝቶታቱ፣ ነታ አዝዩ ዝፈትዋ ክብርቲ ኤርትራ ሃገሩ አበርኪቱ፣ ምስቶም ቀዳሞት ዝሐለፉ ክቡራት ጀጋኑ ሐርበኛታት ኤርትራ አሕዋቱ ተጸንቢሩ’ሎ።

 

ይኹን’ምበር ከምቲ “ጅግና ይመውት … ቃልሲ ግን ህያው ኮይኑ ብዘለዉ ይቕጽል” ዝተባህለ፣ መስዋእትን ሞትን ንደቂ አዳም ዝተፈጥረ ግዴታዊ ንቡርን ባህርያዊን ብምዃኑ፣ በቶም ዝተረፉ ቀጺሉ፣ ግቡእ መዓርፎኡ ክበጽሕ፣ግድነትን ግዴታን’ዩ። ግድነትን ግዴታን ክብሃል ከሎ ግን፣ ናይ’ቲ ዝካየድን ዝግበርን ቃልሲ ውጺኢቱን ፍሬኡን፣ ነቶም ውሑዳት ዝውከፉሉን ዝብጀውሉን ጥራሕ አይኮነን። እኳ ድአ በዚ ውጺኢት’ዚ እቲ ዝያዳ ቀንደኛ ተረባሒን ተጠቃሚን ዝኸውንስ ኩሉ ወዲ ሃገር መላእ ሐፋሽ ህዝቢ ኢዩ። እቶም ውሑዳት ሂወቶም ንቓልሲ ዝበጀዉ ተባዓት ወትሩ ከምቲ “ሽምዓ ንሰብ ክተብርህ ክትብል ንባዕላ ትመክኽ” ዝተባህለ፣ መታን ሰቦም ክጥዕሞ ክቐስን፣ ሃገሮም ዓዲ ፍትሒን ርትዒን ኮይና ክትስስን እንተዘይኮኑ፣ ካልእ ዝተፈለ ፋይዳ ከምዘይረኽብሉ’ስ ርዱእ ነገር’ዩ።

 

መሰረታት ይኹን መሪሕነት ውድብ ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶ፣ ንመስዋእቲ አቦ ወንበሮም ብመሪር ሐዘን ተቐቢሎም አብ ምስቁንቋንን ጓህን ጥራሕ አይተሐጽሩን። የግዳስ ናይቲ ዝፈትውዎ ክቡር ጅግናን ሐርበኛን ስዉእ መራሒኦም፣ ግቡእ ዝኾነ ፈነዋ ድሕሪ ምግባርን፣ አብ ናይ መወዳእታ ቦታኡ ድሕሪ ምዕራፍን፣ ነቲ ዝገደፎ ሐደራ ንምቕጻል አብ ምሽብሻብ’ዮም አድሂቦም። ነታ ሃገራዊን ደሞክራስያውን ዓላማን፣ ዕማማትን ተጻዒና እትጉዓዝ ዘላ ኤርትራዊት ናይ ለውጢ መርከብ’ውን እንተኾነ፣ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሐይልታት ሃገራውያንንን ደሞክራስያውያንን አሕዋቶም ብምውህሃድ፣አብ ናይ መጨረሻ ናይ ዓወት መዕርፎ ማርሳአ ንምብጻሕ፣ እቲ ዘድሊ ስጉምቲን ምድላዋትን አብ ምውሳድ’ዮም ተጓይዮም። እቲ ዝገደፍካልና ኤርትራዊ ህዝባዊ ሐደራ ክንቅጽሎ ኢና። አብ ምቕጻሉ ከአ ንምቾትን ጣዕምን ቆላሕታ ከይሃብና፣ ከምቲ ንስኻ ናይ ውልቀ ስድራ ቤታዊ መቐረት ካልአይ ቦታ ዝሃብካዮ፣ ንሕና’ውን ካልአይ ቦታ ሰሪዕና፣ ንህዝብናን ሃገርናን ክንቃለስ ቆሪጽና ተላዒልና’ለና ክብሉ’ውን ካብ ውሽጢ አባላት መሪሕነቱ፣ ዘደንቕ ውሳኔ ክወስዱ ድአ ተራእዩ። ካብቲ ዝፈትውዎ ክቡር ሂወቶም ኮነ ስድራ ቤታዊ መንብሮ፣ አዝዩ ክቡር ዋጋ ክህቡን ክኸፍሉን፣ ቅሩብነቶም ብዘደንቕ ማሕላ አሰንዮም ክፍጽሙ፣ ምርአይን ምስማዕን ብሐቂ ክሙጎሱን ክምስገኑን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኩሉ’ቲ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝቦም ክድግፎምን አገናዕ ክብሎም’ውን ዘይግባእ አይኮነን። እወ እቲ ወትሩ ውጹዕ ዝኾነ ህዝብና ብወጽዕኡን በደሉን ዝሐሙሉን ዝቑዝሙሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብኡ መጠን’ውን እንተኾነ ማዕረኡ ብተግባር ዝቃለሱሉን ዝብጀውሉን፣ ተባዓት ዜጋታት ወሊዱ ከምዘፍረየ ዘረጋግጽ ጭቡጥ አብነታዊ ምስክርነት’ውን ኢዩ።

