|
መራሒ ምንቅስቓስ
ማዕርነት ፍትሕን ዳርፉር ኣብ ኣስመራ ተኣሲሩ
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
14.11.2006
“ኣልሱዳኒ” እተባህለ፡ ኣብ ሱዳን
ዝሕተም ጋዜጣ፡ ኣብ ናይ 12.11.2006 ሕታሙ፡ ሓደ ካብ’ቶም ንስምምዕ ኣቡጃ ዘይኸተሙ፡ ምንቅስቓስ ንማዕርነትን
ፍትሕን እተባህለ ተቓዋሚ ውድብ ዳርፉር፥ 2ይ ውድባዊ ጕባኤኡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዕለት 20-25 ሕዳር 2006
ከካይድ ምዃኑ ጸብጺቡ ነይሩ።
ስዒቡ፡ ዓብደልዋሕ መሓመድ ኑር፡ ኣቦ
መንበር ምንቅስቓስ ንማዕርነትን ፍትሕን፡ ናብ ኢጣልያ ንምብጻሕ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንከሎ፡ ብሰበ-ስልጣን
ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝርከብ፡ መሓመድ ዓብደልከሪም እተባህለ፡ ናይ ሰብኣዊ ጕዳያት ሓላፊ ናይ’ቲ
ውድብ ኣቃሊዑ።
እቲ ምንጪ፡ መንግስቲ ኢሳያስ፡ ምስ
መንግስቲ ሱዳን ዝምድናኡ ድሕሪ ምምሕያሽ፡ ነቶም ናይ ኣቡጃ ስምምዕ ዘይተቐበሉ ተቓወምቲ ውድባት ዳርፉር ጸቕጥታት
ክገብረሎም ከምዝጸንሐ ሓቢሩ። ቀጺሉ፡ እዚ ጸቕጥታት’ዚ እንተደኣ ደው ዘይኢሉ፡ ንፈተውቶም ዝዀና መንግስታት ኣብ
ምዕራብ ክሕብሩ ምዃኖም፡ መሓመድ ዓብደልከሪም ኣፍሊጡ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ ግብጺ ዝርከቡ
ሰዓብቲ ምንቅስቓስ ንማዕርነትን ፍትሕን ዳርፉር፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምዃኖም ውን
ኣሚቱ።
|