እቲ ዝበኣሰ፡ ናይ ሞራል ቅልውላው ኢዩ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

20.05.2006

 

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ካብ ዝሓለፉ መዋእላት ብዝኸፍአ ንፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላዋት ተቓሊዑ ይርከብ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ማእሰርቲ፡ ዓዛብ፡ ስእነተ ስራሕ፡ ሕማም፡ ጥሜት፡ ስደትን ተነጽሎ ካብ ከባብን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ገለ ካብ’ዚ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ቅልውላት ኢዮም። ነዚ ቅልውላዋት’ዚ ዝፈጠረ፡ ግጉይ ፖሊሲታትን ኣመራርሓን ስርዓት ኢሳያስ እኳ እንተዀነ፡ ሃብቲ ሃገርን ስልጣንን ኣብ ኢዶም ስለዝዀነ፡ በዚ ቅልውላዋት’ዚ ኣይሳቐዩን ኢዮም ጥራሕ ዘይኰነስ ኣይትንከፉን ውን ኢዮም። ስርዓት ኢሳያስን እሙናትን ሕልና ዘይብሎም ኣገልገልቱን፡ ኣብ ውግእ ኣትዮም ኣይሞቱን ኣይቆስሉን፡ ኣይጠምዩን ኣይዓርቑን፡ ኣይእሰሩን ኣይቕጥቀጡን፡ ስራሕ ኣይስእኑን ኣይስደዱን። እንተሓሚሞም ውን ዋላ ኣብ ወጻኢ ከይዶም ዝፍወሰሉ ሃብቲ ኣለዎም። ስለዝዀነ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝብና ከም ሬሳ ጾር ኢዩ ኰይንዎ ዘሎ።

 

እታ ሓንቲ ሰበ-ስልጣን ኤርትራን መጋበርያታቶምን ብውሽጦም ዝሳቐዩላ፡ ግን ከኣ ዘይዛረቡላ ቅልውላው፡ ናይ ሞራል ቅልውላው ኢያ። ህዝቢ ክጠሚ ንሶም ጽጉባት፡ ህዝቢ ክዓርቕ ንሶም ክዱናት፡ ህዝቢ ክሓምም ንሶም ጥዑያት፡ ህዝቢ ክመውት ንሶም ውሑሳት፡ ህዝቢ ክደኪ ንሶም ክህብትሙ፡ ህዝቢ ክስደድ ንሶም ክጣየሱ እንከለዉ፡ ብውሽጦም ቅሱናት ኣይኰኑን። ሎሚ’ዶ ጽባሕ ህዝቢ ይለዓል’ሞ ይፍደየና ኣብ ዝብል ቀጻሊ ስግኣት ኢዮም ዝነብሩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም፡ ንሓለዋ ህይወቶም ክብሉ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣብ ፍርያም ዘይኰነ ናይ ጸጥታን ስለላን ናይ ፕሮፓጋንዳን ስርሓት ከባኽኑ ዝርኣዩ። እቲ ካብ ኵሉ ዘገርም ከኣ፡ እዞም ሕጂ ስልጣን ጨቢጦም፡ ንህዝቢ ድከቱ ዘስትይዎ ዘለዉ መራሕቲ፤ ትማሊ ትማሊ፡ ንሕና ምእንታኻ ዝወጻእና፡ ንናጽነትካን ማዕርነትካን ብልጽግናኻን እንቃለስ ተጋደልቲ ደቅኻ ኢና እናበሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝምሕሉን ዝጥሕሉን ዝነበሩ ናይ ሓሶት ሃዋርያት ምንባሮም ኢዩ። ናጻ መውጽኢ ኢየ ኢልካ ተበጊስካ፡ ተመሊስካ ገዛእን ጨፍጫፍን ክትከውን ክንደይ ኮን ይሓስም? ካብ’ዚ ዝኸፍእ ወይ ዝብእስ ሞራላዊ ቅልውላው’ከ ይህሉ’ዶ ኾን?

 

ስርዓት ኢሳያስ፡ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ይኸፍእ ከምዝብሃል፡ ካብ’ዚ ሞራላዊ ቅልውላዋት’ዚ ንምውጻእ ክብል ኣብ ካልእ ዘሕንኽ ቅልውላዋት ክንቈት ኢዩ ዝርአ። “ናታ ገዲፋስ ናይ እንዳማታ” ከምዝብሃል፡ ማእለያ ዘይብሎም ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን ናይ እምነትን እሱራት ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ዳጕኑ ከብቅዕ፡ ንመንግስታት ጐረባብቲ ሃገራት ኣሲረን ኢሉ ክኸስስ፤ ኣብ ኤርትራ ዋላ ውን ንጨና እትኸውን ናጻ ጋዜጣ ዘየላ ክነሳ፡ ንጐረባብቲ መንግስታት ንናጽነት ናይ ፕረስ ዓፊነን ኢሉ ከውሪ፤ ኣብ ሃገሩ ዲሞክራሲ ከይነግስ ስኑ ነኺሱ እናተዋግኦ እንከሎ፡ ንመንግስታት ጐረባብቲ ሃገራት ብጸረ-ዲሞክራስያውነት ከኸስስ፡ ኣብ ሃገሩ ምርጫታት ከይግበር ከልኪሉ እንከሎ፡ ምርጫ ኣብ ጐረባብቲ ተደናጊሩ ኢሉ ወግሐ-ጸብሐ ክግዕር፤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድኽነትን ሕማምን ድንቍርናን ስደትን እናተሳቐየ እንከሎ፡ ሃገርና ትምዕብል ኣላ ዝብል ናይ ሓሶት መልእኽቲ ብዜና ማዕከናቱ ከመሓላልፍ ይርአን ይስማዕን ኣሎ።

