|
ኣብ ዝሓለፈ
ወርሒ ጥቅምቲ፡
304
ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቝባ ሓቲቶም
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
29.11.2006
304
ዑቝባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራሕ ኣብ ስዊዘርላንድ ከምዝኣተዉን፤ ኣብ ነፍስወከፍ ወርሒ
ውን ቍጽሮም እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉን፡ ናይ’ቲ ሃገር’ቲ ጋዜጣታት፡ ካብ ሰበ-ስልጣን ስዊዘርላንድ ዝረኸብኦ
ሓበሬታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓምድታተን ኣስፊረን ነይረን። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ስዊዘርላንድ ካብ ዝኣተዉ
1,230 ዑቝባ ሓተትቲ፡ ብብዝሒ ደረጃ፡ ኤርትራውያን (304) ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ሰርብያውያን (140) ኣብ
ካልኣይ ደረጃ፡ ዒራቓውያን (117) ድማ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከምዝርከቡ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሰበስልጣን ስደተኛታት ኣብ ስዊስ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2006 ኣብ ዝገበርዎ ምጽራይ ናይ 812 ዝዀነ ካብ ዝተፈላለያ
ሃገራት ዝመጹ ዑቝባ ሓተትቲ 190 ተቐባልነት ክረኽቡ እንከለዉ፡ ካብኦም
60 ኤርትራውያን ኢዮም።
ኣብ
መስከረም ስዊዘርላንዳውያን ኣብ ዘካየድዎ ሪፈረንደም፡ ንስደተኛታት ናይ ምቕባል ኵነት ክጽንክር ኣለዎ ዝብል
ድምጺ’ዩ ከምዝተዓወተ ዝዝከር’ዩ። ምስ’ዚ ግን፡ ንመደብ ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ
ነጺጎም ንዝመጹ ኤርትራውያን፡ ካብ ሕልናዊ መበገሲታት ዑቝባ ክህቡ ከምዝተሰማማዑ ዝፍለጥ ኢዩ።
|