Nharnet Articles/Opinions

     

        

.

              

                ስለምንታይ ምጽዋዕ መሪጹ

          ብተስፋማርያም /ጊዮርጊስ ኖርወይ 26,06,06

  

    ምጽዋዕ ምግዓዙ ብብዙሕ ነገርዩ ክግመት ዝከኣል

    ነብሱ ስለ ዘይተኣማመን ፈሪሑ ንህይወቱ ክከላኸል

    ባዕሉ ዝኣጎዶ ሓዊ ሕጹብ ኢድ ከም ጲላጦስ ክመስል

    ካብዚ ዘለዎ ሽግር ዝገድድ ተቐጺሉ መንገዱ ከሰላስል

          

          ኣብ ዘየዋጽኦ ጽንኩር ኩነታት ድማ እነሃ ተቐሪባ ሆሊኮፕተር

          ጽርግፍ ክብል ናብ ማሓዙቱ ደም ሰትዮም ዘይጸግቡ ዲክታቶር

          ንመጉዓዝያ ተባሂላ ዝተገዝአት መርከብ ምስ መዕለብ ሆሊኮፕተር

          ብጥምየት እናተሳቐየስ ኣየናይ ህዝቢዩ መርከብ ተሰቒሉ ክሳፈር

          ሓቂ መሲሉና ብስብከት ህግደፍ ከይንታለል ንሕሰብ ኣይንደናገር

         

   ሓቂ ድዩ መሲልኩም ጸሓይ ዓሪባ ኣይትብረቕ ተበለ ንቀለዓለም

   ርዒዱዩ ዘሎ ጭንቀት ኣሕዲሩ ራዕራዕ ኢሉ ብብጾቱ ከይጥለም

   እዚዩ ምኽንያቱ ምጽዋዕ ዝመረጸ ሆሊኮፕተር ኣልዒሉ ንኻሃድም

   ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ታሪኽ ስለ ነስፍሮ ንውሉድ ወሎዶ ንዘለኣለም  

   ብገበኑ ከምዘይምሓር ስለ ዝፈልጥ ኣጥፊእካ ምጥፋእዩ ክቀዳደም

   መጨረስትኡ ስለ ዝኾነ ሓው ምስ ሓው ኣባኢሱ ከፋስስ ደም  

         

            ቆዋሚ ኣድራሻ ስለ ዘይብሉ ኣስመራባ ምጽዋዕ እናለ የዕለብጥ ኣሎ

            ስኽፍታኡ ብዙሕዩ ጽባሕ ተመሊሶም ከይ ዓልውዎ ዋርሳይ እካኣሎ

            መድፈሪ እንተኾኖ ብቐትሩ ኣብ ኣልኮል ተኣሊኹ ይውዕልላሎ

            ቢከሪ ክዓትር ግዜ ስለ ዝሓጸሮ ብተለፎን ገሩ ሃገር የማሓድራሎ  

   

  በዚ ጥራይ ኣይኮነን ምጽዋዕ ዝመረጸ ብዙሕ ነገር ክንርኢና

  ኩልና ከም ነፍቅራ ስለ ዝፈልጥ ነስመራ ውቅብቲ .ከተማና

  ንምጽዋዕ ግዒዙ መታን ብዙሑን ውሑድን ኣዛሪቡ ክመዝነና

  ሓዳስ .ከተማ ክፈጥርዩ ዝመስል ዘሎ ብኢደወነኑ ከይነገረና

  ምጽዋዕ ከረን ዓድቀይሕ መንደፈራ ኩለን ሓደየን ዝብጻሓና

  እኪት ተግባራትካ መን ክቕበሎ ብሳላኻ ተመኲርና ለቢምና

 

             ንኤርትራን ህዝባን ከዳኽም ሓደራ ተዋሂብዎዩ ካብ ኣቦታቱ

             ዝህዝብዚ ክጠፍእ ኣለዎ እናበሉዮም ዝካትዑ ዝነበሩ ዝማጎቱ

             ለቦዋ ኣብ ግብሪ ንሪኦለና ኣህዛብ መዓልታዊ ይቕዘፉ ይጸንቱ 

             ጀነራል ምኒስተራት ኩፉእ እናሬአ ዓይንኹም ካብ ትዕምቱ

             በዚኾነ በቲ ምጾታት ጥፍኣትኩም ይቀላቐል ከምዘሎ ኣይትስሓቱ

             ክትፍደይዋ ኢኹም ከምዛ ናይ ብዓል ሳዳም . ናይ መንግስቱ

 

ከም ሰብዶ ቆጺርኩም ይፈልጥዩ መራሒኹም ኮራኩር ጀነራላት

ኣማዓራርይኩምዩ ምስ ናይ ቤት ግርግስ ኣዕጽሚቲ ዝኣርዩ ኣኽላባት

ብዘይ ሰንሰለት ዝተኣስሩ ንጥቕሞም ክብሉ ኢዶም ዝሃቡ ምሩኻት

ጸላኢ ተርዕዱ ከምዘይ ነበርኩም ለማሳት ገይርኩም ከም ፈራሓት

 

              ብታህዲድ ኣፈራሪሑ ነቕ ከም ዘይብሉ ስንባደ ዘሪኡሎም

              ቪላን. ላንድ ኩረዘር. ዓዲሉ ህዝቢ ከበሳብሱ ኣምሒልዎም

              መልሓሶም ለኺቱ ኣእዳዎም ኣቑሪዩ ህዋሳቶም ኣልሚስዎም

              ዘደንቕዩ ነገሩ ስቕ ኢሎም ክዕዘቡ ባሕሪ ናሰጠም ህዝቦም

              ዓይኒ ዘለዎ ሬሳ ኮይኖሙና ገኒዝና ሓመድ ከይ ነልብሶም

             

 ውልቃዊ መላኺ ኩሉ ባዕሉ መንግስቲ ባዕሉ መራሒ ባዕሉ

 ክጠፍኡዶ መን ክደፍሮ መን ቁሊሕ ክብሎ መን ክምልሸሉ

 መሬየት ኮርኲሑዎ ባሕሪ መሪጹ መሲልዎ ክፍኣቱ ዝሽፈነሉ

 ዝመሃዘ ተመሃዘ መሬትውን ተፋሕተረ መንዩሞ ይቕረ ክብለሉ

 ኣይትጋገ ንዝበልዎ ዓበይትን ብጾቱን ንዒቑ ሽግር ዝፈጠረ ባዕሉ

 

                ንግዜኡ ይጽበብምበር ጽባሕ ክንዕወት ኢና       

                      ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ስዋኣትና

                                ኣሜን

    


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com