ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ናይ ርግኣትን ብልጽግናን ጐደና ኢዩ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

18.11.2006

 

ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ብቐጥታ መተካእታ ናይ ምእኩል ምምሕዳር ኣይኰነን። እንታይ ደኣ፡ ነቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ስልጣን ምክፍፋልን ናብ ታሕተዎት ኣካላት (ኣውራጃታት፡ ወረዳታት፡ ከተማታት፡ ዓድታት) ከምዝወርድ ምግባርን ማለት ኢዩ። ስለዚ፡ ነንሓድሕዱ ዝመላላእ ኣገባብ ምምሕዳር ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ብደረጃ ቦታዊ ምምሕዳራት ንምስልሳሉ ዓቕሚ ዝሓጽር እንተደኣኰይኑ፡ ብደረጃ ማእከል ክሰላሰል ግድነት ይኸውን። ዘይምእኩል ምምሕዳር እምበኣርከስ፡ ብሓደ መዓልቲ፡ ወይ ብሓደ ወርሒ፡ ወይ ብሓደ ዓመት ዝዕወት መደብ ዘይኰነስ፤ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕላማ ኰይኑ፡ ስልጣን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ማእከል ናብ ጨናፍር እናተሰጋገረ ዝኸደሉ መስርሕ’ዩ። ከይዱ ከይዱ፡ ስልጣን ናይ ማእከላይ መንግስቲ እናጐደለ፡ ስልጣን ናይ ውልቀ ዜጋታት ከኣ እናዓበየ ዝኸደሉ መስርሕ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።

 

ኣብ ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ኣመሓደርትን ምምሕዳራዊ ትካላትን ኣብ ውሽጢ’ቲ ዘምሓድርዎ ህዝቢ ስለዝርከቡ፡ ኣብ መንጐ ህዝብን ምምሕዳርን ርሕቀት ኣይህሉን። እዚ ስለዝዀነ ከኣ፡ ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ንዝያዳ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ ዕድል ይኸስት። ከምኡ ውን፡ ቅልጡፍ ውሳኔታት ንምውሳድ ምቹእ ባይታ ይህሉ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣብ’ቲ ውሱን ቦታዊ ምምሕዳር፡ ዘሎ ባህሊ ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ንባህርያት ናይ’ቲ ዝውሰድ ውሳኔታትን ኣገባባትን ክጸልዎ ግድነት ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ግርጭታት ብዕርቅን ሽምግልናን ምፍታሕ፡ ውሳኔ ብሓባራዊ ምርድዳእ ምውሳድ፡ ብተራ ዓበይትን ለባማትን ምእማን …ወዘተ ኣካል ናይ’ቲ ቦታዊ ምምሕዳር ክዀኑ ምቹእ ባይታ ይህሉ ማለት ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ኣብ ሓደ ብብዙሕነት ናይ ሃይማኖት ብሄር ቀቢላ ባህሊ ዝልለ ሕብረተ-ሰብ ክህሉ ንዝኽእል ናይ ሕድሕድ ምጥርጣር መንፈስ ፈዊሱ፡ ምትእምማን ከሕድር ዝኽእል፤ ውሑዳት ክፍልታት ናይ ሕብረተ-ሰብ ኣብቶም ብዙሓት ዘለዎም ስግኣት ዘቃልል ወይ ዘልግስ፤ ንኵሉ ክፍልታት ናይ ሕብረተ-ሰብ ከከም ዓቕሙ ስልጣን ብምክፋል፡ ንመነባብሮኡን መጻኢ ዕድሉን ኣብ ምውሳን ዘሳትፍ ዓይነት ምምሕዳር ስለዝዀነ፡ እምነ-ኵርናዕ ናይ ሰላምን ርግኣትን ብልጽግናን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ኣብ ልዕል’ቲ ብማእከላይ መንግስቲ ብኽልቲኡ ዕላዊ ቋንቋታት ዝመሓለለፍ ናይ ረድዮን ተለቪዥንን መደብ፤ ዓቕሚ እንተደኣ ተረኺቡ፡ ነፍስወከፍ ኣውራጃ፡ በቲ ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ዝዛረበሉ ቋንቋታት ዝፍኖ ናይ ረድዮን ተለቪዝንን መደብ ክህልዎ ይከኣል’ዩ። በዚ ዝበዝሐ ክፋል ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ ክሕለወሉን፤ በዞም ናይ ዜና ማዕከናት እዚኣቶም ዝመሓለለፍ ፍልጠት ናይ ምቕሳምን ዕድል ክረክብን ዘኽእል ኢዩ።

 

