Nharnet Articles/Opinions

     

        

ሓጺር ዜና

                      Göteborg Sweden     21-05-2006

 

 

    እቲ ካብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ነጻ ዝኾነ ማሕበር ንምቛም  ኣብ ከተማ ጎተቦሪ        / Göteborg/ሃገር ሽወደን ብጉዱሳት ኤርትራውያን ዝተጸውዐ ኣኸባ ብዓወት ተሰላሲሉ።

 

 ከም’ቲ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ተዘርጊሑ ዝቐነየ ሓበሬታ መሰረት ትማሊ ቀዳም ግንቦት 20 2006 ዓ.ም ኣብ ከተማ ዮተቦርን ከባቢኣን ንዝቕመጥ ኤርትራዊ ዝጥርንፍ ስሙር ኤርትራዊ ማሕበር ንምቛም ዝተገብረ ኣኸባ ብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዝተሳተፍዎ ተሓቢሩ።

 

ኣብቲ ኣኸባ ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ መንእሰይ ጋዜጠኛ ኻሊድ ዓብዱን፡ ካልኦት መንእሰያትን ተረኺቦም ነቲ ኣኸባ ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃብዎ ኣብ ርእሲ ምርግጋጹ፡

ኣብቲ ኣኸባ ምቛም ናይቲ ማሕበር ዓቢ ኣገዳስነት ከም ዘሎዎ ተኣሚኑ፡ ንድፊ ቅዋም ናይቲ ማሕበር ንመጽናዕቲ ናብ ኩሎም ኣባላት ተዘርጊሑ ንኽትዕን፡ ምቛም ናይቲ ማሕበር ሕጋውነት ንምልባስን ኣኸባ ንዕለት 10 ሰነ 2006 ተወሲኑ ከም ዘሎ እቲ ዜና ኣሚቱ ኣሎ።

 

ብተወሳኺ ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኸባ ዋላኳ እቲ ጊዜ ሓጺር እንተነበረ መንእሰይ ጋዜጠኛ ኻሊድ ዓብዱ ኣገዳሲን እዋናውን ሓቤረታ ከምዝሃበ ኣብ ርእሲ ምርግጋጹ፡ ኣብቲ ኣኸባ እቲ ደኺመ ከይበለን ከይተሓለለን ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ ኢስያስ ይሳቕ

/ንእሽቶይ ሓዉ ንጋዜጠኛ ዳዊት ይሳቕ/ ተረኺቡ ንኣኸበኛታት ኣገዳሲ ሓቤረታ ከም ዘስነቐ ተረጋጊጹ።

 

ኩነታት ማሕበር ኣብ ዝተገብረ ኣኸባ ብቐጻሊ ክንሕብር ስለዝኾና ኣብ መርበባት                ኢንተርነታት ተኸታተሉ።


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com