Nharnet Articles/Opinions

     

        

ዝክሪስውኣት

ብሺምዓዶ ወይ ብሕልና

 ከምዚ ዘበለኒ ምክንያ ጽሑፍ ኣንተንዮ ተስፋይ ምሰንበብኩ  ሓደነገር ኣዘካኪርኒ ኣንተንዮ ዝበሎን ሓደተጋዳላይ 2001 ኣብኤርትራ

ዝበሎን  ሓደ ቃል ስለዝኾነ ኣንተንዮ እብል ኣነ ብሕልናይ 365 መዓልቲ ዓመት ምሉእ እዝክሮም 20 ሰነ ነዓይ ካብካልእ መዓልታት ፍልይቲ ኣይኮነትን እብል እቲ ተጋዳላይ 2001 መዓልቲ 20 ሰነ ክብል ዝሰማዕኩዎ ከኣ ከምዚ በለ ግዜ ምሸት እዩዝነበረ ሰብ ባራትን ደኮኩንን

ኣብያተ ብልዕታትን ተሎ ዕጸውዎ ተባሂሎም ብማዘጋጃበት ኩሉ ሸበድበድ በለ ሺምዓ ሒዝካ ንመቃብር ሓርበኛታት ጉዕዞ ተጀመረ

ኣብጥቃይ ዝነበሩ ኣነ ዝፈልጦም እቲ ሓደ እገለ በሎ ወሆይ ንኪድእባ ተበገስ ሺምዓ ንወልዕ ከምሰብና በሎሞ ኣየስካ ኣነ ደኣ ንስውኣት

መዓስከ ረሲዔዮም እፈልጥ ካብታ ዝደቀቀት መቕጸሪት ደቃይቅ ሰከንድ ጀሚቅካ ሰዓታት መዓልታት ሰሙናት ኣዋርሓት እናበልካ ምሉእ

ዓመት ብሕልናይ እዝክሮም ኪዱ ደኣ ኣንቱም ኣብዓመት ሓንቲ ግዜ እትዝክርዎም ብሺምዓ ዘኩሩ እምበር ኣነስ  ብሕልናን መንፈስን

ወትሩ ምስኦም እየ በሎ ኣነካኣ ነቲወዲ ብቃላቱ ተደኒቀ ቅርብ ኢለ ዕላል ጀመርኩ ምስኡ እቲወዲ ኣብባድመ ብከቢድ ተሃሪሙ

ብህሩሙ ተማሪኩ ነበረ እዩ ምስቶም ቀዳሞት  ካብኢትዮጵያ ዝተለቁ ከምዝነበረ ተመሊሱ ብስንክሉ ኣብድፋዕ ከምዘሎ ኣረጋጊጸ

 

ንስውኣት  ዝክሮም

ምክባር    ቃሎም

ምፍጻም  ሕድሮም

ቃሎም    ከይተግበርና

ቀንዴል ተወላዕና

የዕጽምቶም     ከይወግኣና

መርየት ገዲፎም

 ንሰማይ ሓሊፎም

ሕድሪ       ኢሎሙና

ክንፍጽም ግቡእና

ስውኣት ዝበሉና

ሕበሩ ስመሩ

ሒጊ ግበሩ

ሕድሕድኩም ተካባበሩ

ስድራ ስውኣት ተውሩ

ንህዝቢ ኣቅስንዎ

ስልጣኑ ኣረክብዎ

ሕረስ ሓረስታይ

ንገድ ነጋዳይ

ተመለስ ተስዳዳይ

ቆሉዑ ተማሃሩ

መዝሙር ሰላም ዘምሩ

ንሰላም ጸዓሩ

ምስኣ ከኣ ንበሩ

ምስጎሬቤትኩም ፍቅሪ

ምስዓለምኩም ምክሪ

ስዉኣት ዝበሉና ሕድሪ

 

 

ብሕልና ዝክሪ ንስውኣትና

ብቅንዕና ሕጊ ንዘለና

ብልቦና ፍቅሪ ንኩልና

ሰላም ካብደለና

ንርከባ ሃሶው ኢልና

ፍቅሪ ተደሊና

ንካባበር ኩልና

 

ዝክርን ክብርን ንስውኣትና

ሕግን ፍትሕን ንዘለና

 

 

 

ካብ ተስፋልድት/

ሽወደን

 

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com