ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ናይ ተቓውሞ መዘክር ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ልኢኹ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

27.03.2006

 

ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር፡ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ናይ ስደተኛ ኵነት ኣኽቲሙ ኢዩ ዝብል ብ2002 እተወስደ ውሳኔ  ብምጽራር ብ27 መጋቢት 2006 ናብ ላዕለዋይ ኪሚሽን ሕቡራት ሃገራት ናይ ተቓውሞ መዘክር ልኢኹ።

ኣብ’ቲ ናብ ሚስተር ካሉንጋ ልዋቶ፡ ኣካያዲ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝጸሓፎ መዘክር፡ ቍጽሪ ናይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን፤ ዝዀነ ይኹን ዝግበረሎም ደገፍ ከምዘየለን ኣቃሊዑ። ቅዳሕ ናይ መዘክሩ ድማ፡ ናብ’ቲ ኣብ ጂነቭ ዝርከብ ማእከላይ መደበር ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሰዲዱ።

ኵነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን “ኣዝዩ ዘሕዝን” ኢዩ ይብል እቲ መዘክር። ምኽንያቱ ድማ፡ ናይ ረዲኤት ማሕበራት ካብ ምብራቕ ሱዳን ተሃዊኸን ስለዝወጻ፡ እቲ ዝውሃብ ዝነበረ ረዲኤት ኣዝዩ ስለዝነከየ ኢዩ ኢሉ። ኣብ’ዚ ብስም ውድቡን ብስም ምሕዝነት ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝጸሓፎ መዘክር’ዚ፡ ብጻይ ወልደሱስ፡ ነቲ ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ክነብሩ ዘገደደ ምኽንያታት ተለዊጡ ኢዩ ካብ ዝብል ግጉይ ገምጋም ተበጊሱ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ብ2002 ዝወሰዶ ውሳኔ ክስሕቦ ጸዊዑ።

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com