 

ከም መርአያ ናይ’ዚ ጭቡጥ ዝኾነ ታሪኻዊ አብነት ንምጥቃስ ፣ድሕሪ ፈነዋ ሐርበኛ ስዉእ አ/ወንበር ውድብ፣ ህጹጽ ዝኾነ መሪሕነታዊ አኼባ ብምክያድ ፣ አቶ ወልደሱስ ዓማር፣ አቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፣ አቶ ተኽለ መለኪን፣ ነቲ ምስ ቃልሲ አወሃሂዶም ዘካይድዎ ዝነበሩ ስድራ ቤታዊ መንብሮ ገዲፎም፣ ምሉእ ብምሉእ ሂወቶም ናብ ሃገራዊን ውድባዊን ቃልሲ ከወክፍዎን ክጸምድዎን ምውሳኖም፣ አድናቖትና ምግላጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንዓታቶም ኮነ ንስድራ ቤቶም፣ ክብ ዝበለ ናይ ክብሪን ምስጋናን መልእኽትና ነመሐላልፈሎም።

 

እዞም ተባዓት ነብሶም ንሃገራዊ ቓልሲ ዝበጀዉ ደቂ ሃገር እዚኦም፣ ቀደም’ውን እንተኾነ ገሊኦም ካብ መስረትቲ ምንቅስቓስ ተመሃሮ አብ ስሳታት፣ ገሊኦም ከአ ቅድመ ግንባር ብረታዊ ተጋድሎ ካብ ፈለማ ሰብዓታት ጀሚሮም፣ እጃሞምን ክቡር ናይ ንእስነት ዕድመኦምን ዘበርከቱ’ዮም። ንሳቶም ኮነ እቶም ካልኦት ምሉእ ሂወቶምን ጊዜኦምን ንሃገራዊ ቃልሲ ወፊዮም፣ አብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ዘምጽእ ለውጢ ንምርግጋጽ፣ ፊተ ግንባር ቃልሲ ቦታኦም ሒዞም፣ ዘይሕለል ተጋድሎ ዘካይዱ ዘለዉ፣ መራሕቲ ይኹን ተራ  አባላት መላእ ተቓወምቲ ሐይልታት’ውን እንተኾነ፣ በዚ አጋጣሚ’ዚ ዝለዓለ ናይ ክብሪን ሞገስን ሰላምታና ነመሐላልፈሎም።

 

