|
ጨንፈር
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቶም፡
ንሰበስልጣን
ዝቐርብ መዘክር ኣዳልዩ ኣሎ
ቤት ጽሕፈት
ዜና
ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን
21.11.2006
ብ7
ኣባላት ዝውከል ጨንፈር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም፡ ኣብ ዕለት 19 ሕዳር 2006 ኣብ ዘካየዶ
ኣኼባ፡ ኣብ ካርቱም ብዘይ ናይ መንነት ወረቐት ናይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘላቒ መፍትሒ ክግበረሉ ዝጠልብ
መዘክር፡ ናብ ሰብ ስልጣን ካርቱም ኣቕሪቦም ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ
መዘክር፡ ሱዳናውያን ሰበ-ስልጣን ነቶም ስደተኛታት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህብዎም ዝጠልብ ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ፡
ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብሰላም ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክነብርሉ ዘኽእል ዕድል ስለዘይብሎም’ዩ።
በዚ ካብ ዕለት 15 ሕዳር ዝጀመረ ግፋ’ዚ ተተንኪፎም ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ሰለስተ ክኽፈሉ ይኽእሉ።
-
ኣብ ሱዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ተቐሚጦም ክነሶም፡ ኣብ’ቲ ብኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ናይ
ዑቝባ ምጽራይ መስርሕ ተቐባልነት ዘይረኸቡ፤
-
ኣብ ኪሎ ስታ ዎዕሽሪን (ኪሎ 26) ከም ስደተኛታት እተመዝገቡ። ግን፡ ኣብኡ ናይ ምንባር መሳለጢታት
ስለዘየዕገቦም ብኢደ ወነኖም ናብ ካርቱም ዝኣተዉ፤
-
ብዘይ ናይ መንበሪ ፍቓድ፡ ናብ ካርቱም ኣትዮም ናይ ዑቝባ ጠለብ ዝሓቱ ዝዀነ ይኹን ናይ መንበሪ ሰነድ
ዘይብሎም ስደተኛታት ኢዮም።
ጨንፈር
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ካርቱም ነቲ ክሳዕ መወዳእታ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ክቕጽል’ዩ ተባሂሉ ዝስማዕ ዘሎ ናይ
ግፋ መስርሕ ገምጊሙ። እዚ ግፋ’ዚ ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ግብጻውያንን ጫዳውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን
ኣስያውያንን ዘጠቓለለ ምዃኑ ውን ርእዩ። ኣብ’ተን ቀዳሞት ሰለስተ ናይ ግፋ መዓልታት ክሳዕ 900 ዝዀኑ
ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ከኣ ካብ ጂረፍን ከላክላን ተገፊፎም ምንባሮም ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ኣብ ካርቱም ናይ
መንበሪ ሰነድ ዘለዎም ስደተኛታት ብኡ ንብኡ ከምዝተፈትሑ፤ ነቶም ናይ ኪሎ 26 ናይ ስደተኛታት ሰነድ ዘለዎም ድማ፡
ናብ ቦታኦም ክምለሱ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ከምዝሓበርዎም፤ ነቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ግን ጌና ሒዞምዎም
ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።
እቶም
ኣብ’ቲ ግፋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ፖሊስ ናይ’ታ ሃገር ነቲ በቲ ኵነታት’ዚ ዝኣከብዎ ስደተኛ ብዙሕ ከምዘየጋፍዑን፤
ቅድሚ ሕጂ ካብ እተራእየ ግፋታት ዝሓሸ ኣገባብ ከምዝተኸተሉን ውን ተረጋጊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ነቶም ጌና ሒዞምዎም
ዘለዉ ስደተኛታት፡ ናብ ሃገሮም ክመልስዎም ከምዘይኰኑ ተመባጺዖም ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
|