2. ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንመበል 15 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ብክብ ዝበለ ድምቀት ጸንቢሉ

 

ጨንፈር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም፡ ላዕለዎት መራሕቲ ኪዳንን ወኪል ኤምባሲ ሪፑብሊክ ሶርያን ወከልቲ ሱዳናውያንን ኤርትራውያንን ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ “ንመበል 15 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ከም መበገሲና ወሲድና ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንህነጽ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ንመበል 15 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብ2 ሰነ 2006 ብክብ ዝበለ ድምቀት ኣብ ናዲ ኣልኡስራ ጸንቢሉ።

 

ኣብ’ዚ በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን እተሳተፍዎ፡ ኣብ መንጐኦም ድማ፡ ርኡይ ተኻፋልነት ናይ ደቂ ኣንስትዮ እተመዝገበሉ በዓል’ዚ፡ ቃል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓው መሓመድ ኑር ኣሕመድ፡ ሰክረተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሓው ተስፋሁነይ መስፍንን፡ ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ጕዳያትን ተነቢቡ።

 

ብተወሳኺ፡ ነቲ በዓልን ካልእ ጕዳያትን ዝምልከቱ ንህዝቢ ኣዝዮም ዝመሰጡ ካብ ኣርባዕተ ዘይውሕዱ ግጥምታት ውን ተነቢቦም። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ክፍሊ ባህሊ መርሓባ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፥ ክፍሊ ባህሊ ሰላም ናይ ግንባር ድሕነት ኤርትራ፡ ክፍሊ ሰውራዊ ባህሊ ናይ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ክፍሊ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ናይ ሰልፊ ዲሞክራስን ኣልዓዓልን መሃርን መዛሙርን ባህልን ብምቕራብ ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ሂበንኦ ኣምስየን።

 

ከምኡ ውን፡ ዝኽሪ መበል 15 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብዕለት 24 ግንቦት ኣብ ገዳርፍ፡ ብ30 ግንቦት ኣብ ከሰላ፡ ብ2 ግንቦት ከኣ ኣብ ፖርትሱዳን ብክብ ዝበለ ድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

 

 

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com