|
||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
|
ጋንታና ካብ ሓይሊ 372
ቅድሚኹሉ ሰራዊት ሓርነት ኤሪትራ ኣብ ነንሕድሕዱ ከወዳድሮ ዘይምዃነይ ክሕብር ደስ እብለኒ። ካብኡ ናብኡ ድማ ሰለስቲዬን ጋንታት ሓይሊ 372 ይኹን ጸኒሓ ቦጦሎኒ 107 ካብ ካልኦት ሓይልታት ሰራዊት ሓርነት ፍልይ ዝበለ ፍጻሜ ኣሊዋ ብማለት ከብርህ ኢለ ከምዘይኮንኩ አተምብህ። ብዝተረፈ ዝነበርኩዋ ጋንታና ኣብዝኾነ ህሞት ልክዕ ከም ሓንቲ ልልየቲ ስድራቤት ፍቁራትን ጡሙራት ስለዝነብርናን ክናፈቅ ባህሪያዊ ስለዝኾነን ከምኡ እውን ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ህዝብና ተፈላሊዩን ተናዓዒቁን ክኸይድ ብምርኣየይ ንምዝካር ዝኣክል በቲ ድኹም ዓቕመይ እንከይተገበዝጉ እጽሕፍ።
ህዝብና ምስመረሮ መግዛእትነት ሕሱም ጭኮና መግፋዕቲ ባርነት ገሊኡ ክስደድ ገሊኡ ክኣ ክምክት እዝከሮ ኣነስ ዝነበረ ብሰብዓታት። ኣየ ጎኒ! ጎኒ እቲ ተባዕ ኤርትራዊ ንናጽነት ክብል ዝጥበስ ናብ ሓዊ ሓያል’ዩ ብኡነት ንህዝቡ መርሃዊ። ኣገናዕ ኮርዒዳ! ውፉይ ሓለንጋይ ስዩም ከተብሎ ጸላኢና መንደላይ ዝሰጎምካ ንሜዳ ብፍትወካ ጎበዛይ ብዘይጥልዕምልዕ ዝስዓበት’ውን ሓብተይ እምዝግቦ እነኹ ኣብ ታሪኻዊ ማህደረይ። ከም መንእሰይ ንእስነተይ ከሕልፍ እንከይበልኩም ብፍቅሪ ስድራ መታዕቢቲ ከይተደናፈቀ ልብኹም ኣዬ’ወ ኣናብስ ብጣዕሳ ንድሕሪት እንከይጠመትኩም ኣብ ዓወት የራኽበና ብምባል ንሜድ ኣካ ሰጎምኩም። እወ፡ ንዝተመነኹማ ሃገራዊ ናጽነት ንስለ ህዝብኹም ሰብኣዊ ሓርነት ነቀወት ዝናርኩም ብሓቦ ጅግንነት። ኣዬ ጽንዓት! ኣዬ ትብዓት! ኣዬ ጅግንነት! ኣዬ ውፉይነት! ኣዬ ሓሊዮት! ኣዬ ብጻይነት! እዚኹሉ ኣኩብ ድምር ንሃገራዊ ነጻነት እወ’ታ ንምምሓው ትርኩስ ባርነት። ቀዳመይቲ ጋንታ ማሕዙታ 2፡ይትን 3፡ይትን ሓይሊና ሰለስተሚእትን ሰብዓን ክልተን *372* ጸኒሓ ዝኾነት ቦጦሎኒ ሚኢትን ሸውዓተን *107* ዕርዳ ጽዓዘጋ ሃዘጋ ዓዲቖንጺ ደምበዛን ዓዲገብሩ ዓዲያዕቆብ ዓዲተኽላይ ሽፍን ምስሓ ዓ/ሽማግለ ድራራ ዓ/ሰጉዶ ጻ/ክሪስቲያን ቸንቶ ሰተ ኩምራ ጸላኢ ፈጺሙ ኣየርዓዳን። ወዲጋንታይ ትዝክሮዶ ጸላኢ መሲሉዎ ዝወደቀ ሞራልና ዘራፍ- ዘራፍ እናበለ ከጉርዕ ክብገስ ካብታ ዋና ከተማና ዎይከ ምነቕ! ካብ ዓዲቆንጺ ሃዘጋ ጽዓዘጋ ድፋዓትና ደምበዛን መስኪሮምስ በሉና ኣገናዕ እዞም ኣናብስ ደቅና።
ኣካ ሽዑ ጸላኢ ዝነበሮ ግምቱ ኣባና ቀሸም ዝቅርሰም ምናት ቅልጽምና ዝበሰለ ስፓጌቲ ዚልወ ሰለፍ ዳንጋና ደርጓዕጓዕ በሉ ካብ ኣስመራ ከተማና። ዘሎዎም ሓይሊ ፈቲኖም ፈታቲኖም ሳልስቲ ራብዕቲ ሕልል ምስበሎም ንድሕሪት ሃደሙ መሕቢኢ ደሊዮም። ትዝክሮዶ ኸ መቀርካ ዓደኮሎም ዓሪድና ደቂዘርኡ ገሽናሽም ብሰንሰለት ኣሲርና ተሸቑሪሩ ጸላኢ መዳፍዕ ክፍንዎ ቅድሜና ኣነስ እምብለይ ኣይርስዖን ፍናን ስውኣትና። እስከበል ሕራይ ትዝክሮዶ ህ.ግ ዕርዶም ዝነበረ ኳቶርድቺ ዘዳለውዎ ፍሒሮም ንግደት ወኪ ክኸዱ ንዑኡ ገዲፎም ጸላኢ ፈሊጡ ክኣተዎ ክኸውን ጥምጥም። ካብ ዓዲቢደል ዑናላይ ጣዕረሺ ብጉያ ነቂልና ብዓመጺ ሶሊኽና ከይተሰምዔ እግሪ ጉዕዞና ቂያ ክንሰርሕ ክድሕኑ ሃገራዊያን ብጾትና ህዝቢ ዓመጺ ይምስክሮ ብዘይ ተጽዕና ካባና። ትዝክሮዶ ሰብዓን ሸውዓተን መብዛሕትአን ከተማታትና ብጽንዓት ቃልስና መንዚዕና ነጻ ክንገብሮ ነባሪ ህዝብና ጸላኢ ብዚጠፈሸ ሓይሉ ክፍትን ክመልስ ካብ ኢድና። እወ ኣነስ እዝክሮ ሰላዕዳዕሮ ዓዲጎምበሎ ካብ ሃዘጋ ጸዓዘጋ ምስተባህለና ንቕሎ ሽከቲ ኣተና ጸላኢና ክሕርብቶ ክዕሎ ወግሐት መሬት ኮነኽኣ ኣርኪብካ በሎብሎ። ጸላኢ ክሃድም ንዓዲጓዕዳድ ሰንብልና ክንቁሽምጥ ኣኣርኪብና ንንብህጋ ነጻነትና ህ.ግ ኣተዉ ክውስዱ ዝማረኽናዮ ንብረትና ንድሕሪት ተገደድና ብትእዛዝ መራሕትና። ኣብዘይሓሰብናዮ ክንኣቱ ሰንካም ዕግርግር ምህዞ ዝተማህዘ ንምጽሕጋር ክፍኣት ነገር ዝማረኽናዬን ታንክታት ናትና በሉና ግናባር መጨረሽትኡ ኣብ ሽማግለ ናይ’ቲ ካባቢ ክዓርፍ ነገር ሕራይ በልና ንስለ ሓድነት ከምኡ’ውን ንድሕነት ሃገር። እንታይ’ሞ ኣዳህሊሎም ካብ ሓለዋ ገባር መንዚዕም ክወሰድወን ንዓላ ዝተዓጥቁ ሰብ ነገር ተቆጢዕና ደቀያይ ጎሰናዮ ኽኣ ንስለ ነጻነት ሃገር። ኣየ ኣናብስ ጸላኢ ከነስቲዮ ድከቱ ኣስመራን ከባቢኣን ክንከልኦ ድቓሱ ተቆሊዩ ከዕለብጥ ጠፊኡዎ ሃሙ ብሂወትና ዘለና ኣይመስለኒን ንርስዖ። ጎብለለ ኣብ ውሽጡ ኣስመራ ኣቲና ብሜላ ብብልሓት ትሕዝትኡ ኣዕኒና ክንምለስ ንቦታ ዝኸስርናዮም ብጾትና ዶክ.ሰሎሙን፡ ዘርኣይ፡ ኣፈወርቂ ስውኣትና
ሃይለ፡ ጆን፡ ኣቶብርሃን 2፡ይቲ ጋንታና ኩሉኹሎም ሾሞንተ ንዝክሮም ብጾትና ኣብ ኢድ ጸላኢ ወደቑ ንድሕነት ህዝብና። ትዝክሮዶ ድሕሪ ዂናት ጓይላ ዘይኮነስ ኣኼባ ተኣኪብካ ዝነበረ ጉድለትን ጌጋን ነቂፍካ ተነቃቂፍካ ዝኽሪ ንእነፍቅሮም ስውኣት ጀጋኑና መዘዘሚ ገቢርካ ክትምርሽ ንቕድሚት በጃኻ ንገረሉ ድኣ ታሪኽካ። ዝሓለፈ ክዝክሮ ኣምዑተይ እፈልሓኒ ኣርቒቐ ክሓስቦ መንፈሰይ እርብጸኒ ጀጋኑ ብጾተይ ኩሉኹም ተራኣኹምኒ። መሬት ኣንቲ ጨካን-ጨካን መሬት ኣብ ከርስኺ ክንደይ ኣጓብዝ ሂወት መሪጽኪ ወሰድኪ በዘይገለ ምሕረት። ዎይ መሬት! የብልክን ሓታቲ ሕጊ’ውን የልቦን ንዓኺ ዓጋቲ ኣጉባዝና ኣጽነትኪ ብዘይገለ ሞጓቲ። ብዓል ተወልደ፡ ወዲ ኽያር፡ መቃልስተይ ወዲ እስቲፍ፡ ቑዱስ፡ ሳልሕ ወዲመተራይ ገረንስኤ፡ ከተማ፡ ተኽለሓንስ፡ ሽኮራይ ወዲበሪህ፡ ሕድሪየስ ብጾት መጓጅምተይ ወዳኛው፡ ኣሰፋው፡ ክብሮም ሓለይተይ ዓለም ጨካን ኣረሜን መንጠልኪዮም ካባይ። በሉ መቃብርኩም ይቅሰን ብጾተይ ዝነበረ ፍቅርኹም ዝገዝኦ ልበይ ወትሩ ነበሪ ምሩኽ’ዩ መንፈሰይ ገሊኦም ሓመድ እምኒ ዝጸቝጦም ብጾትና ገሌና ብሂወትና ብኹነታት ስደት ሰፊርና ኣስማትና እምዝግቦ እነኹ ስለዝኾነ ታሪኽና።
መተሓሳሰቢ፡- መሊእካ ተመረቅ ይብሉ ኣቦታት። ንሱ ከይከውን ግና ጊዜ ስለዝነውሐ ከምኡ ድማ ወዲሰብ እናዓበየ ሚስዚኸይድ ናይ ምዝካር ሓንጎሉ ስለዝጎድል እቅረታ እብል። ኮይኑ ግን ብዝስዕብ ኣድራሻይ መመላእታ ዎይ መእረምታ እንተለኩም ክትሰዱለይ አማህጽን። ግርማይ በርሀ ሽወደን germaib@hotmail.com
|
||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
|
|