|
||
|
|
||
|
ምስጋና ሓርበኛ ኣቶ ተኸስተ ብርሃነ ተኩሉ ብሕማም ምክንያት ኣብ መበል 83 ዓመቶም ብዕለት 6-21-06 ዓ.ም.ፈ ዓሪፎም ኣብ ዓዶም ኦኦ ወረዳ ትምዛኣ ዞባ ደቡብ ብዕለት 6-24-06 ከኣ ተቀብሮም ኣቶ ተከስተ ብርሃነ ኣቡኡ ንክንፈ ተከስተ ተቀማጣይ ሳንታሮ ካሊፎርኒ እዮም። ኣቦይ ተኸስተ ብዕለት 1-26-1923 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዓዶም ኦኦ ወረዳ ትምዛኣ ካብ ኣብኦም ኣቶ ብርሃነ ተኩሉን ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ለተማሪያም ተስፉን ተወሊዶም። ዕድሚኦም 17 ዓመት ምስ በጽሑ ዘክታማት የሕዋቶም መታን ከዕብዩ ምስ ወ/ሮ ደመት ሃብተስሉስ ቃልኪዳን ኣሰሩ። ነሶም ዝስዕብ ደቆም ኢትዮጵያ ፣ ክንፈ፣ ተፈሪ ፣ ሓረጉ ፣ ጅራ ፡ ትርሓስ ወለዱ። ኣቦይ ተኸስተ 33 ደቂ ደቖምን 6 ደቂ ደቂ ደቖምን ሓድጊ ሓዲጎም ኢዮም ሓሊፎም። ኣቶ ተከስተ ብርሃነ ኣብ ሃገሮም ዝነበርም ፍቅሪን ተገዳስነትን ብንግሓኡ ልዑል ሰለ ዝነበረ ንእስነቶም ኤርትራ ንኤርትራዊያን ዝብል መርሆ ስለ ዝወገኑ። ብኢትዮጵያን ብኢትዮጵያ ዝተላእኩም ክህደኑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ብምንቃል ብገንዘቦም ብረት ብምግዛእ ኣብ ጎኒ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ደው ብምባል ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቶ። ኣቶ ተኸስተ ኣብ ወረዳ ትምዛኣ ኣዝዮም ክቡርን ፍትውን ምንባሮም ብፈተውቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ብጸላእቶም እውን ዝንገረሎም ሓቂ እዩ። ሓርበኛ ኣቦና ተኸስተ ውፉይን ፈቃርን ሰብ ምባሮም ጥራሕ ዘይኾነስ ሰነን ጽላል ሃገር ምንባሮም ይንገርሎም። ሓደ ካብቲ ተወፋይነቶምን ልዑል ኣበርትቶምን ንምጥቃስ 1976-1981 ሓላፊ መልሻ ብምዃን ክሳብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሃገር ሱዳን እትኣቱ ሃገርዊ ግዴትኦም ፈጽሞም እዮም። ኣብ ሱዳን 5 ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ትውልዲ ዓዶም ተመለሶም ይነብሩ ነበሩ። ካብቲ ልዑል ሃገርዊ ፍቕርን ምብጋስ ኣብ ሓደ ግዜ ወታደራዊ ስልጥና ክወስዱ ምስ ገለ ብጾቶም ንባርካ ክወርዱ ተሓተቱ ኮይኑ ግን መርዓ ወዶም ሓደ ሰሙን ተሪፍዎ ስለ ዝነበረ ፈተውቶም ኣሕዋቶምን መርዓ ዊዒሎም ክኸዱ ለመንዎ። ኣቦይ ተኸስተ ግን ካብ መርዓ ወዶም ዋኒን ሃገርሮም ስለ ዝዓብዮም ኣበባ ወላዶም ገዲፎም ንባርካ ወረዱ። ኣብ ባርካ ምስ ወረዱ ታሪክ ኤርትራዊያን ናይ ኣፍ ታሪኽ ኮይኑ ከይተርፍ ንተጋደልቲ ዝፈልጥዎ ታሪክ ክስንዱ ተወከስዎም። እቲ ዝፈልጥዎ ታርኽ ከኣ ጸወዩ። ስለዚ ኸኣ ሰነድ ኤርትራ ምንባሮም ይዝንተወሎም። ሓርበኛ ኣቦና ተከስተ መንግስተሰማይ የዋርሶም።
ኩሎም ይሕዋቶም ኣሕቶም ወዶም ኣቶ ክንፈ ተከስተ ምስ ሙሉኣት ስድራቤቱን ኣሓቱን ኣሕዋቱን ማለት ኣብ ወጻእን ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ብምልኦም እቶም።
ኩሉኹም ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገር ትርከቡ ብኣካልን ኮነ ብቴሌፎን ዘጻናናዕኩምና ሕሰም ኣይትርከብ ። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|