Nharnet Articles/Opinions

     

        

ኣቶ ኢሳያስ ሽግሩ ዘይፈትሔስ ሽግር እንዳማቱ?

 

ብመሰረቱ ሽግር ናይ ሓደ ጎረበት ሃገር ንምፍታሕ መንጎኛ ኮይንካ ምትዕራቕ  ቅዱስ ተግባር ኢዩ:: ኣሕዋትና ሱዳናውያን እውን ሽግሮም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕዎ ሕጉሳት ኢና:: እቲ ዘገርመናን ዘዛርበናን ዘሎ ግን ተግባራት ኣቶ ኢሳያስ ኢዩ::

 

ኣቶ ኢሳያስ ሽግሩ ዘይፈትሔ ሽግር ጎረባብቲ ሃገራት ክፈት ከቶ ኣይኽእልን:: እዚ ሕጂ ኣቶ ኢሳያስ ከም ሓደ ቀዱስ ጳጳስ መተዓራቒ ኮይኑ ብዙሕ ዝዝረበሉ ዘሎ ሽግር ባዕሉ ኣቶ ኢሳያስ’ዶ ኣይኰነን ፈጢርዎ? ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ፈጣሪኦም መን ኢዩ? ኣብ ዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥ መፍጥሕ ናይ ሓንቲ ልዕላዊት ሃገር ኢምባሲ ንተቓወምቲ ዘረከበ ኣቶ ኢሳአስ’ዶ ኣይኮነን? ስለዚ ኣቶ ኢሳያስ ሎሚ ሰላም እንተ ፈጠረ ጽባሕ ሽግር ስለ ዝፈጥር ኣተኣማማኒ ኣይኰነን::

 

ኣቶ ኢሳያሰ ናይ ