|

ባሕቲ
ታሕሳስ መዓልቲ ስዉኣት ሓርነት ኤርትራ
ንሓርነት ኣገልግሎት ካብ ትህብ ጀሚራ ነፍሲ ወከፍ ባሕቲ ታሕሳስ ብዓል ሰማእታት ሓርነት ኤርትራ ከም ዘብዓለቶ
ዝዝከር እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ድማ ካብ 1982 ጀሚራ በዓል ስውኣት ኣብ ባሕቲ ታሕሳስ
ከተብዕሎ ከም ዝጸንሓት ንኹሉ ብሩህ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሓርነት ብዕላዊ ውድባዊ ልሳንን መሪሕነትን
ብክፍሊ ፈነዋ ረድዮን ብጋንታ ንሓርነትን ኣቢሉ ዝቐረበ ባሕቲ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ስዉኣት ዝተመርጸትሉ ምኽንያት
ብሰፊሑ መግለጺ ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ግዱስ ኣንባቢ ኩሉ መዓልቲ ስዉኣት ብቋንቋ እንግሊዝ ብምፍታሽ (search)
ንዝሓለፈ ጽሑፋት ክርኢ ይኽእል።
ብሓጺሩ ግን እቲ ንነጻነትን ሓርነትን ዝተኻየደ ቃልሲ ብተግባር ህዝባዊ ቃልሲ ብምንባሩ እታ ኣብ ከባቢ ከተማ ከረን
እትርከብ ዖና ህዝባ ብደምዳሚ ጃምላ ብጸላኢ ዝሃለቐሉ መዓልቲ ናይ ስዉኣትና መዘክር ምዓልቲ ኮይና ክትብዕል ተጋድሎ
ሓርነት ኢርትራ ሰውራዊ ባይቶ ወሲናን ብተግባር ኣኽቢራቶን። እዚ ሓሳብን ተግባርን እዚ ምስቲ ኮራኩር ኢሳያስ
ንህዝብና ከም ኣብ ኣዳራሽ ኮፍ ኣቢሎም ንሳቶም ተቓሊሶም ዝተኾብሉ ከደርዕዎ ክርኤ እንከሎ እቲ ናይ ቃልሲ ህዝብና
ኣኽብሮትን ኣብ ናይ ነጻነት ቃልሲ ምስ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ በሪሁ ይርኤ። ብተራ ኣዘራርባ
ኸኣ ንሳቶም ንሕና ነጻነት ኣምጺእናያ፣እዞም ጀጋኑ ጀነራላት ነጻነት ኣምጼእሙልካ ክብልዎ እነከለዉ ስውራዊ ባይቶ
ግን እቲ ናይ ነጻነት ቃልሲ ብህዝቢ ዝተኻየደ ስለዝኾነ ተቓሊሱ ደኣ ሃገሩ ኣፍሊጡ እምበር ዝተኾበሉ የለን ዝብል
ራእይ ይሕዝ። እንተ እቲ ሓርነት ግን ሕልሚ ኮይኑ ስለዝተረፈ ጋህዲ ንምግባሩ ገና ይቃለስ ኣሎ።
እንተ
ኣየናይ መዓልቲ ዝኽረ ስዉኣት ኮይና ትውዕል እቲ በዓል ንኩሎም ተቓለስቲ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ጎቦታትን
ህይውቶም ዝወፈዩ ክሳዕ ዝዘከረን ዘኽበረን ብዙሕ ዘዋጥጥ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ህዝብና ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ
ዝተመርጹ ወከልቱ ይኹን ካልእ ኣገባብ ርእይትኡ ብዝህበሉ ኣገባብ ስዉኣቱ ዝዝክረሉን ዘኽብረሉን መዓልቲ ክመርጽ
መሰሉ እዩ። እዚ ኣገባብ ክሳዕ ዝተታሕዘ ኸኣ ሰውራዊ ባይቶ ነዚ መዓልቲ ዚ በቲ ሃገራዊ ናይ ስዉኣት በዓል
ክትክኦ ዝጽግም ጉዳይ ኣይኮነን። ክሳዕ ሽዑ ግን ባሕቲ ታሕሳስ ከነብዕላ ክንቅጽል ኢና።
ኣብዚ
መዓልቲ ስዉኣት ከነብዕልን ንጀጋኑ ስዉኣትና ከንሞግስን እንከለና
ን
እቲ ንሳቶም ዝሓለፍሉ ቅዱስ ዕላማ ብምዝካር ካብ ናይ ኩሉ ህዝብና መሰልን ማዕርነትን ቅሳነትን ዘምጽእን ሃገራዊ
ልዑላውነትን ሓድነትን ዘኽብርን ዴሞክራስያዊ ዕላማ ኣብ ምትግባር ከነተኩር ይግባእ። ጎናውን ካልኣዊ ብዝኾኑ
ነገራት እንዳኣልዓልካ ነቲ ክቡር ህይውቶም ዝወፈይሉ ቅዱስ ሓርነታዊ ዕላማ ምድንጓይ ክንውግድ ይግባኣና።
እዚ
መሰረት ብምግባር እምበኣር እነሆ ዝተፈላለዩ ናይ ስዉኣት ሙዚቃታት ሒዝናልኩም ንቐርብ፡
ጋንታ
ንሓርነት |