እቶም ፊተ ግንባር ቃልሲ ኮይኖም ሂወቶም ክብጀዉ ድሉዋት ዝኾኑ ሐርበኛታት ደቂ’ዛ ሃገር እዚአ፣ ከም ስጋ ሰብ ዝለበሰ ወዲ አዳም መጠን፣ ዓለማዊ ምቾት ኮነ፣ ስድራ ቤታዊ ጣዕሚ ከስተማቕሩ ስለዘይብህጉን ስለዘይሃርፉን አይኮነን። ከም ማንም ሰቦም’ውን እንተኾነ፣ ነብሶም ሐራ አውጺኦም ክወናጨፉ፣ ክነብርሉ ዝኽእሉ እንዳተዓጻጸፉ፣ ብልሃትን ሞያን ንኽውንኑ ዘኽእል ሐንጎልን አእምሮን’ውን ተዓዲልዎም’ዩ። የግዳስ ፍቕሪ ሃገሩ ዝሐደሮን፣ ጭቆና ህዝቡ ዝመረሮን፣ ሐርበኛ ተቓላሳይ ወዲ ሃገር፣ ብዝያዳ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ስውአት ብጾቱ ድፍእ ክብሉ ወትሩ ትዝ ክብሎን ክረአዮን ከሎ፣ ከምኡ’ውን እቶም ተጨውዮም ብሂወቶም ከለዉ፣ ብዘይ ፍርዲ ተደብዮም ዝበልዩ ዘለዉ ተጋደልቲ ብጾቱ’ውን ቅድሚኡ ድቅን ክብልዎ ከለዉ፣ ንሰብአዊ ኒሑን ሐቦኡን ቀንዲ ፈልፋሊ ምንጪ ሐይሊ ኮይኑ የለዓዕሎ። ከይተሐለለን ከይሰልከየን ንኽቃለስ ከአ የተባብዖን የዕጥቖን። እቲ ዕጥቂ’ቲ ግን ብሐቂ ኩሉ መኒኑ ይዓጥቆ ማለት አይኮነን። ንሱ ስለዝኾነ ኢዩ ከአ ነቶም አብ ህሉው ሕልኽልኽ ዝበለ ፖለቲካዊ አተሃላልዋ ሃገርና ከይገደሶም፣ ምሉእ ሂወትናን ጊዜናን ከነወፊ ተዕጢቕና’ለና ኢሎም ብቖራጽነት ንዝውስኑ፣ አማን ብአማን ፍሉይነት አለዎም እንብል።

 

እወ አብዚ ዘለናዮ አዋጣሪ ሰዓት’ዚ ኩሉ ንድሕሪት ገዲፉ፣ ሂወቱን ናብራኡን ጠንጢኑ፣ ንስለ ምዕዋት መሰል ህዝቡን፣ ንስለ ምርግጋጽ ክብሪ ሃገሩን፣ ክቃለስ ወሲነ’ለኹ ዝብል ኤርትራዊ እንተተረኺቡ፣ ብዘይቃልዓለም ብህዝቡ ክሙጎስን ክምስገንን’ዩ ዝግብኦ።

 

