ንጥፈታት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

27.03.2006

ልኡኽ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ካርቱም ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ከካይዶ ዝጸንሐ ካዕባዊ ርኽክብ ብምቕጻል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን” ምስ ሓው ኸሊል መሓመድ ዓመር ኣቦ መንበር እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ሰላምን፡ ተራኺቡ። ሓው ኸሊል፡ በቲ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ኣቦ መንበር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብጻይ ስዩም ዑቝባሚካኤል እተሰምዖ መሪር ሓዘንን ናይ ጽንዓት መልእኽትን ድሕሪ ምግላጽ፤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ዘጋጠሞ ጽንኩር ኵነታት ሰጊሩ፡ ናብ ልሙድ ስርሓቱ ክኣቱ ምኽኣሉ ኣዝዩ ዘሐጕስንን ዘሐብንን ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኵነታት ኤርትራን፥ ንደምበ ተቓውሞ ዝምልከቱ ኣብ’ቲ ብ25 ሚያዝያ 2006 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ማእከለይ መሪሕነት ኪዳን ክዝረበሎም ዘለዎ ኣገደስቲ ጕዳያትን፡ ኣልዒሎም ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም። ሓው መሓመድ ዓምር፡ ኣብ መንጐ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ዝግበር ሓድነት፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝካየደ ዘሎ ቃልስታት ዘሓይልን ንቕድሚት ዝደፍእን ሓደ ስጕምቲ ኢዩ ኢሉ።

ከምኡ ውን፡ ልኡኽና፡ ምስ ሓው ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ሓላፊ መደበር ሶይራ ንሰብኣዊ መሰላትን፤ ምስ ሓው ሓምድ ኣደም ሱሌማን፡ ገዲም ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤን ብዛዕባ ንደምበ ተቓውሞ ዝምልከቱ ሓፈሻዊ ጕዳያት ተመያይጡ። ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ውን በጺሑ።

ልኡኽ ውድብና፡ ብኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማርን፤ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮምን፤ ብኣካያዲ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤልን (ደጊጋ)፤ ብኣባል ሰውራዊ ባይቶን፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ካርቱምን፡ ሓው መሓመድ ኣደም ኣርትዓን ዝቖመ ኢዩ ነይሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ንህልዊ ኵነታት ኤርትራን ደምበ ተቓውሞን፤ ከምኡ ውን፡ ህዝቢ ንምልዕዓል እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብሉ ጕዳያት ዘትኰረ፡ ናይ ፍርቂ ሰዓት ቃለ-መሓትት ምስ ድምጺ ረድዮ ምብራቕ ኣካይዱ። እቲ ቃለ-ምልልስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክልተ ግዜ ተቓሊሑ።

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ኣካያዲ ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር፡ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘሎ ምዕባለታትን፤ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ዕድላት ናይ ዕብየትን ለውጥን ኣመልኪቱ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ኣልወጠን” ኣብ እተባህለ ጋዜጣ ናይ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣውጺኣቶ ምንባራ ይፍለጥ።

ካብ ዕለት 29-30 መጋቢት 2006 ከኣ፡ ካብ ኵሉ ኣብያተ-ጽሕፈት ተሓኤ ኣብ ሱዳን ዝመጹ ናይ ፖለቲካን ናይ ምምሕዳርን ላዕለዎት ካድራት ዝሳተፍዎ፡ ክልተ መዓልታት ዝወስድ ሰሚናር ንምክያድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኣቦ መንበርን ብጾቱ ኣባላት መሪሕነትን፡ ንዕለት 31 መጋቢት 2006 ናይ መላእ ኣባላት ጨንፈር ተሓኤ ኣብ ካርቱም ሓፈሻዊ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com