Nharnet Articles/Opinions

     

                    ድሓን ኩን ስዩም

ዋይ ዋይ ዋይ!  ዋይ ኣባይካ ስዩም! ዋይ ኣባይካ ዓይኖም! ኣንታ እንታይ ወርኡ ኢዩ’ዚ! ኣንታ እንታይ እየ ዝሰሞዕ ዘሎኩ! እንታ ክንደይከ ዝኽፍእ ክንደይከ ዝጭክን ወረ እዩ’ዚ፡፡

ብሓቂ ድዩ ስዩም ዑቕባሚካኤል ሞይቱ! ብሓቂ ድዩ ኣብ ጉድጓድ` ሰፊሩ ስዩም? ኣኺሉካ ድዩ ሓመድ ጸቂጡኻ! ኣኺሉካ  ድዩ ኬድካ? ዋይ  ቅርሱስ ሕዝቢ! ዘይኮነሉ ዘይወግሓሉ ሕዝቢ!

ዋይ ስዩም! ዋይ ስዩም! ዋይ! ዋይ! ዋይ! ምእንቲ ክብሪ ኤርትራውያን፡ ምእንቲ መሰል ኤርትራውያን፡ ምእንቲ መንነት ኤርትራውያን፡ ምእንቲ ሃገር ኤርትራ፡ ፍጥር ብቁል ክትብል ኮርበብ ምስበልካ ክሳብ’ዛ ትማሊ ትንፋስካ ትሓልፍ ደኺመ ረብሪበ ቀቢጻ ከይበልካ ወትሩ ብሓናንን ናን ርሱንን ዘይዕጸፍ ናይ ቃልሲ ወንን ዓወቱ ዘይተርፍ ርእዩን ልልሉይን ተስፋ ባህግን ተጻዒንካ ኣብዝተረረን ዝጸንከረን ቦታን ጊዜን ብድሆ ክትብል ጸኒሕካ፡

ንእናሰምዑ ዝጸመሙ ንኣእዛኖም ዘስምዕን ንልቦም ዝትንክንፍን ንኣእምሮኦም ድማ ፍልጠትን ልቦናን ርግኣትን ክትልግስ ጸኒሕካ፡ ንእናረኣዩ ዝዓወሩ ዝጸልመቶም ድማ  ኣንታ ብርሃን እንድዩ ዘሎ እንተረኣኩምዶ ኣይሕሽኩምን ኣንታ፡ ኣታ ኣጆኩም እንዶታ ክሳብ እንታይ ዝከውንዩ’ታ ክትብል ጸኒሕካ፡ ንብፍርሒ ተዋሒጦም ወላ ጌጋ እናሰምዑን እናረኣዩን ኣብ ክንዲ ኣይፋልካን ኣብ ክንዲ ጌጋ’ዩ ኣብ ክንዲ ግፍዒ’ዩ ዝብሉ እወ ሓቅኻ ዝብሉ ድማ፡ ከይተሓለልካ ትብዓትን ሓቅን ጽንዓትን ክትንስንሰሎም ጸኒሕካ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለዉ ይኹን ኣብ ስደት ዝርከቡ ብዱላትን ርጉጻትን ፍትሒ ዝተቀብሮም ኤርትራውን ዜጋታት ድማ ኣጆኹም ክወግሕ እዩ እናበልካ ክተጸናንዕን ንሃሰይቶምን ጨፍለቕቶምን ከኣ ዓገብ ክትብልን ጸኒሕካ፡ ነቶም ሓቅን ርትዕን ሓልዮትን ክብርን ሓላፍነትን ልቦናን ፍልጠትን ትብዓትን ኒሕን ተሰንዮም ናብታ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዝተሰረተት ብሞራልን ብሕልናን ዝተሃንጸት ብዲሞክራሲን ብማዕርነትን ዝተሸለመት ግርማዊት ናይ ኣበው ከተማ ዚምርሹ ዘለው ምእንቲ መሰሎምን ድሕነት ሕዝቦምን ኣስናኖም ሓርቀምቀም ከብሉ ዝጸንሑን ዘለውን ባሃራት ድማ ኣዳራሽ ኮንካ ክተጽልለምን ዋልታን ጭማራን ኮንካ ክትጻባኣሎምን ሓሕ ክትብለሎምን ዘኒሕካ፡፡ ሕጂ ግን ኩሉ ተወዲኡ፡ ኩሉ ተወዲኡ ስዮም!

 እቲ ካብ ሕሉም ናብ ሕሉም ዝዘልልን መቓልሑ ምድረ ሰማይ ዘንቀጥቅጥን ዘጨንቕን  ነጎድጓድ ድህይካ ተዓጊሱ፡፡ እታ በብዓይነቱ ቛንቋታት ንምዝራብ ተሸጊራ ዘይትፈልጥ ለፍሊፋ መጉታ ደኺማ ኣላሽ ዘይትፈልጥ መላጸ መልሕስካ ለኺታ። እታ ብርዒ ምስዓተረት ንምሕንጣጥን ምጽሓፍን ተህኪያ ዘትፈልጥ ኢድካ ተተርኢስካ ኣዕቢኻ ደቂስካ። እተን ጉየይቲ ኣእጋርካ ተጋዲመን፡ ኦሮማይ! ኣሮማይ! ኦሮማይ! ኦሮማይ ተወዲኡ! ኩሉ ተወዲኡ ስዪም! ኣይትርኢ ኣይትሰምዕ ኮንካ ተጋዲምካ፡፡ ኣባይካ ይጋደም ስዩማይ ወዲቕካ ኣብ መሬት ሰፊርካ ኣኺሉካ ዓይኖም ኣብይካ ይሙት። ኣብይካ  ጻሕ  ይበል ሓይሎም! ኣኺሉ ተወዲኡ ጉዕዞ ናይ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ማዕበላዊ ጉዕዞ ኣብቂዑ።