ምናልባት ገለገለ ሰባት ምስቲ ዝሐለፈ አንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ብረታዊ ተጋድሎ ብምዝማድ፣ ዋእ እዚ ድአ እንታይ ሐዲሽ ነገር ኮይኑ’ዩ፣ ቀደም’ዶ ናብራኡ ገዲፉ ዝተሰለፈን ዝተጋደለን፣ ዓዃይ ኮነ ሸቃላይ፣ ምሁር ኮነ ተመሃራይ አይነበረን’ዩ፣ ዝብል ርእይቶ የምጽኡ ይኾኑ። እወ እዚ’ውን እንተኾነ ርግጽ እማን ሐቂ’ዩ። እንተኾነ ግን አብቲ ቀደም አንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ተጋድሎ፣  ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ጻት ንጻት ከቲቱ፣ ብተግባራዊ አካሉ ተሳቲፉ፣ ጥሪቱን ገንዘቡን አወኪፉ፣ ብምሉእ ንያቱን ሐሳቡን ደጊፉ፣ ምስ ሰውራኡ ደው ኢሉ መኪቱ ስለዝገጠሞ’ዩ ንመግዛእቲ ስዒርዎ። ሎሚ’ኸ እቲ ባይታ’ትን እቲ መንፈስ እትን ብሐቂ አሎ’ዶ? አይፋሉን ብፍጹም እባ ድአ ዘይሕሰብ።  ሎሚ ፍትሒን ርትዒን ጎዲሉ፣ ዓደቦ ብአጻብዕ ዘይቁጸሩ ጎሐሉ ተበዲሉ ከብቅዕ፣ ነቲ ብሐደ ውልቀ ሰብ ዝሕለኽን ዝምለኽን ናይ ጐሐሉ ስርዓት ስርዓትና’ዩ ዝብሉን፣ ነቲ ዘርኢ ኤርትራ ንምጽናት፣ብዘይካ ወረ ውግእን ምህርቲ ኲናትን ዝዓውዱ፣ ካልእ ፈጺሙ ትሕዝቶ ዘይብሉ ጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ መንግስትና’ዩ ብምባል ክንድኡ ዘራፍ እንዳበሉ ዝድብሉን፣  ቁጽሮም ካብ ሕብረተሰብና አቃሊልካን አነአኢስካን ዝርኤ አይኮነን። ኩሉ’ቲ ዝግበር ናይቲ ስርዓት ግዕዙይ ምሕደራን፣ ጨቋኒ አሰራርሐን እናፈለጠ፣  ከምዘይፈልጥ ኮይኑ ንኽነብርን ንኽብለጽን ኢሉ፣ ነቲ ስርዓት ዘውደልድልን ዝግብርን ተበላጺ እሞ ኸአ መሊኡ’ዩ ንሱ’ኳ ይበዝሕ።

 

ስለዚ አብ ከምዚ ዝአመሰለ ፖለቲካዊ ምስቅልቅልን፣ ከምዚ ሕጂ ሕብረተሰብና ብአተሕሳስባኡን አረዳድአኡን ተገዛዚዑ፣ ምቕልቅል ዝሰፈኖ እዋንን ፣ አነ ንሃገረይ ብምባል ናይ ለውጢ ሃዋርያ ኮይኑ ከገልግልን፣ ሃገሩ ልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ ዝነገሳ፣ ዓዲ ፍትሕን ርትዕን፣ ዓዲ ማዕርነትን ሕውነትን ዝኾነት፣ ሐዳስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምርግጋጽ፣ ምሉእ ሂወቱ ክብጆ ቆሪጹ ንዝተላዕለ’ስ ከመይ’ሉ ፍሉይነት የብሉን ክብሃል ይከአል? ፍሉይነት ድአ አለዎ’ምበር ብዘይ አጋንኖ ብዘይ ቃል ዓለም። እስከ ንስለ ሐቂ ንጠያየቕ፣ ከም’ቲ ናይ ቀደም ዘበነ ባዕዳዊ ግዝአት መኪትካ ዝሰዓርካዮ፤ ንዓ ሕጂ’ውን ንህዝብኻን ሃገርካን ካብ አርዑት ሐደ ሰብ ዝውንኖ ምልካዊ ስርዓት ሐራ ከተውጽእ ክተት ዝብል ጻውዒት እንተዝግበርስ መንን ክንደይን ኮን አነ አለኹ ምበለ? ሰብ ነነብሱ መርሚሩ ባዕሉ መልሱ ይርከብ።

 

