|
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት
ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንመሰል ደቂ ሰባት ተተኪኡ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
21.06.2006
ኤርትራ ካብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ንመሰል ደቂ ሰባት ተገሊፋ
ሕቡራት ሃገራት፡ ንምምስራት ናይ’ቲ ኣብ 30 ግንቦት 2006 ኣብ እተኻየደ ጕባኤ ባይቶ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ኣብ
ዝገበሮ ጽንብል፥ ነቲ ዝተበላሸወ ስም ናይ ኮሚሽን ስደተኛታት ክቕይርን፥ ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምክልኻል ዝበለጸ
ግደ ክጻወትን ምዃኑ ተመባጺዑ።
እዚ ብ47 ሃገራት ዝቖመ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቲ ግህሰታት ዝፍጽሙ መንግስታት ከም
ኣባላቱ ሓቒፉ ብምጕዓዙ ተኣማንነቱ ዘጥፍአ ኮሚሽን ስደተኛታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል
ንምትካእ ኢዩ ተመስሪቱ። ኮፊ ዓናን፡ ንምምስራት ናይ’ዚ ሓድሽ ትካል’ዚ ብምድጋፍ፡ ንኣባላቱ ነዚ ዕድል’ዚ ብግቡእ
ክጥቀምሉ ጸዊዑ። ’ነዚ ባይቶ’ዚ፡ ናብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ቍርቍስ ወይ ናብ ዘይረብሕ
መናወራት ከነእትዎ የብልናን። ኵሉ ግዜ ብዛዕባ’ቶም መሰላቶም ዝግሃስ ዘሎ ኣህዛብ ክንሓስብ ኣሎና“ ኢሉ።
ባይቶ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ክሳብ 20 ሰነ 2006 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ቀዳማይ ኣኼባኡ፡ ንከመይነት
ኣሰራርሓኡን፡ ከምኡ ውን፡ ኵነታት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ’ተን ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ 191 መንግስታት
ከመይን ኣብ ከክንደይ ግዜ ቍጽጽር ክግበረሉ ከምዘለዎን ክመያየጥ ኢዩ።
ልዊስ ኣርቡር፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ “ነቲ ብፕረሲደት ኣመሪካ ነበረ ፍራንክሊን ሩዝቨልት
ዝተፈለመ 4 ናጽነታት፡ ማለት ናጽነት ካብ ስእነት፡ ናጽነት ካብ ፍርሒ፡ ናጽነት ናይ ምግላጽን ምዝራብን፡ ናጽነት
ናይ ኣምልኾን ብምኽባር፡፤ ብመንገዲ ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነታዊ ኣዘረጋግሓ ሃብትን ኣቢልና ሓርነት ንምንጋስ
እንደገና ክንዕጠቕ ኣሎና“ ኢሉ።
ንኣኼባ ምምስራት ባይቶ ስደተኛታት ዝመርሕ ዝነበረ ያን አሊሶን ከኣ፡ ነቶም ተሳተፍቲ “ንስኻትኩም ኣካል ናይ ሓደ
ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢኹም“ ክብል ገሊጽዎም። ቀጺሉ፡ “ብመንፈስ ናይ ሓድሽ ምትሕብባር ተመሪሕና፡ ሰብኣዊ መሰል
ብዝበለጸ ኣገባብ ዝኽበረሉ ኵነታት ክንፈጥር ኣሎና“ ኢሉ።
ዝዀነት ትኹን ግሁድ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት እትፍጽም ኣባል ሃገር ብክልተ ሲሶ ናይ’ቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ክትስጐግ
ምዃና ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ፍራንክፈርት ሩንድሻው ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ኣብ ጀርመን ዝሕተሙ ውሩያት ጋዜጠታት፡ ኮሚሽን ስደተኛታት፡ ብባይቶ
ሕቡራት ሃገራት ንመሰል ደቂ ሰባት ዝብል ትካል ዝተተክኣሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፥ “እቲ ኮሚሽን ብናይ ብቕዓት
ሕጽረትን፡ ድርብ ሞራልን፡ ቡኽረት ናይ ግሉጽነትን ፖለቲካዊ ልምሰት ይሳቐ ምንባሩን፤ ብተወሳኺ እውን ገለገለ ኣብ
ሃገረን ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ዘዘውትራ መንግስታት ኣባላት’ቲ ኮሚሽን ምንባረንን ምዃኑ ኣብ ናይ 19 ሰነ
2006 ዘውጽኦ ሕታሙ ኣጋሊጹ።
ቀጺሉ፡ እዚ ዝተመስረተ ሓድሽ ባይቶ ስደተኛታት፡ ንገለገለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጽማ መንግስታት ካብ ኣባልነት
ከምዝገለፈ ሓቢሩ። ካብ’ተን ካብ ኣባልነት ዝተገለፋ መንግስታት ዚምባብወ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ሊብያ፡ ሱርያ፡ ናፓል፡
ቬትናምን ስሪላንካን ከምዝርከብአን ጋዜጣ ሩንድ ሻው ጠቒሱ። ኢራን ብድምጺ ከምዝወደቐት፡ ሩስያን ኩባን ስዑዲ ዓረብ
ግን፡ ኣብ’ቲ ባይቶ ከምዝኣተዋን ድማ ሓቢሩ።
ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት እዚ ባይቶ ካብቲ ዝጸንሐ ኮሚሽን ዝሓሸ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ዝብል ግምት እኳ እንተሃለዎም፤
ምእታው ናይ ሩስያን ኩባን ስዑዲ ዓረብን ዘሻቕሎም ሸነኻት ከምዘለዉን፤ ከምኡ ውን፡ እተን እተገለፋ መንግስታት
እንደገና ኣባልነት ከምዘይሓተታን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።
ኣመሪካ ኣብቲ ምርጫ እኳ እንተዘይተሳተፈት፡ ከም ተዓዛቢት ኰይና ንምዕዋት ናይ’ቲ ሓድሽ ባይቶ ክትሰርሕ ምዃና
ተመባጺዓ ኣላ። ልኡኽ ኣመሪካ ብዋረን ቲሽነር፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ኣመሪካ ኣብ ጂነቭ ክምራሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
|