|
||
|
ንዉጉኣ ሓርነትን ተመሃሮ ወዲ ሸሪፈይን ዝተገብረልና ሓገዝ ነመስግን
ኣብ ሕዳር 11, 2006 ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበርን ኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ንኣካለ ጽጉማን ኣብ ከሰላ ዝርከቡን ንተመሃሮ ኣብ ወዲ ሸሪፈይን ንምሕጋዝ ናይ ድራር ምሸት ኣዳልዩ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምዕዋት ብርክት ዝበሉ ሓርበኛታትን ግዱሳት ኤርትራውያን ተረኺቦም ገንዘባዊን ሞራላውን ደገፋቶም ኣወፊዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ነዚ ዕድል ተጠቒሞም ንኣሳናደውቲ ናይዚ ናይ ወፈያ ምሸት ምስጋናኦም ድሕሪ ምቕራብ ንዉጉኣት ሓርነት ምሕብሓብን ምክንኻንን ሓላፍነት ናይ ኤርራርዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበርን ሰውራዊ ባይቶን ጥራይ ዘይኮነስ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝኾነ ገሊጾም። እቲ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ናይ ሓርነት ቃልሲ ማእለያ ዘይብሉ ሂወት መንእሰያት ከም ዝወሰደ ኣብ ታሪኽ ዝተመዝገበ ኢዩ። ብኡ መጠን ከኣ ኣካላቶም ዝሰንከሉን ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉን ኣብ መዓልታዊ ሂወቶም ኩለንተናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ኣብ ናይ ሓርነት ውግኣት ዝሰንከሉ ብዙሓት ኢዮም። ኩሉቲ ንሕና ከም ዉሁብ እንወስዶ ከም ምምጋብ፡ ኣካላት ምሕጻብ፡ ምንቅስቓስ፡ ክዳንካ ምኽዳን ፡ …ወዘተ መዓልታዊ ሓገዛትን ሕክምናን ዘድልዮም ምዃኑ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ነዚ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ስለ ዘየሎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ኩሉቲ ክህልዋ ዝኽእል ምጣኔ ሃብታዊ ሕጽረታት ንጠለባቶም ንምምላእ ከይተሓለለት ኣገልግሎታ ከተወፊ ጸኒሓን ኣላን።
ሃገራዊ ናጽነት ምስ ተረጋገጸ ከምቶም ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክልተ ሰለስት ዝኾኑ ኣካለ ጽጉማን ውጉኣት ሓርነት ናይ ሽዑ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዛት ይገብረልና ይኸውን ዝብል ተስፋ ኣሕዲሮም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም። እንተኾነ ግን ብ1994 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ማይ ሓባር ዝነበሩ ኣካላ ጽጉማን ዝተፈጸመ ግፍዓዊ ስጉምቲ ተስፋ ቆሪጾም ከም እንደገና ንሱዳን ናብ ስደት ተመሊሶም ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ይሕብሓቡ ኣለዉ።
በዚ መልእኽቲዚ ከነመሓላልፎ እንደሊ ብመጀመሪያ ነቶም ኣብቲ ናይ ድራር ናይ ሓገዝ ምሸት ተረኺቦም ገንዘባዊን ሞራላዊን ደገፋት ዝለገሱልናን ከምኡ ውን ሓላፍነታዊ ጉቡኦም ዝገልጹልና ዓቢ ምስጋናና ነቕርብ። ቀጺሉ ከኣ ነዞም ናይ ውግእ ሓርነት ኣካለ ጽጉማን ምሕጋዝ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ከምዝኾነ እናዘኻኸርና ሓገዛትኩም ከተወፍዩ ንጽውዕ። ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ካብ ናይ ሓደ ውድብ መደብ ነጻ ዝኾነ ብቐጥታ ናብቶም ውጉኣት ሓርነት ዝለኣኽ ናይ ሓገዝ ውጽኢት መደብ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ነተባብዕ።
ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ነጻ ዘይመኽሰባዊ ትካል ኮይኑ ናብ ኣካለ ጽጉማን ዝለኣኽ ሓገዛት ብዘይ ወዓል ሕደር ክልእከልኩም ከም ዝኽእል ነፍልጥ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እዚ ማሕበርዚ 25 ዊልቸይርን (wheel chairs) ክዳውንትን ሰዲዱሎም።
ከም እንደገና ብዙሕ ነመስግን ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ሰውራዊ ባይቶ ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|