ናይ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኣን ዕዉት ጉባኤ ኣሰላሲሉ

ሕዳር 04, 2006

ኣብ ዕለት 04 ሕዳር 2006 ናይ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኡን "ሽግራት ህዝብና ንምሕጻር ውድባዊ ስርርዕና ነሐይል" ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዕዉት ጉባኤ ኣሰላሲሉ፡ ኣብቲ ጉባኤ ኣቦመንበር ዞባ ጀርመን ብጻይ ተስፋማሪያም ክብረኣብን ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ብጸይቲ ጽርሃ ሰለሙንን ተረኺቦም ኔሮም። ጉባኤ ጨንፈር ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ብመሰረት ውሳኔ 6ይ ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ነቲ ዝጸንሐ ብጉጅለታት  ዝቖመ ጨንፈራዊ ስርርዕ ናብ ዝተፈላለያ ጨንፈራት ኩቖማ ዝገበረ ፉሉይ ጉባኤ'ዩ ኔሩ። ኣብቲ ጉባኤ ዝጸንሓ ጉጅለታት ጨንፈር ብተናጸል ኩሉ መዳያዊ ጸብጻባተን ኣቕሪበን፡: ቀጺሉ መሪሕነት ጨንፈር ኣብ ውሽጢ ዓመት ዘካየዶም ፖለቲካውን: ስርርዓውን: ገንዘባውን: ምምሕዳራውን: ጸብጻባት ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ጉባኤ ኣቕሪቡ።

 

ጉባኤኛ ነቲ ብኽልቲኡ መሪሕነታት ዝቐረበ ጸብጻባት ኣድላይ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ኣጽዲቕዎ። ብዘይካ'ዚ ጉባኤ ጨንፈር ነቲ ኣብ 6ይ ጉባኤ ዝጸደቀ እዋናዊ መደባት ኣገዳስነቱ ብምርኣይ ብሙሉእ ድምጺ ተቐቢሉ ክሰርሓሉ ሙዃኑ ድሉውነቱ ኣረጋጊጹ። ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክሰላሰሉ ዘለዎም መደባት ድሕሪ ምሕንጻጽ ንዕዑ እትመርሕ ሓዳሽ ጨንፈራዊ ሽማግለ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኣብ መደምደምታ ጉባኤኛታት ንዝጸንሐ ሕጽረታት ኣብግምት ብምእታው ውድብና ንምሕያልን መደባትና ንምዕዋትን ክሕግዙ ዝኽእሉ ለበዋታትን ርእይቶታትን ብምቕራብ ጉባኤ ብሰላምን ምርድዳእን ተዛዚሙ፤፤

 

ጨንፈር ተ.ሓ.ኤ.ሰውራዊ ባይቶ ፍራንክፈርትን ከባቢኣን

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com