ምናልባት ካብ ገለ ገለ’ውን ተቓወምቲ ሐይልታት ስለዘይሐየሉን፣ ብግቡእ ስለዘይመርሑን’ምበር ኩሉ ምሰዓቦም ኔሩ ዝብል ርእይቶ ይመጽእ ይኸውን። እዚ’ውን እንተኾነ ብሐቂ ክምርመርን ክርኤን ከሎ፣ ንተቓውሞ ዘሐይሎን፣ ብግቡእ ንኽመርሖ ዘገድዶን ናይ ህዝቢ ንጡፍ ተሳትፎ ምዃኑ ዘይምግንዛብ ኢዩ። አብ ክንዲ ብወንጭፍ እንዳለአኽካ፣ ዓይኒ ማዕዶ ኮይንካ ጉድለታትን ድኽመታትን ናይ ተቓወምቲ ምጽብጻብ፣ አብቲ ዝመስለካን ብአተሐሳስባ ዝቐርበካን ሸነኽ አብ ማእከሉን ውሽጡን አቲኻ፣ ንዝኽሰብ እንዳኸሰብካ፣ ያዕ ኢልካ ንዝግለፍ እንዳገለፍካ፣ መተካእታ ናቱ ከአ እንዳ አምጻእካ ብምጽፋፍ፣ ንቕድሚት ክትምርሽ እንተዘይበቒዕካ፣ ኩሉ’ቲ ዝብሃል ናይ “ይበላኻ” ዝዓይነቱ ከንቱ ሸንኮለል ኮይኑ ጥራሕ’ዩ ዝተርፍ። ቃልሲ ውሽጡ አቲኻ ከይተጣማጠምካ፣ ጉድለታት ስለዝጸብጸብካ ጥራሕ፣ እቲ እትደልዮን እትሃርፎን እንካ ኢሉ ፈትፊቱ ዝህበካ አካል ከምዘየለ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። አብ ዓለምና ኩሉ ዝተራእየ ፖለቲካዊ ጉዕዞ፣ ብቃልሲ መኸተን ተጽዕኖን ተገዲዱ እንተዘይኮይኑ ብፍታዉ እንካ መሰልካ’ዩ ዝበለ ተራእዩ’ውን አይፈልጥን። ስለዚ ኩሉ’ቲ አብ ዓደቦኡ ናይ ሰላምን ፍጹም ቅሳነትን ለውጢ ምርግጋጽ ዝብህግ ወዲ ሃገር፣ ነቲ ዝነበረን ዝተወደበን መደበር ናይ ለውጢ ተቓውሞ ምፍራሱን ምዕናዉን፣ ካልእ ሐዲሽ መራብሕቲ ቁጽሪ ምፍጣርን ምምሃዝን ዘይኮነስ፣ አብ ውሽጡ አትዩ ብኸርብሖን ክጠቕሞን ዝኽእል መንገዲ ክቕይሶን ክሰርዖን’ዩ ዝግብኦ። ሽዑ ጥራሕ’ዩ ከአ እቲ ሐቀኛ ንህዝቢ ዘገልግል አገባብን፣ ንሃገር ዝጠቅም ውሕስነት ዘለዎ መንገዲን ሒዝና’ለና ክብሃል ዝከአል።

 

አብ መደምደምታ ጽሑፍቶይ ክብሎ ዝደሊ እንተልዩ፣ ንኽቡራት ተቓለስቲ ምሉእ ሂወቶም ግዜኦምን ከወፍዩ ዝወሰኑ፣ ናይ አ/ወንበርነት ቦታ ዝተክኤ ተጋዳላይ ወልደሱስ ዓማር፣ ናይ አቦ ወንበር ቤት ጽሕፈት ሐላፊ ዝተመዘዘ ተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፣ ናይ አህጉራዊ ቤት ጽሕፈት ሐላፍነት ዝተሰከመ ተጋዳላይ ተኽለ መለኪን፣ ነቲ ዝወሰድዎ ከቢድ ሃገራዊ ጾርን ሐላፍነትን ዘሸክም ስጉምቶም፣ ዝለዓለ አድናቖትናን ሞገስናን እንዳ አቕረብና፣ ንስድራ ቤቶም’ውን እንተኾነ ናይ ክብሪ ምስጋናና ነቕርበሎም። ነቲ ብሐባር ከነካይዶ ዝጸናሕና ሰፍ ዘይብል ጾር ሃገራዊ ቃልሲ፣ ከምቲ ልሙድ አብ ጎድንኹም ኰንና ብትሪን ብዝለዓለን ንያትን ክንቅጽሎ ኢና። ነቲ ካብ ግዜ ንእስነትና ብሐባር ዝጀመርናዮ ቅድም ናይ ነጻነት ጉዕዞ፣ ሕጂ ከአ ንስለ ናይ ሐርነት ደሞክራስያዊ ቃልሲ፣ ክሳብ ፍጹም ዓወቱ ዝጓናጸፍ ብሐባር ቆሪጽና ከም እንድምድሞ ንመባጻዓልኩም።

