መደበር ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ንኣህጕራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘኪሩ

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

23.03.2006

መደበር ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላት፡ ን8 መጋቢት፡ ኣህጕራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕለት 13.03.2006 ዘኪሩ ውዒሉ። “ሃለዋት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ሳምያ ረባሕ ኣተባህለት ናይ ሕጊ ኪኢላ፡ ብመንጽር ኣህጕራዊ ኣዋጅ ንሰብኣዊ መሰላትን፤ ኣህጕራዊ ስምምዕ ንቍጠባውን ማሕበራውን ባህላውን መሰላትን፤ ኣህጕራዊ ስምምዕ ጸረ ኵሉ ዓይነት ኣድልዎ ናይ ደቂ ኣንስትዮን፡ መሰል ጓል ኣንስተይቲ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብሪሃ። ከምኡ ውን፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣስመራ፡ መሰላት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ እንታይ ከምዝመስል ገሊጻ።

መሰል ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ መዳይ ትምህርትን ጥዕናን እናንቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረድእ፡ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ኣሰንያ ኣቕሪባ። ከምኡ ውን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ፖለቲካዊ መሰላት ኣቃሊዓ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ ግዲኣ ኣብ ሕብረተሰብ ንኽትጻወት ክፍጸሙ ይግብኦም ዝበለቶም ጽዓታት፡ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ኣገባብ ዘርዚራ።

  1. ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ምርግጋጽ፤
  2. ስርዓት ኣስመራ ብዝፈረመሉ፡ ኣህጕራዊ ስምምዓትን ሰነዳትን ክቕየድ፣
  3. ናይ ደቂ ኣንስትዮ ባህላውን ሕጋውን ንቕሓት ክብ ምባል፤
  4. ገጠራዊ ልምዓት ምርግጋጽን፡ ድኽነት ምምሓውን፤
  5. ንዕብየት ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋግጽ ሕጋጋት ምጽዳቕ።

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com