Nharnet Articles/Opinions

     

        

ይኣክል ነብስና ምዕሻው

 

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ህዝቢ ወይ ከም ሓደ ዜጋ ብዓለምለኸ ሕጊ ካብ እትቐውም ድሮ ልዕሊ 100 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ።

ኣብዚ ልዕሊ ሓደ ዘመን ብዝተፈላለዩ ባዒዳውያን ገዛእቲ እንዳተጨኮንካን መሪር ዝኾነ መዋእል ከም ዘሕለፍካን ንማንም ዘይስወሮ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ልዕሊ ሂወትካ ዝመጸካ ካልእነገር ስለዘይነበረ ስለዘየለ ማለት ጃምላዊ ቅትለት ዓድታት ምንዳድ ጥሪት ምጽናት ፣ስደት ጥምየት መከራ ኩሉ እቲ ኣሎ ዝበሃል ክፉእ ኣብ ዓለም ምስ ወረደካ፡ ነዚ መፈጠርካ ዘጽልእ መግዛእቲ ንምምካት፡ እቶም ካብ ኣምዑትካ ዝወጹ ጀጋኑ ደቅኻ ካብ ምዉቕ ገዝኦም ወጺኦም በረኻ ክሰፍሩ ተገደዱ፡ ካልእ ኣማራጺ እውን ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር እቲ ዝተመስረተ ሰውራ ኣበጋግስኡ ቁኑዕ እኳ እንተነበረ እቲ ዝበዝሕ ህዝብን ተጋዳላይን'ውን ብቁኑዕ ልቢ ተቐቢልዎ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ግን መንሽሮ ኣጥረየ፡ እዚ ማለት ክኣ እቲ ዝበዝሕ ተጋዳላይ ንህዝቡ ካብ መግዛእቲ ከናግፎ ሂወቱ ንሃገሩ እንዳኸፈለ እንከሎ፡ ውሑዳት ተበለጽቲ ግን ንጥቕሚ ነብሶምን ንናይ መጻኢ ስልጣኖም ዘጣትህሉን መንገዲ ምጥጣሕ እንተዘይኮይኑ ኣላ ሓንቲ ደቒቕውን ትኹን ንጠቕሚ ህዝቢ ሓሲቦምን ሓሊሞምን ኣይፈልጡን እዮም እዞም ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ነቲ ገርሂ ልቡ ተጋዳላይ መሳልል ጌሮም ብድሕሪት ኮይኖም ኣጆኻ ጅግና እንዳበሉ ንሰብ ኣብሓዊ እንዳጠበሱ ንነብሶም ኣብ ስልጣን ደዪቦም ንሕና ተወከልቲ ህዝቢ ኢና፣ ተወከልቲ ክርስቲያንን ከበሳን ኢና ኢንዳበሉ ንትሑት ንቕሓቱ መዝሚዞም ህዝቢ ብምድንጋር ኣብ ረብሕኦም እንዳውዓሉ፣ ደቁ ብሓይሊ መንዚዖም እንዳወሰዱን ነቲ ብቕኑዕ ዝተበገሰ ሰውራ በታቲኖም ኣብ ረብሓ ስልጣኖም ኣውዓልዎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ንተንኮላቶም ኣለሊዮም ክቃወሙ ዝጀመሩ ቅኑዓት ተቃለስቲ ዘዝደለይዎ ሽም እንዳኣተመቑ፡ ከምኡ'ውን ጸረ ሰውራ እዮም እንዳበሉ ከም በጊዕ ኣውዳመት ከም  ድልየቶም የጥፍእዎም ከም ዝነበሩ ናይ ትማሊ ሓቀኛ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነስ ደሞም ዘይነቐጸ ዝሎ እዩ። ገበናቶም ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ጺሒፍካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ገበናቶም ገዲፈ ቀንዲ ከምኡ መግበሪኦም ምኽኒያት ግን ዝነቕሐን ሓቀኛን ሰብ ህላዌኦምን ዕላመኦምን ንኸየረጋግጹ ክምክቶምን፡ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ድልየቶም ከምክኖ ከምዝኽእልን ስለዝተረድኡ ብኣግኡ ምእላይ ንዕዖም ዓቢ ረብሓ ስለዝነበረ  እዩ፡ ውጽኢት ናይ' እዩ ኸኣ ሕጂ ሃገርና ኣብ ኢድ ዉሑዳት ተዃሉ ወዲቓ እትርከብ ዘላ።

