|
||
|
ተጋድሎ ሓርነት ኤርት ዞባ ምምሕዳር ሰሜን ኣሜሪካ መጋቢት 18/2006
ናብ ዝኸበርኩም ተጋደልቲ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብሓባር፡ ተሳተፍቲ ውድባዊ ኮንፈረንስ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከኣ ብፍላይ፡ ብመጀመርያ ካብቲ ዝቐነኹሞ ከቢድ ሓዘን ናይ ሞት ሓውናን ብጻይናን ስዉእ ተጋዳላይ ኣቦ መንበር ስዩም ዑቕባሚካኤል ወጺእኩም፡ ናብቲ ዘይተርፍ ሰውራዊ ዕማምን፡ ካብ ማእገርና ዘይወረደ ዘሎ ቃልስን ብምምላስ፡ እዚ ኮንፈረንስ እዚ ከተካይዱ ከለኹም ዝስምዓና ሓጎስን ሓበንን ወሰን የብሉን። ቀጺልና ድማ እዚ ኮንፈረንስ እዚ፡ ብዓወት ንኽዛዘም ዘሎና ትምኒት፡ ንናይ ውሳኔታቱ ጽቡቕ ድሌት፡ ተኻፈልቲ ከም ዝኾናን ብብሩህ ንገልጸልኩም። ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ሽግራትና፡ ሓደ ንቕድሚት ክውጥጥ እቲ ሓደ ንድሕሪት ክጎትት፡ ናይ ተረባረብ ህልኻዊ ቃልሲ ኢና ከነካይድ ጸኒሕና። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ጉዳይ ሃገርናን ዶብናን ኣብ ክንዲ ጉዳይናን ጉዳይ ህዝብናን ዝኸውን፡ ከም ሓንካስ ዘርዓይ ኣማዕዲና፡ ግደፉባ፡ ሓዙባ፡ ደንጒኹምባ ሓንጽጹባ ክንብል መዋእል ይሓልፍ ኣሎ። ኣብዚ ጊዜዚ ብዛዕባ ህዝብና ከምዚ ኮይኑ፡ ከምዚ ከኣ ተደጊሙ ኢልና ምዝራብ ድሕሪ ደጊም ንዓናን፡ ንሰማዒኡን ኣረብሪቡ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ስለዚ ካብዚ ኮንፈረንስ እዚን ካልኦት ኣኼባታትን ናይዚ መድረኽ እዚ፡ ናይ ተግባር ሕንጻጻት ምውሳን ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ! ኣብ ኤርትራ ንሓድነት፡ ዘይዝምር ሰብን፡ናይ ፖለቲካ ውድብን የለን። ኣብ ተግባር ምስ መጻእኻ ግና ካብ ሓደ ዝገብረካ፡ ዝፈላልየካ ቆጺርካ ትፈላለ። እዚ ሕማም ሕድርቲዚ ንነዊሕ ጊዜ ከሳቅየና ዝጸንሐ ኮይኑ ክሳብ ሕጂውን መድሃኒት ዝተረኽበሉ ኣይመስለናን። ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ብስለታት ዝተራእየ ይመስል ኣሎ። ናይ ምጽውዋር ተኽእሎታት ኣብ ዝማዕበለሉ፡ ካብ ዝፈላልየና ሓደ ዝገብረና ከም ዝበዝሕ ተራእዩ ኣሎ። ስሙር ግንባር ብደረጃ ኤርትራዊ ኪሞክራስያዊ ኪዳን ዓሰርተ ሽዱሽተ ውድባት ቆይመን ኣለዋ። ኪዳን ከድምዕ እንተኾይኑ ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ኪዳን ተጀሚሩ ዘሎ ተበግሶታት ሓድነት ክቀላጠፍ ክኽእል ኣለዎ ንብል። ኣብ ውሽጢ ኪዳን እንደገና ካልእ ናይ ውድባት ስሙር ግንባር ከተናዲ ምምእራር ግን መሕለፍ ጊዜዩ ጥራይ ክኸውን ዝኽእል።ስለዚ ነቲ ኣብዚ ዓመትዚ ኣትሪርኩም ብምርጋጽ ብወፈራ መሪሕነትን መሰረታትን ኣበርቲዕኩም ሒዝኩሞ ዘለኹም ወፍሪ ሓድነት ንድግፍን ነሞግስን። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብዕዮ ዘለዎም ውድባት ብመስርሕ ዘተ ብዝሓጸረ ጊዜን መንገድን ክሰምር ምዃኑ ነረጋግጸልኩም።ከምኡውን ምስ ውድብኩም ብዕቱብ ጀሚርዎ ዘሎ ዘተ መላስድሕሪት የብሉን።ብወገንኩም ብብጾት ዝተዋህበና መብጽዕታት እውን ካብኡ ዝትሕት ኮይኑ ኣይረኸብናዮን።እዚ ካብ ኮነ እምብኣር ምስ ካልኦት ዝመሳሰሉ መደብዕዮታት ዘለዎም ውድባት ክፉት ገዲፍና፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወታት ቅልጡፍ መዅተሚ ክግበረሉ ንጽውዕ።ናይ ህዝብና ዘይተኣደነ ጸገማት ክንጽብጽብ ምንባር ግን ትርፉ“ወትሩ ተቃውሞ“ ዘሰጉጕና ደኣምበር ናብ ዋንነት ፖለቲካ ሃገርና ከሰጋግረና ዘኽእል ስራሕ ኣይኮነን። ተሞኩሮና ካብዚ ዓይነት ዕማምዚ ወጺኡ፡ ምስ ህዝብና ተዋሲእና ሽግሩ ክንፈትሕ፡ ዘኽእል ስጉምታት ንውሰድ፡እናበልና፡ውጽኢት ኮንፈረንስኩም ነቲ ሒዝኩሞ ዘለኹም ወፍሪ ሓድነት ዘራጉድ ክኸውን እናተመነና፡ ተኻፈልቲ ትግባረ ህዝባዊ ውሳኔታትኩም ከም እንኸውንን ብምርግጋጽ መልእኽትና ንዓጹ። ማሕሙድ ኣደሮብ (ወኪል) ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣሜርካ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|