|
||
|
አንታ ወዲ ኩሎም … ጀጋኑ ኤርትራ ልዋም ይግበረልካ … ዝኸድካዮ ስፍራ ካብ ብጻይካ ተስፋይ ተኽለ ጭልቅዕ ንእስነቱ … ቃልሱ ዝጀመረ ተማሃራይ ወዲቡ … ህዝቡ ዘበራበረ ሐርበኛ ተጋዳላይ … ስዩም ወዲ ኤረ ጻማኡ ከይርኤ’ስ … ከደ’ዶ ተቐብረ። አንጻር መግዛእቲ … ቆሪጹ ዝተላዕለ ብሰንሰለት መቑሕ … ፍጹም ዘይተዳህለ ኹሉ ዝለዓቱ … ተግባሩ ወሐለ ስዩም’ስ ብሐቂ ድዩ … ስዉእ እተባህለ? ኤርትራዊ ስሚዒት … ልቡ ተአጒዱ ብጭቆና ህዝቡ … ነዲሩ ነዲዱ ነጻ ሐራ ከውጽኦ … ዝሐዞ መንገዱ መፈጸምታ አብጺሑ … ከይተመልሳ ዓዱ ስዩም’ስ ይብሃል … ንዘለአለም ከይዱ? እቲ ተሪር ቃልካ … ዝብል ህዝብና ሐንትን ስምርትን… ደሞክራስያዊት ኤርትራና ደጋጊምካ እትብሎ … ዘማዕደናዮ አንጊህና መንገዲ ሐርነት’ወ … ናይ ነጻነት ጐደና ተስፋ ንያት ዝህብ … እቲ ድምጺ ጅግና ስጋኻ እንተኸደ … አርሒቑ ካባና ቃልካ ግን አሎ … ዘለአለም አብ መንጎና። ዓቢ እምባ ኔርካ’ወ … ድፋዕ መጸግዒ መድፍዕ ዝስቀሎ … ጸላእቲ መጥቅዒ ስምብራትካ ተሪር … ሐያል ጸፍዒ ሞያኻ አይውዳእን … ተጻሒፉ ብርዒ ተጠራጢረ’ምበር … እዛ ሞትካ’ስ እንድዒ። ንሱ ሐደ … ስርሑ ክንዲ ሽሕ ዝአምነሉ ዝብል … ደፋር በሊሕ ዘይዕገት ወንጪፉ … አብ ኩሉ ዝበጽሕ ንሃገር ከብርህ … ከም ሽምዓ ዝመክኽ ሞት’ዶ ጸውዓትካ … ዝሐለፉ ክትበጽሕ ሞት ጨካን’ወ … ሞት ዘይተመክሕ። አንታ ወዲ ዓዋተ… ወዲ ከቢረ ወዲ ራስ ተሰማ … ባህታ ባጥመረ ወዲ ኢብራሂ ሱልጣን …ሐያል ብዓል ስረ ወዲ አጅማት በርሀ … ተባዕ ዝተረረ ወዲ ናስር በ … ህዝቡ ዝጠመረ ናብ ነጻነት ገጹ … ቃልሲ ዘሳገረ ኬድካ’ዶ በጺሑ … ናባኻ ቲ’መብረ።
ወዲ ደጊያት ሐሰን … ሐጂ ኢማም ሙሳ ከብዱ ዘይሽበር … ሐላው ህዝቡ ጓሳ ወዲ ዝማች ካሕሱ … ፊተውራሪ ወልደስላሰ ነጻነት ምስ በለ … ድሕሪት ዘይተመልሰ ወዲ ደግያት ወልደገርግስ … ደግያት ስብሃቱ ንሐንቲ ኤርትራ’ወ … አንጊሆም ዝኸተቱ እንታይ ድአ … ወደረደካ ንምሸቱ ዘንጊ ፍትሒ ሒዝካ … ዓድኻ ዘይትአቱ ህዝቢ ስልጣኑ ክርከብ … ክለቁ’ቶም ሸፋቱ። አንታ ወዲ መላእ … ጀጋኑ ኤርትራ እስላሞም ክስታኖም … ኩሎም ብሐበራ ደቂ ቖላ ደጋ … መሬታ ምስ ባሕራ ብዝፈጸምካዮ … ናይ ቃልስኻ ተራ አመስጊኖም ይፋነዉኻለ’ዉ … ዝኸድካዮ ስፍራ። እንታይ ኮን … ይብሉ’ለዉ እቶም ባራዩ አሳፍሑ … እንተበልካዮም ዝኹርመዩ ሐራ ኩኑ … እንተበልካዮም ኰርዮም ዝጉህዩ ዓዶም ክዝመት … ዝመስሎም ዘጥረዩ ብሐደ ውልቀ ሰብ … ከም ላም ዝጓሰዩ ዓገብ ክንዲ ዝብሉ … ንኹሉ ሐቁ ኢዩ ሽግ ቃልሲ ዝወልዔ … ዓዲ ጓና ተደብዩ አይተርፍን ዓደቦኡ … ብኽብሪ ክመጽእ’ዩ።
|
||
|
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|