እዚ እቲ ኣወንታታቱ ክኸውን እንከሎ፡ ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ልሙጽ ጸገም ዘይብሉ ዓይነት ምምሕዳር’ዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ናይ ኪኢላውን ቍጠባውን ዓቕሚ ዝሓትት ዓይነት ምምሕዳር’ዩ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ፡ ዘይተመጣጠነ ደረጃ ናይ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት፡ ኣብ ኵለን ኣውራጃታት፡ ዝርከብ ዝርግሐ ናይ ዓቕሚ ሰብ ይኹን ሃብቲ ሓደ ኣይኰነን። ኣብ ገለገለ ኣውራጃታት ድሓን ዝዀነ ዓቕሚ ሰብን ሃብትን ክህሉ እንከሎ፤ ኣብ ገለገለ ካልኦት ኣውራጃታት ግን፡ እዚ ዓቕሚ’ዚ ትሑት ወይ ውን ጠሪሱ ዘየለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ኵለን ኣውራጃታትን ወረዳታትን ፓርላማታት ወይ ባይቶታት፡ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብያተ-ሕክምና፡ ፋብሪካታት፡ ትሕተ-ቅርጻ …ወዘተ ክህሉ ምግባርን፤ ኣብ’ዚ ዝሰርሕ ክኢላዊ ሞያዊ ዓቕሚ ምርካብን፤ ነዚ ኪኢላዊ ዓቕሚ’ዚ ብቑዕ ደሞዝ ምኽፋልን ቀሊል ዕማም ኣይኰነን። ከምኡ ውን፡ ማእከላይ መንግስቲ፡ ንጸገማት ናይ’ቶም ድኻታትን ድኹማትን ዝተረስዑን ሸነኻት ናይ ሕብረተ-ሰብና ከቃልልን፥ ነቶም ብድሕረት ዝተጠቕዑ ክፍልታት ናይ ሃገርና ከማዕብልን ሓላፍነቱ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኰነን። ብፍላይ ድማ ኣብ መዳይ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ዝግደደሉ ኵነታት ከጋጥም ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። መንግስቲ፡ ናውቲ ማእቶት ደኣሉ ክውንን ዘይብሉ እምበር፡ ሃብቲ ሃገር ብግቡእ ኣብ ምምቕራሕ፡ ብቀረጽ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ምውዓል ግደ ክህልዎ ከምዝግባእ ምግንዛብ የድሊ። እዚ ዕማም’ዚ ንገዛእ ርእሱ ፍልጠትን ተመኵሮን ዝሓትት ኢዩ። ዋላ፡ ኣብ’ቶም ምዕቡላት ዝብሃሉ ሃገራት ኣውሮጳ ውን እንተዀነ፡ ተለኮሚኒከሽን፡ ፖስታ፡ መብራህቲ፡ ናይ ባቡር መጓዓዝያ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት፡ ክሳዕ መጀመርያ ተስዓታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ኣብ ኢድ ማእከላይ መንግስቲ ኢዮም ጸኒሖም። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ዕማም ቦታውን ማእከላውን ስልጣን ተማላላኢ ደኣ’ምበር ተተኻኻኢ ከምዘይኰነ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ቀስ ብቐስ፡ ምስ ምዕባለ፥ ግደ መንግስቲ እናነከየ፡ ግደ ዜጋታት (empowerment of people) ድማ እናዓበየ ክኸይድ ከምዘለዎ ግን፡ ዝከሓድ ኣይኰነን።

 

ብዘይ ምትሕብባር ናይ መንግስትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቃውያን ሰብ ርእሰ-ማልን ዕማማት ናይ ዘይምእኩል ምምሕዳር ብዓወት ክሰላሰሉ ኣይክእሉ ኢዮም። ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ዝግበር ቍጽጽር ንምሕያል፡ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ክብ ክብል ኣለዎ። ከምኡ ውን፡ ብዘይ ተሳትፎ ናይ ህዝቢ፡ መንግስታት ወይ ምምሕዳራት ንበይነን ብቑዕ ኣገልግሎት ክህባ ኣይክእላን ኢየን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ መንጐ መንግስታውን ብሓታውን ጽላታት (sectors) ልዝብን ምትሕብባርን ክህሉ ክብ ዝበለ ተደላዪነት ኣለዎ።

 

ግሎባላይዘሽን፡ ንናይ ምውሳን ስልጣን፡ ካብ ቦታውን ሃገራውን ክልታት መንጢሉ፡ ንሓያላት ኣህጕራዊ ፖለቲካውን ቍጠባውን ትካላት ዘረክብ ስለዝዀነ፡ ጸረ ዘይምእኩል ምምሕዳር ኢዩ። ዘይምእኩል ምምሕዳር ግን፡ ሓውሲ ውሽጣዊ ምምሕዳር (semi-autonomous regions) ውሽጣዊ ምምሕዳር (autonomous regions) ርእሰን ዝኸኣላ ፈደራላዊ መንግስታትን (states) ከጠቓልል ዝኽእል ዓይነት ምምሕዳር ስለዝዀነ፡  ጸረ ሃገራዊ ማእከላዊ ምምሕዳር ኣይኰነን።  ኣብ ፈደራላዊ ስርዓት ውን እንተዀነ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ቦታዊ ምምሕዳራት ወይ መንግስታት፡ ማእከላዊ ፈደራላዊ መንግስቲ ምህላው ርዱእ ኢዩ።

 

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕሉፍ ታሪኹ ዝነበሮ ናይ ነብሱ ባዕሉ ናይ ምምሕዳር ተመኵሮን፥ በብኣውራጃታቱ ተገዚእሉ ክኸይድ ዝጸንሐ ያታዊ ሕግታት ምንባሩን ብምግንዛብን፤ ከምኡ ውን፡ ነቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዘሎ ባህላውን መበቆላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ኣብ ግምት ብምእታውን፤ ዘይምእኩል ምምሕዳር ንሃገርና ዝበለጸ ናይ ምዕባለን ርግኣትን ብልጽግናን ጐደና ምዃኑ ስለዝኣመነ፡ ኣብ ሓሙሻይ ሃገራዊ ጕባኤ ከም ከዋጽእ ዝኽእል ዓይነት ምምሕዳር ከምዝተቐበሎ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ ሓምለ 2006 እተጋብአ ሻዱሻይን ሃገራዊ ጕባኤ ድማ፡ ደጊሙ ነዚ ውሳኔ’ዚ ኣጽደቖ።

 

ዘይምእኩል ምምሕዳር፡ ብዘይ ውሕሉል ምምሕዳር፡ መብጽዓ ጥራሕ ኰይኑ’ዩ ዝተርፍ። ስለ’ዚ፡ ኣድማዒ ዘይምእኩል ምምሕዳር ንኽህሉ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ክነግስ ዘይሕለል ቃልሲ ምክያድ የድሊ። 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com