ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንተግባራት ስርዓት ኣስመራ

ኣብ ልዕሊ ሰብኣውያን ማሕበራት ኰኒኑ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

24.03.2006

 

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ውሃቢ ቃል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ፡ ንጽጉማት ኤርትራውያን ዝሕግዛ ዝነበራ ናይ ረዲኤት ማሕበራት ዝፈጸሞ ዕንቅፋታት ሓላፍነት ዝጐድሎ ተግባር ኢዩ ክብል ኰኒንዎ።

 

ብጻይ ተስፋይ፡ ነዚ መግለጺ’ዚ ዝሃበ፡ ነቲ ስርዓት ኤርትራ፡ ንመርሲ ኮርፕን (Mercy Corp) ኮንሰርንን (Concern) ኣኮርድን እተባህለ ሰለስተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ኤርትራ ዘካይድኦ ዝጸንሓ ንጥፈታት ከቋርጻ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ዝብል ብ22 መጋቢት 2006 እተቃልሐ ዜና ብምቅዋም ኢዩ።

 

ብጻይ ተስፋይ፡ ኣብ’ቲ ካብ ካርቱም ዝሃቦ መግለጺኡ፡ ስርዓት ኣስመራ ዝወሰዶ ስጕምቲ ከምዘየገረሞ፡ ግን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ’ተን፡ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝፈጠሮ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ንምቅላል ዝጓየያ ዘለዋ ሰብኣውያን ማሕበራት ዝፍጽሞ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ከምዘቆጥዖ ጠቒሱ።

 

ኣህጕራውያን ሰብኣውያን ማሕበራት፡ እንተላይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ’ዚ ጕዳይ’ዚ ሓደ መርገጽ ክህልወንን ብህጹጽ ፍታሕ ክረኽባሉን ድማ ጸዊዑ። “እዚ ስርዓት’ዚ፡ ንህዝቢ ረዲኤት ንዘቕርባ ማሕበራት እናሰጐገ ንዓሰርተታት ዓመታት ክቕጽል ስቕ ኢልካ ምርኣይ ዘይሕሰብ ኢዩ” ኢሉ።

 

ስርዓት ኣስመራ፡ ኣብ ስርሓት ናይ ረዲኤት ማሕበራት ኢዱ ከእቱ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት፡ ንምምላስን ዳግማይ ምጥያስን ስደተኛታት ተባሂሉ ዝወጸ ናይ 263 ዶላር ኣመሪካ መደብ ዝገበሮ ዕንቅፋታት ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ስርዓት ኣስመራ፡ እቲ እተጠቕሰ ብዝሒ ገንዘብ ክውሃቦ፡ ነቲ ስርሓት ዘካይዳ ናይ ረዲኤት ማሕበራት ክኣትዋ ግን ከምዘየፍቅድ ኢዩ ገሊጹ። እተን ለገስቲ ማሕበራት ከኣ፡ ረዲኤት ንኣህጕራዊ ማሕበራት ደኣ’ምበር፡ “ንጹህ ኢየ” ንዝብል ስርዓት ክህባ ቅሩባት ስለዘይነበራ፡ እቲ ተመዲቡ ዝነበረ ፕሮጀክት ከይተፈጸመ ተሪፉ።

 

እዚ ኢሰብኣዊ ዝዀነ ስርዓት’ዚ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት፡ መሰረት ብዘይብሉ ዘይረብሕ ምስምሳት፡ ብዙሓት ናይ ረዲኤት ማሕበራት ኢዩ ኣባሪሩ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ልምዓት ፕሮግራምን፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን፡ ዓለማዊ ፕሮግራም መግብን ናይ ኣመሪካ ዩ.አስ.አይድን (USAID) ከይተረፋ ውን፡ ብተመሳሳሊ ምስምሳት ኢየን ተባሪረን። ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝምድና ዘለዎ ኢሪን (IRIN) እተባህለ ናይ ዜና ማዕከን፡ ብዝሒ ናይ ኣብ ኤርትራ ዝሰርሓ ዝነበራ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ክሳዕ ሕጂ ካብ 37 ናብ 13 ከምዝወረደ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ጠቒሱ።

 

እተን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝተባረራ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት፡ ንድኻታት ስድራ ቤታት ኣብ ኤርትራ ዘቕርብኦ ዝነበራ ደገፋት ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

መርሲ ኮርፕ፡-

 

እዚ ብምወላ ናይ ዩ.አስ.አይድ (USAID) ብ2000 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ እተመስረተ ማሕበር እዚ፡ ን300.000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ንምድጋፍ ዝወዓለ 39 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣበርኪቱ። ኣብ መግብን ማሕበረ-ኮማዊ ሰረት ዘለዎ ኣመጋግባን ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ምሕደራ ሃብቲ ማይን ዝውዕል ረዲኤት ኣቕሪቡ። መርሲ ኮርፕ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ን60,000 ዝዀኑ ተመሃሮ ሓይሊ ዝህብ ብሽኮቲ ይዕድል ነይሩ።

 

ናይ ኣየርላንድ ዓለም ለኸ ኮንሰርን (CONCERN)

 

እዚ ዘይመንግስታዊ ትካል’ዚ፡ ኣብ ደቡብ ኤርትራ ን24,000፤ ኣብ ሃበሮን ኣስማጥን ድማ ን35,000 ሰብ ዝስተ ጽሩይ ማይ የቕርብ ነይሩ። ከምኡ ውን፡ ማይን መሬትን ኣብ ምዕቃብን ከብቲ ኣብ ምርባሕን ኣዝርእቲ ኣብ ምፍራይን ኣገልግሎት ክህብ ጸኒሑ።

 

ኣኮርድ (ACORD)፡-

 

ኣኮርድ ድማ፡ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዘይመንግስታዊ ትካል ኰይኑ፡ ረዲኤትን ለቓሕን ብምሃብ፡ ስድራ ቤታት እቶት ዝረኽብሉን፥ ርእሶም ዝኽእልሉን ፕሮጀክትታት የዳሉ ነይሩ። ዕላማታት ናይ’ዚ ማሕበር’ዚ፡ ፍትሒ ዘይብሎም ፖሊሲታትን ስርዓታትን ስምዒታትን ተግባራትን ትካላትን ብኵሉ ኣገባባት ምውግእ ዝብል ኢዩ። ብደረጃ ኣህጕርና ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ክጉልብቱ ዝጣበቕን፥ ንኣኮርድ ዝከላኸለሎም ዕላማታት ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ዘሰጕሙ ትካላት ምህናጽን ኢዩ።

  


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com