ድሕሪ ሓርነታዊ ውግኣት ምዝዛሙ'ውን ክገብርዎ ዝግብኦምን ዝጽበዮምን ካልእ እንከሎ፡ ስብ ኣመልን ሰብ ውልቓዊ ዕላማን ስለ ዝኾኑ ንህዝቢ ኣንፈቱ ቐዪርካ ንዘልኣለም ስልጣን ምግባት ዝብል ዕላማ ብምሓዝ ምስ ጎረባብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ ምንኻስ፣ ንነቒሑ መሰሉ ክሕትት ዝግበኦ መንእሰይ ኣብ ኣጻምእን በረኻን ደርቢኻ መሬት ኩዓትኩ ጽርጊያ ጸረግኩ እንዳበልካ ለይትን መዓልትን ምፍካር፣ ዝበዝሕ ህዝቢ ብሕማምን፣ ጥምየትን ማእሰርትን እንዳተሳቐየ ብዓቢኡ'ውን ዝመሓደረሉ ሕጊ ሲኢኑ እንከሎ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ይበሃል ኣሎ እንዳበልካ ነዚ የዋህ ልቡ ምድንጋር' ኣይኮነን ? ህዝቢ ዝደልዮ መሰል ንሳቶም ዝገብርዎ ካልእ። ድልየት መንእሰያት ከከም ሞየኦም ተማሂሮምን ሰልጢኖምን ከም ዝደልይዎ ናጽነት ነብሶም ወኒኖም ክንቀሳቐሱን ከም ካልእ መንእሰያት  ዓለም ግዲኦም ከበርክቱን እዩ፡ እዚ ስለዝሓረሞም ከኣ መዓልቲ መዓልቲ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ንነብሶም ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ጠላዕ ኣውዲቖም ንጎረባብቲ ሃገራት  ከም ፈለግ ዝውሕዙ ዘለዉ።

እሞ እዚ ካብኮነ ዕጫ ህዝብናን መንእሰያትናን፡ እቶም ነዚ ተግባራት' ኣጸቢቕና እንፈልጦን እንርድኦን ዝበዛሕና ህዝቢ ኤርትራ  እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና ? እስከ ነዞም ናይ ሎሚ ተጠቀምቲ ናይ ጽባሕ ተጣዓስቲ ዉሑዳት ናይ ውልቀ ረብሓ ዘጥቅዖም ጥራሕ ዘይኮነስ እዚ ስርዓት ከም መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዋሩ ዝነብር ዝመስሎም ተበለጽቲ ብሂወት መንእሰያት ዝትልዑ ሰዓብቲ ህግዲፍ ገዲፍና፡ እቶም ካብዚ ሓጢያት' ኣምሊጥናኣብ ስደት እንነብር ዘለና ነንሕድሕድና ተቓሪብና ብጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኢህን ሚሂን ዘይንብለሉ እንታይ ስለ ዘፍርሓና እዩ ? ፍልልያትና ክንውግድ ዘይምፍታና' እንታዩ እቲ ሽግር ? ንምንታይ' ተጠራጠርቲ ኣብ ዕላማ ህዝብና እንኸውን ? እታ ነብሰ ተኣማንነት እትብሃልከ ኣበይ ኣላ ? ወይስ ንሕና'ውን ከምቲ ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ ከም ዝበሃል ክሳብ ዝደልወና ጥራሕ ዲና ሆሆ ንብል ዘሎና ? ንምንታይከ ነዚ ፍሹል ዝኾነ ፕላን ናይ ህግዲፍ ከነቃልዕን ንህዝቢ ከነረድእን ዘይንፍትን ? ህግዲፍ ዕላምኡ ንህዝቢ ብዓሌት፣ ኣውራጃ፣ ቀቢላ፣ ሃይማኖት በታቲንካ ጽባሕ ንሱ ዝዝከረሉ ማለት ንሱ ምሓሸና ዝበሃለሉ ኩነታት ንምፍጣር ህርድግ ይብል ከምዘሎ ዝተሰወሮ ሰብ ኣሎ ድዩ? ካብ ስርዓት ህግዲፍ ዝሓስም ዝኾነ ይኹን ስርዓት ከም ዘይነበረን ከም ዘየለን ካብ ፈለጥና ግን፡ ዝሓሸ መጻኢ ብቓልስና ንምርግጋጽ ስለምንታይ ብሓባር ዘይንብገስ? ህግዲፍ ክነብር' ዝብል ሰብ እንተዳኣሃሊዩ ግን ብቐትሪ ዝሓልም ጥራይ ዘይኮነስ ብቐትሩ ዝጸልመቶ'ውን እዩ።

 

ስለዚ ህዝብና ይኹን መንእሰያትና ነዚ ሂወት ዘይብሉ ከም ምስሊሰብ ዝዓይነቱ ስርዓት እሞ ብቡሉጻት ጀጋኑ ዝተፈጸመ ጅግንነት ከም ናቱ ወኒኑ ዝዛረብ ዘይኮነስ ነቶም ኣብዚ ደረጃ' ዘብጽሕዎን ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉን ዝጠለመ ከዳዕ ስርዓት ብህጂ መሰልን ሕግን ኣውጺኡ ሃገር ከጥዕ' ዝብል እንተሎ ኣብ ማይ ዘይብሉ ዲጋ ዝሕንብስ።

ስለዚ ነብስና ኣይነዔሹን ግዜና ብኸንቱ ኣይንቕተልን ጥራይ እየ ዝብል።

 

ክብሪ ንኹሎም ብልቦም ንህዝቢ ኤርትራ ክብሉ ሂወቶም ዘሕለፉ ጀጋኑ፥፥

 

ባህልቢ ክፍሉ

ካብ ጀርመን   


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com