 

ነዚ አጋጣሚ ተጠቒመ ክህቦ ዝደሊ መተሐሳሰቢን ለበዋን እንተልዩ፣ እቲ ዝካየድ ሃገራዊ ቃልሲን እቲ ክረጋገጽ ተደልዩ ዘሎ ለውጢን ንመላእ ወዲ ሃገር ዝምልከት ስለዝኾነ፣ ኩሉ ከአ ተሳታፍነቱ መታን ከዕዝዝ፣ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ብትሕትና የመሐላልፈልኩም።

 

  1. እቲ አንጻር ገባቲን መላኽን ዘቕንዔ ቃልሲ፣ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝምልከትን፣ ካብ ዓቕሚ ናይ ሐደ ውድብ ንላዕሊ ዝሐትትን ስለዝኾነ፣ ቀዳማይ ዕማም ጽፉፍን ንጹርን ናይ ተቓወምቲ ሐይልታት ምጥርናፍ ክካየድ። ብሕጽር ዝበለ ደሞክራስያዊ ኪዳን ናብ ዝለዓለን ዝጸፈፈን፣ ዓውደ ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራ ንምቕያሩ ዝያዳ ዳህሳስ  አብ ምክያድ ተራኹም ከተዕዝዙ።  

  2. እቶም ዝመሳሰል ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎም ውድባት ናብ ሐደ ምስማርን፣ ምስቶም ዝተፈላለየ ፕሮግራም አለና ዝብሉ ከአ ተወሃሂድካ ዝኽየደሉ ጻዕርታት አብ ምብርታዕ እጃምኩም ክትጻወቱ።

  3. ተራ ውልቀ ሰባት አብ ግምት ብምእታው፣ ንዝህብዎ ሃናጺ ርእይቶ ጽን ምባልን፣ ግደታቶም ዝጻወትሉ አፍ ደገ አብ ምርሐው አገዳስነቱ ሪኢኹም ምስ ኩሉ መስኖታት ክትከፍቱ ይላቦ።

 

ንመላእ መራሕቲ ውድባት ተቓውሞ’ውን እንተኾነ፣ ዝመስለካ መተሐሳሰቢን መዘኻኸሪን ምሃብ አገዳሲ ኮይኑ ስለዝተሰመዓኒ፣ ነዚ አጋጣሚ ተጠቒመ እዚ ዝስዕብ ርእይቶይ ብትሕትና የቕርብ።

 

እቲ ንኤርትራ ሃገርኩም ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻእ ዝተሰለፍኩምሉ እዋን፣ ዓመታት ቆጺርካ፣ ንድሕሪት ተመሊስካ፣ ምስ ዝርኤ ውሑድ አይኮነን። ሽዑ ብሐቂ ለይለይ እትብሉ፣ ሐዊ ሐዊ ከአ እትሽትቱ መንእሰያ ኢኹም ኔርኩም። ምስ’ቲ ኩሉ ሰውራና ዝሐለፎ ናይ ውሽጢን ደገን መሪር ሐጐጽጎጻት ደሚርካ ክምዘን ከሎ’ውን ክሳብ ሕጂ ዘሕለፍኩሞ መዋእል አዝዩ መሪርን ብዙሕን’ዩ። አይተዓደልኩምን’ምበር ሎሚ ህዝብኹም ዝቐስነሉ፣ ንስኹም ዓደቦኹም አቲኹም ተዕርፍሉ ትኸብርሉ፣ መንእሰይ ብትምህርትን ተክኖሎጂን ተኾስኲሱ ዝዓብየሉ፣ ነጋዳይ ነጊዱ፣ ሐረስታይ ሐሪሱ መሬቱ ዘልመዓሉ፣ ኮታ’ስ ቅስንቲን ምዕብልትን ኤርትራ እትገሃደሉ እዋን’ዩ ክኸውን ዝግብኦ ኔሩ። ግን’ከ አይኮነን። ስለዘይኮነ ከአ ብርክኹም ከይዓጸፍኩም ነቲ ዝጀመርኩሞ መዓርፎኡ ክሳብ ዓወቱ ዝበጽሕ ንኽትቅጽልዎ ወሲንኩም። እወ እቲ ቀደም ፈለማ ዝነበረኩም ውዑይ ደም ናይ ጎበዝ መንእሰይ ድሌትን፣ እቲ ሕጂ ዘለኹሞ ደረጃ ዕድመን ተመኩሮ ብስለትን ብሐቂ ይፈላለ ኢዩ።

