|
ንህዝብና
ተስፋ ዝሰኵዕ፡ ድልዱል ሰልፊ ንምምስራት ሓቢርና ንበገስ
ቤት ጽሕፈት
ዚናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
06.11.2006
ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለ፡
ካብ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝበቖለ ናይ ወተሃደራውን ጸጥታውን ቢሮክራስያዊ ናይ ተጋደልቲ ጕጅለ ኢዩ። እዚ ብስም
ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ስልጣን ዝጨበጠ ጕጅለ’ዚ፡ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ብዘይ ህዝባዊ ምርጫን፡ ብዘይ ዝዀነ
ይኹን ሕጋዊ ናይ ስልጣን ገደብን ክገዝእ ይርከብ ኣሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ኣብ ስልጣን ፈጺሙ
የለን። ብግብሪ፡ ህዝቢ ከም መሳርሒ ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለ ኰይኑ’ዩ ዝውሰድ። ነቲ ስርዓት ንምጽብባቕ
ተባሂሉ፡ ፍርቁ ብተጋደልቲ ነበር፡ ፍርቁ ድማ ደገፍቲ ናይ’ቲ ስልጣን ብዝዀኑ በርገሳውያን ዝቖመ ፓርላማ ኣሎ።
እንተዀነ ግን፡ ናይ ሓጋጊ ስልጣን ዘለዎ ፓርላማ ኣይኰነን። ናይ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ስልጣን ኣብ ኢድ
ፕረሲደንት ኢሳያስ ኢዩ።
ሃብትን ጸጋን ናይ’ታ ሃገር ውን፡ በዚ
ጕጅለ’ዚ ኢዩ ዝውነን። ኵሎም፡ ከም መሬት፡ ፋብሪካታት፡ ኩባንያታት፡ ናይ ኣታውን ወጻእን ንግድ ዝኣመሰሉ ናይ
ማእቶት ምንጪታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እቲ ስልጣን ዝውነኖም ኢዮም። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ
ጕጅለ፡ ንነብሱ ደኣ’ምበር፡ ንሃብታማት ይኹን ንድኻታት ደርብታት ዝውክል ስልጣን ኣይኰነን።
ህዝቢ ንምርዓም ዝግልገለሉ ስነ-ሓሳብ
ከኣ፡ “ኵሉ ጸላኢና’ዩ፡ ኵሉ’ዩ ዝቀንኣልና፡ ርእስና ክንክእል ኣሎና” ኣብ ዝብል ዝተመርኰሰ ናይ ሓሶት
ሃገራውነትን፤ ዘይተኣደነ መስዋእትን ጽንዓትን ተወፋይነትን ዝጠልብ ናይ ልምዓት ጭርሖታትን ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡
ኣብ ሃገርና፡ ባርነት ከም ናይ ልምዓት ጐደና ዝተወስደሉ ሃለዋት ኢዩ ሰፊኑ ዘሎ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ልምዓት ቅድሚ
ዲሞክራሲ ዝብል መርሆ’ዩ ዝኽተል። ስለ’ዚ ውን’ዩ፡ ተምሃራይ ካብ ትምህርቱ፡ ሓረስታይ ካብ መሬቱን ጥሪቱን፡
ሰራሕተኛ ካብ ኣብያተ-ዕዮታቱ ተመንዚዑ፡ ኣብ ውትህድርና ክዕስከርን፡ ኣብ’ቲ ብ”ልምዓት” ዝጽዋዕ መደባት ናይ’ቲ
ስርዓት ተቖሪኑ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ረብሓ ክበልን ዝርከብ ዘሎ።
እቲ ስርዓት፡ ጸረ ኵሉ ዓይነት
ናጽነታት ኢዩ። ናይ ምጽሓፍ፡ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ እምነት፡ ምንቅስቓስ ...ወዘተ ናጽነታት የለን። እዚ ጥራሕ
ዘይኰነ፡ ከም ኵሎም ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ወይ ነውጺ ከይርአ፡ ኵሉ ዝከኣሎ ናይ ምርዓድን
ጭቆናን ኣገባባትን መሳርሒታትን ይጥቀም። ንዕኡ ዘገድሶ፡ ህዝቢ ይረብሕ ኣሎ’ዶ ኣይኰነን ዘይኰነስ፥ ህዝቢ ሰጥ ለጥ
ኢሉ ምኻዱን ዘይምኻዱን ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብ’ታ ሃገር ርግኣት ሰፊኑ ዘሎ መሲሉ ይርአ። እዚ ግን ምስላዊ
ርግኣት፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ክፍንጀር ዝኽእል ርግኣት ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን። ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ስርዓታት
ዝነበራ ሃገራትን ኣብ ዒራቕን ዝተጋህደ ምዕባለታት፡ እኹል ምስክርነት ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓቂታት ኢዩ።