 

እቲ ሓቂ ግን፡ እዚ ሞራላዊ ቅልውላው’ዚ፡ ጽርግያታትን መስኖታትን ብምስራሕ ይኹን፤ ብዓውዓውታን ምድኻርን ኮቦር ምህራምን ክዕረ ወይ ክሕደስ ከምዘይክእል ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ኣቦታትና፡ ነዚ ስለዝተረድኡ ኢዮም “ሓቂ ተዛሪብካስ፡ ኣብ መገዲ ባቡር ደቅስ” ዝበሉ። ብውሽጥኻ ሕማቕ እናተሰምዓካ፡ ትሑሱን ተደናግርን ከምዘሎኻ እናፈለጥካ፡ ጽቡቕ ኣሎና፡ ንምዕብል ኣሎና ምባል ሕማምካ ምሕባእ እንተዘይኰይኑ፥ ሕማምካ ምፍዋስ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ክልተ ዝመለኰቱ ባህርያት ሒዝካ፡ ንሃገርን ህዝብን ምምራሕ ወይ ምድሓን ኣይከኣልን ኢዩ። እዚስ፡ ንሂትለር ውን ኣየድሓኖን። ብስም ዴስነት ፋሽስታዊ ስርዓት ተኺሉ። ብስም ህዝቢ ሃገራት ወሪሩ። ካብ ዝወረሮ ሃገራት ብዝዘመቶ ሃብቲ ኣብ ሃገሩ ጽርግያታትን መገዲ ባቡራትን ሃኒጹ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ንሃገሩን ንህዝቡን ለኪሙ፡ ሕማቕ ስም ኣትሪፉ’ዩ ጠፊኡ። ሰዓብቱን መጋበርያታቱን ድማ፡ ብዝፈጸምዎ ኢሞራላዊ ተግባራት መእተዊኦም ጠፊእዎም ክሳዕ ሕጂ ይህደኑን ይፍረዱን ኢዮም ዘለዉ።

 

እዚ ናይ ህዝብን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ቍጥዐ’ዚ፡ ኣብ በዓል ሂትለር ጥራሕ ተወሲኑ ኣይተረፈን። ንበዓል ኣጉስቶ ፒኖቸ፡ ናይ ቺለ፥ ስሎባን ሚሎዞቪች ናይ ዩጎስላቭያ፥ ቻርለስ ተይለር፡ ናይ ላይበርያ፥ ሳዳም ሑሴን ናይ ዒራቕ ዝኣመሰሉ መለኽቲ ውን ኣርኪቡሎም ኣሎ። ዕጫ መንግስቱ ሃይለማርያምን ሑሴን ሃብረን ውን፡ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ፡ ካብ’ዚ ዝተፈልየ ኣይክኸውንን ኢዩ።

 

“ዘየተሓድር ኣየማሲ” ኢዩ ነገሩ እሞ፡ እቶም ብግዝያዊ ረብሓ ተታሊሎም ኣብ ጐድኒ’ዚ ነባሪ ዘይኰነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደው ኢሎም ዝከላኸልሉን፤ ንግናይ ተግባራቱ ከጸባብቑ ዝፍትኑን፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም በደል ዝፍጽሙን ዘለዉ ዜጋታት፡ ውሕጅ ከይመጾም መገዶም እንተጸረጉ ዝሐሸ ኢዩ።

 

ብኻልእ ሸነኽ ውን፡ ብሞራላዊ ቅልውላው እተጠቕዕ ስርዓት፡ ስምዒታቱ ካብ ህሞት ናብ ህሞት ስለዝቀያየር፤ ጽባሕ እንታይ ይገብር ክትግምት ኣይከኣልን ኢዩ። ትማሊ ፈተውቱ ዝነበሩ፡ ሎሚ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ጸላእቱ ክገብሮም ኣይእግሞን ኢዩ። ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ኰይኖም ክሳዕ ናጽነት እተቓለሱ መራሕቲ ዝወሰዶ ናይ ማእሰርቲ ስጕምቲ፤ ምስ የመንን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኸፈቶ ውግኣት፤ ኣብ ልዕሊ ለገስቲ ረዲኤት ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምስዳድ ስጕምቲ፤ ልዕሊ ኵሉ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ጭካኔ፡ ጭቡጣት መርኣያ ናይ ሞራላዊ ቅልውላዋቱ ኢዮም።

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com