ሓው ሑሴን ኸሊፋን ሓው ዓብደላ ኣደምን ኣብ ሰሚናር ለንደን

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

23.03.2006

 

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ሓው ሑሴን ኸሊፋን፥ ምኽትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ሓው ዓብደላ ኣደምን፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ እተሳተፈሉ ሰሚናር ኣብ ለንደን ኣካይዶም።

ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራን እቲ ስርዓት ዝሓልፎ ዘሎ ቅልውላዋትን፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ሃለዋትን፤ ከምኡ ውን፡ ኤርትራ ከመይ ኢላ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተቐየረትን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣመልኪቱ ድማ፡ ንቕድሚት ከሰጕሞ ዝኽእል ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ። እቲ ቻርተር፡ ዝተሓተ መደብ ዕዮ ናይ’ቶም ነቲ ኪዳን ዝመስረቱ ዝተፈላለዩ ውድባት ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ቅድም ዝነበረ፡ ናይ ካልእ ርእይቶ ዘይምቕባል ኣንፈታት ሰጊርና ኣብ’ዚ ምብጻሕና ዓቢ ዓወት ኢዩ። ኣብ ኵሉ መዳያት እነካይዶ ስርሓት ክምዕብል እንተደኣኰይኑ ከኣ፡ ነዚ ዓወት’ዚ ክንዕቅቦ ክንክእል ኣሎና ኢሉ።

ቀጺሉ፡ ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማት፡ ሰሚናራትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ብምክያድ፡ ብሰብኣዊ መሰላት ንዝግደሳ ማሕበራት መዘክራት ብምቕራብ፡ ነቲ ስርዓት ከቃልዑ ጸዊዑ። ከምኡ ውን፡ ዓቕምን ንጥፈታትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ክብ ንምባል፡ ኤርትራውያን ንዋታውን ሞራላውን ደገፋት ከበርክቱ ከምዝግብኦም ኣሚቱ።

ሓው ዓብደላ ኣደም፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከኣ፡ ኣብ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ገለገለ ዓንቀጻት፡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግዲኦም ከየበርክት ዝዕንቅጹ ኣይኰኑን ኢሉ።

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ሓው ሑሴን ኸሊፋ፡ ብዕለት 21 መጋቢት 2006 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ምስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ናይ ወጻኢን ኮሞን-ወልስን ጉዳያት፡ ተኸታተልቲ ጕዳያት ኣፍሪቃ ምስ ዝኾኑ ኣካላት ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብቲ ሓደ ሰዓት ዝወደኤ ምይይጥ፡ ተጋዳላይ ሑሰን፡ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ቆላሕታ ክትገብረሉን ዓው ኢላ ክትዛረብሉን፤ ከምኡውን፡ መንግስቲ ህግደፍ፡ ካብ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ተነጺሉ መተካእትኡ ሓደ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክሳብ ዝትከል፥ ኣብ ጎድኒ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉን ኣበርቲዖም ክሰርሑን ጸዊዑ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ መሬት ሱዳንን ኣብ መሬት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መናእሰይ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ከርፋሕ መነባብሮ ብምዝካር ረድኤታዊ ሓገዛቶም ክልግሱ ሓቲቱ።

ብድሕርዚ እውን ናብ መደበር ቢቢሲ ብምኻድ እቲ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ጠመተ ዘይረኸበ ጉዳይ ኤርትራ ብዝያዳ ክቃላሓሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ተመያይጡ።

ብዕለት 22 መጋቢት 2006 ከኣ፡ ምስ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ናይ ተለቪዝዮን ኣገልግሎት ናይ ስልኪ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ።

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com