 

ብመልክዕ ሰዓት ይኹን መዓልቲ ምስ እንመዝኖ፣ እቶም ናይ ስሳታት ይኹን ናይ ሰብዓታት አብ ቃልሲ ዝተሰለፍና፣ ሎሚ ዕድሜና ክርኤ እንከሎ፣ ገሌና ፍርቂ መዓልቲ ወይ ከአ ሰዓት ሐደ፣ ገሌና ከአ ሰዓት አርባዕተ ወይ ከአ ሐሙሽተ አብ ምምሳይ ገጹ ኢና በጺሕና ዘለና። ሕጂ ናብ ስልጣንን ቦታን እነማዕድወሉን ሕድሕድና እንስሐሐበሉን እዋን’ውን ብፍጹም አይኮነን። ዋላ እንተደለና’ውን ንኸምኡ ዕድል ዝህብ መጋላበጢ ጊዜ የለን። ሎሚ ወዲ ሐምሳ ዘሎ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ዓመት ወሲኹ ሽማግለ ኢዩ። ዘገርም ዕድመ ወዲ ሰብ ከም ጽላሎት ሽውሽው ኢሉ ዝሐልፍ ብሐቂ ሐጺር’ዩ። ስለዚ ቀንዲ ናይዚ መድረኽ’ዚ ዕማምና፣ ነቶም ሕጂ ዝወግሖም ዘሎ ደቅናን አሕዋትናን፣ ዝረግጽዎ ውሕስነት ዘለዎ መሰጋገሪ ድልድል ሰሪሕናሎም ምሕላፍን ምስጋርን ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። ሕጂ አብ ቅድሜኹም ዘሎ ምርጫ ወይ አዕናዊ ታሪኽ ሰሪሕካ ብኹፍእካ ንዘለአለም ምንባር፣ ወይ ከአ ዘደንቕ ሃናጺ ታሪኽ ሰሪሕካ ብመጻኢ ወሎዶታት እንዳኸበርካን እንዳተወደስካን ንዘለአለም ዘዘክር ሐወልቲ ትካል መስሪትካ ምሕላፍ ኢዩ።

ናይ ርእይቶ ሐሳብን ፍልልይ ክህሉ ግድነት’ዩ መድሃኒቱ ግን፣ ምጥቕቓዕ ዘይኮነስ ሕድሕድ ጽን ኢልካ ምድምማጽን፣ ተጸዋዊርካ ብምክእአል ፍታሕ ምርካብን ኢዩ። ስለዚ ነዚ አተሐሳስባ’ዚ ሒዝኩም ዓደቦኹም ከተድሕኑ፣ ዝተረፈ መዋእልኩም’ውን መታን ክትቀስኑ መጸዋዕታ ይቐርበልኩም አሎ። ልዕሊ ኩሉ ግን በቲ ዘበርከትኩሞ ምሉእ መዋእል ሂወትኩም ክብሪን ሞገስን ይብጻሕኩም።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com