ስዩ-ም ስዩ-ም ስዩ-ም ብዛዕባ ምማት እንተኮንካ ዝተፈጥረ ዘበለ  ብዘይካ ፈጣሪ ኩሉ እዩ ዝመውት። እንተኮነ ግን ናትካ ፍልይ ዝበለ ስለዝኾነ ካዕበት(ድርብ) ሓዘን እዩ፡፡

ኣነ ዝመስለንን ሃረር ዝብሎ ዝነበርኩን ጨካን እዋን ሓልፉስ ናብታ ተወሊድካ ዝዓበኻላ፡ ተኣሲርካ ተመቂሕካ ተጸፊዕካ ተቀጥቂጥካ ተኸትኪትካ ተጨፍጪፍካ ዝነባዕካላን ዝተኾርመኻላን ኣብ እስሪ ቤት ዝበለኻላን ንሕልፈት ዝተፈረድካልን ሃገርካ ተመሊስካ እንተኾነ ብሕጊ ተወዳዲርካ ፕረሲደንት ስዩም ክትብሃልን ገደብካ ምስኣኸለ  ከኣ ካብ ስልጣን ወሪድካ ናይ ኤርትራ ማንዴላ ክትከውንን እንተዘይኮነ ከኣ ብዝውሓደ እታ ክቡርን ሕፉርን ሕዝብኻ ምሩጻት ደቁ ዝኸፈለላ ሕልቡን ንጹፍን  ዝርካቡ ዘወፈየላ ናይ ድኻምን ጻዕርን ናይ ክብርን ሪምን ዓዲ  ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ጽጋብን ዓሲሉዋ  ክትራኢ እዩ ኔሩ። እንተኮነ ግን ኣይኮነልና፡፡ ኣይኮአልናን ዕድል ኣይገበርናን ስዩም! ምኽንያቱ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ(ሞርዛን ኤቨር) ንስኻ እትድለየሉ እዋን እዩ ኔሩ። ንስኻ ግን ብሃንደበት ድሓን ኩኑ ኢልካና            

ስዩም እቲ ሰዓት እኺሉ ካብ ገደፍካና ካብ ዖረፍካ ሰናይ ጉዕዞ ይግበረልካ መንግስተ-ሰማይ ከኣ የዋርስካ፡፡

እዚ ናይ ሎሚ ናይ ሓዘን መልእኽተይ ናባኻ ናብ ስዩም ዘመሓላልፎ ከሎኹ ድማ  ኣብ ምዕጻዉ እዚ ዚስዕብ እውን ኣብ ታሪኽ ከስፍሮ ቅኑዕን ኣድላይን ኮይኑ እስምዓኒ።

ሓደ ነገር ክነግረካ ስዩም ክንዳኻ ክንዲ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተሃላለክ ክንዳካ ወይ ከማኻ  ተሪር ዘይዕጸፍ ክንዳኻ ዝውፈ ክንዳኻ ዝምህር ምሳኻ ክዳረግ ዝኽእል ከምዘይለ ዘይከሓድ እኳ እንተኮነ እዚ ዝስዕብ ግን ከረጋግጸልካ ባህ ይብለኒ፡፡

 እቲ ኣንጊህኩም ንስኻን ሃብሮማት  ጀጋኑ ኤርትራውያንን ዝሃንደስኩሞ ቅዱስ ዕላማ ኣብ መፈጸምታኡ ክነብጽሖ ክንዛዝሞ ምዃና፡ ነቶም ናብ ልዑል ፈጣሪ ፍግም ኢሎም ዝሰግዱ ኣቦታትካ በቶም ብሕግን ስርዓትን ዝዳነዩ በቶም ሓቂ ተዛሪብካ ኣብ መንገዲ ባቡር ደቅስ ዝብሉ፡ በቶም ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ፡ ዝብሉ ረዘንቲ ወረጃታት ኣቦታትካ ይምሕለልካ፡፡

ኣብ ምሉእ ሕይወተይ ከም’ዚ ሞት እዚ ዘሰንበደኒ ከም’ዚ ሞት’ዚ ዘሕዘነኒ ጌና ድቃስ ከሊኡኒ ዘሎን ከቶ ኣይተጋጠመንን። እንተኾነ ግን በኽየን ለፍሊፈን ናብ ዝበጽሖ ስለ ዘይብለይ ድሓን ኩን እናበልኩ ክሳበነተካ ዓይኖም። ድሓን ሕደር። ድሓን ወዓል። ድሓን ኩን ሓይሎም፡፡

 

ተወልደ ባህታ 

       


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com