ራእይ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ስልጣን
ምንባር ጥራሕ’ዩ። ኣብ ስልጣን ንምንባር ከኣ፡ ኵሉ ኣሎ ዝበሃል ሓሶታትን ናይ ምድንጋር ኣገባባትን ምጥቃምን፥
ቅሳነት ዘይህብ ውግእን ወረ ውግእን ምምሃዝን ኢዩ።
ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ራእይን
ፖሊሲታትን’ዚ፡ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ስምዒታት ነጊሱ፡ ድኽነት ከም ሳዕሪ ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ፡ ስደት ናይ’ቶም ንሃገርና
ክሃንጽዋን ከሰልጥንዋን ትጽቢት ዝግበረሎም ዝነበረ መንእሰያት ድማ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዛየደ ክኸይድ ይርአ
ኣሎ።
ቃልስና እምበኣር፡ ነዚ መጻኢ ዕድሉ
ሓርቢትዎን ጸልሚትዎን ዘሎ ህዝብና ተስፋ ምስኳዕ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ብሓድነት ናይ’ቶም ጸረ’ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት
ዝቃለሱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ናይ ህዝብናን ጥራሕ’ዩ ዝረጋገጽ። ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል
ድልዱል ሓይሊ ምፍጣር፡ ንጽባሕ ዘይብሃል ቀዳምነት ክውሃቦ ዘለዎ እዋናዊ ዕማም’ዩ። ስለ’ዚ ውን’ዩ፡ 6ይ ጠቕላላ
ሃገራዊ ጕባኤ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ዝተመሳሰለ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ጕጅለታትን
ውልቀሰባትን ሓደ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ክምስርቱ ዝጸውዐ። ኤርትራውያን ምሁራትን መንእሰያትን
ፖለቲካውያን ሓይልታትን ውን፡ ነዚ ጻውዒት’ዚ ኣዎንታዊ ዝዀነ መልሲ’ዮም ክህብሉ ዝስምዑ ዘለዉ። ኣብ ፍራንክፈርት፡
ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራስን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ብ23 ጥቅምቲ እተኻየደ ናይ ህዝቢ
ኣኼባ፡ ናይ ህዝብና ናይ ቃልሲ ንያት ዘበራበረ ምዃኑ ድማ፡ ጭቡጥ ምስክርነት ኢዩ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም መጋበርያታትን
ዕሱባትን ናይ’ቲ ስርዓትን፤ ኣብ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ዘይምጥርናፍን ድኻምን ውልቃዊ ረብሓታት ዘለዎም ብለውጢ
ዝፈርሑ ሸነኻትን ዓቕሎም ጸቢብዎም ኣብ ናይ ጸለመ ስርሓት ተዋፊሮም ዝቐነዩ።
እቲ እንምስርቶ ሰልፊ፡ ብሰንጣቕ
ጸረ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ራእይን ረብሓን ስነሓሳብን ስነ-ምግባርን ክኸውን ከምዘለዎ ዘካትዕ ኣይኰነን። እቲ
ዝምስረት ሓድሽ ሰልፊ፡ ንስልጣን ናብ ዋናኡ ዝዀነ ህዝቢ ዝመልስ፥ ንተሳትፎ ናይ ህዝቢ ዘዕዝዝ ፖሊሲታት ብቐጻልነት
ዝኽተል፡ ንምንጪታት ማእቶት ዝዀኑ፡ መሬትን ፋብሪካታትን ኩባንያታትን ናይ ንግዲ ትካላትን ኣብ ኢድ ዋንነት ናይ
ዜጋታት ዘጽንዕ፥ ንመነባብሮ ናይ’ቶም ዝተረስዑን ድኻታትን ድኹማትን ክፍልታት ናይ ሕብረተ-ሰብና ንምምሕያሽ
ዝቃለስ፥ ትምህርቲ፡ መተካእታ ዘይብሉ ናይ ስልጣኔ ጐደና ምዃኑ ዝኣምን ሰልፊ ክኸውን ኣለዎ።
ራእይኡ
ድማ፡ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ብልጽግናን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽን፤ ስልጣን ብህዝቢ ዝውሃብን ዝሰዓርን
ሓላፍነት ምዃኑ ኣሚኑ፡ ንስዕረቱ ኣሜን ኢሉ ብምቕባል ስልጣኑ ንህዝቢ ብሰላም ዘረክብን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ
ርእሲ’ዚ፡ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ምውዳብን ናይ እምነትን ኣምልኾን ናይ ምቅዋምን መሰላት ዘኽብርን፤ ንሰናይ
ጕርብትና ዝሰርሕን፥ ንኣህጕራዊ ስምምዓትን ሕግታትን ዝምእዘዝን ሰልፊ ክኸውን ይግብኦ።
|