|

ደምዳሚ
ኣዋጅ
ሻብዓይ
ዞባዊ ጕባኤ ጨናፍር ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ.
ኣብ
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ
ሻብዓይ
ዞባዊ ጕባኤ ጨናፍር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ (ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ.) ኣብ ሕ.መ.ኣ. ኣብ ትሕቲ
"መትከላት ውድብና መጸበይታ ውጹዕ ህዝብናን መድሕን ሰላምን ርግኣትን ሃገርናን ዞናናን እዩ።" ዚብል ጭርሖ
ካብ 18 ክሳብ 19 መጋቢት 2006 ተኻይዱ። ኣድማዒ ውሳኔታት ብምሕላፍን፣ ሰጓሚ ዕዮታት ብምሕንጻጽን ብምእማትን
ብዓወት ተዛዚሙ።
ህዝቢ
ኤርትራ ከም ኵሎም ጭቁናት ኣህዛብ ዓለም ካብ ኣርዑት መንግዛእቲ ንምልቓቕን ኵሉ ሰብኣዊ ክብሩን መሰሉን ዝሕለወላ
ነጻን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምህናጽ ኣብ ውጽዕቲ ኣፍሪቃ ዝነውሐን ዝመረረን ተጋድሎ ብምክያድ ብናጽነት ዝተበሰረ
ህዝቢ'ዩ። ይኹን'ምበር እቲ ጉልባብ ነጻነታውን ሓርነታውን ተጋድሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ተጐልቢቡ ብኢደወነኑ ናብ
ስልጣን ዝሓዀረ ጕጅለ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሎሚ ብቕጥዒ ዘይብሉ ኣደራዕን ኣራግጽን ንዅሉቲ ህዝብና ዘማዕደዎ ጩራ
ብርሃን ሓደ-ድሕሪ-ሓደ ኪዓጽዎን ከጸልምቶን ይርከብ።
ሎሚ 15
ዓመት ሃገራዊ ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጹ ኤርትራ ሃገርና ብዅሉሸነኻዊ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቍጠባውን ሃለዋት ናብ ልምሰት
ገጻ እትምርሽ ዘላ ሃገር'ያ እንተተባህለ ቃለ-ኣጋንኖ ኣይኰነን። ልዑላውነት ሕጊ ምሉእ ብምሉእ ዝበዀረሉ፣ መሰል
ዜጋታት ዝተሓርመሉ፣ ቍጽሪ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንቍጽሪ ኣብያተ-ትምህርትን ሕክምናዊ ትካላትን ጸብለል ኣብ ዝበለሉ፣
ዳግማይ ስደት ንእዋን ነጻነታዊ ተጋድሎና ዝነበረ መድረኽ ስደት ኣብ ዝተዓጻጸፈሉ፣ ብዘስደምም ከኣ ናይ ሎሚ
መንእሰይ ወለዶ ካብ ዝጸልመተቶ ሃገሩ ከምልጥ ኣብ ሰሃራን/ምድረ-በዳን ውቅያኖሳትን ኣብ ዝቕዘፈሉ፣ ኮታ ጸብጺብካ
ኣብ ዘይውዳእ ክፋእ ኣብ ዝመልኦ ኵነታት'ያ ትርከብ።
ብኻልእ
ወገን ከኣ እንታይነት መላኺ ስርዓት ብሃገራውን ዞባውን ኣህጕራውን መዳያት ብግቡእ እናተቓልዐን ናብ ፍጹም ተነጽሎ
ኣብ ዝበጽሓሉን ኵነታት እዩ ዝርከብ። ብተወሳኺ ንምልክን ግህሰት ሰብኣዊ-መሰልን ዝጻረር ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውደባ
ናብ ደያቢ መስርሕ ኣብ ዝሰጋገረሉ ኵነታት'ዩ ዝርከብ።
ሻብዓይ
ዞባዊ ጕባኤና እምበኣር ኣብ ከም'ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን እዩ ተኻይዱ። ስለዝኾነ ከኣ
ዞባዊ ጕባኤና ንዝሓለፈ ኵሉሸነኻዊ ናይ ስራሕ ጕዕዞታቱ ብግቡእ ብምግምጋም ንኣዎንታዊ ጐድንታቱ ብዘውሕስ ኣገባባት
መዝጊቡ ንድኹም ጐድንታቱ ከኣ ናብ ሓያል ጥርዚ ብዝመልስ ሓደስቲ መደባት ሰሪዑ ንመጻኢ ዝግልገለሉ ዓበይትን
ኣገደስትን ውሳኔታት ሓንጺጹ።
ካብ'ቶም
ጕባኤ ኣትኲሩ ዝዘተየሎም ጕዳያት በዞም ዝስዕቡ ጽማቝ ነጥብታት ክጠቓለሉ ይኽእሉ፤
1.
ንሓፋሽ
ህዝብና ካብ ኣራግጽ መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ንምንጋፍ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብዝያዳ ምሕያልን ነዚ እሙን ንምግባር
ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ. ዘተኵረሎም ዘዐውት ክሳድ (ስትራተጂ) ብዝለዓለ ተዓጻጻፍነት ናብ ሓያል ጥርዝታት ንምስግጋር
ኪቃለስ ወሲኑ።
2.
ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ. ንዝተበገሰሎም ሃገራውን ዲሞክራስያውን መደባት ንምዕዋት ብዝሰፍሐን ዝጸፈፈን ፖሊቲካዊ ውደባ ምስ
ሓያል ቍጠባዊ መሰረታት ኣነጻጺሩ ብምምልካት ዞባዊ ጕባኤና ናይ ውድብና ቍጠባዊ ዓቕምታት ኣብ ምሕያል ተወፋይነት
ክኽዕብት ወሲኑ።
3.
ንጕዳይ
መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ከም ወሰንቲ ደረኽቲ ሓይልታት ናይ ለውጢ መጠን ብትዅረት ዘትይሎም። ንምልዕዓሎም ከኣ
ኣገደስትን መሰረታውያንን ውሳኔታት ኣሕለፈ። ገለ ካብ'ቲ ውሳኔታት ስዒቡ እንሆ፡
ሀ.
ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ'ቲ ጕባኤ ዓሰርተው-ክልተ (12) ዝኾና ካብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ዝተወከላ ኣባላት ጕባኤ
ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ባዕለን ፍሉይ ኣኼባ ብምክያድ ካብ ውሽጠን ሓንቲ ግዝያዊት ሽማግለ ብምምዛዝ ንስራሕ ተበጊሰን።
ለ.
ንጕዳይ መንእሰያት ዝምልከት ነዚ ጠገለ ዘይብሉ ናይ መንእሰያት ዋሕዚ ናብ ስደት ብዕምቆት ብምዝታይ ኣብ ክንዲ ናብ
ስደት ዘምርሑ ንመላኺ ስርዓት ብምስዓር ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሩህ መጻኢታት ዘማዕድውሉ ናይ ቃልሲ ኣመለኻኽታ ርእዩ።
ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናይ መንእሰያት ስርርዓት ንምብርባር ዘድሊ ምስንዳኣት ኪገብር ወሲኑ።
4.
ጉባኤኛ
ንመስዋእቲ ሓርበኛ ተቓላሳይ ብጻይ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብምረትን ብምስትንታንን ዘኪሩ። ነቲ መሪሕነት
ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ. ኣብ መሪር ናይ ሓዘን ኵነታት ከሎ ዝወሰዶ ቅልጡፍን ውሕሉልን ውፉይ ናይ ስልጣን ምቅብባልን
መስርሕ ብኣድናቖት ብምምልካት ብዘተኣማምን መንገዲ ጉባኤኛ ኣብ ጐድኑ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።
5.
ንዓቕምታት ደንበ ተቓውሞ ንምድልዳልን፡ ንረብሓታት መላእ ህዝብናን ሃገራዊ ክብሩን ብዘውሕስ ኣገባባት ንምውዳቡን
ምምርሑን ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ኵሉ-መዳያዊ ዓቕምታቱ ከበርክት ምዃኑ ብዕምቆት ዘትይሉ። ጕባኤ ነቲ ውድብና
ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ምህናጽ ዘበርከቶ ግደን ርኡይ ኣስተዋጽኦን እናኣሞገሰ፣በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ነተን
ብዛዕባ ብሔራትን ሃይማኖትን ዜመልክታ ዓንቀጻት (3ን 4ን) ናይ ኪዳን ቻርተር ዳግማይ ርኤቶ ንኽግበረለን ጽኑዕ
ለበዋ ናብ መሪሕነት ውድብ ኣመሓላሊፉ።
6.
ሓፋሽ
ህዝብና ንዅሉ'ቲ መላኺ ስርዓት ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ነውራም ሜላታቱን ቅድታቱን ብትሪ
ክምክትን፤ ካብ'ዚ ወሪዱዎ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ሓንትን መተካእታ ዘይብላን መዋጽኦ ስኑ ነኺሱ ንኣዕኑድ ምልኪ
ህ.ግ.ዲ.ፍ. ንምምሓው ምቅላስ ከምዘድሊ ኣትሪሩ ጸዊዑ።
7.
ንኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ከኣ ነቲ መላኺ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕን ጭቆናን ብግቡእ
ከስተብህለሉን ንድሕነት ኤርትራን ህዝባን ብዕቱብ ክጽዕትን ተሪር ጸዋዒትን ምሕጽንታን ኣቕሪቡ
ኣብ
መደምደምታ ንዘጽደቖም ውሳኔታትን መደባትን ዝፍጽማን ንዝመጽእ ዘሎ ክልተ ዓመታት ዝመርሓን ናይ ክልቲኡ ዞባታት
መሪሕነታት መሪጹ። ደጊሙ ከኣ ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ. ንዝተበገሰሉ ቅዱስ ሃገራውን ህዝባውን ዕላማ ኣብ መዓርፎኡ ንምብጻሕ
ዕጥቁ ሸጥ ኣቢሉ ክቃለስ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ናይ ሕጊ
ልዑላውነት ዝረጋገጸላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ንቃለስ!
ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!
ሻብዓይ
ዞባዊ ጕባኤ ተ.ሓ.ኤ.ሰ.ባ. ሕ/መ/ኣ
20
መጋቢት 2006 |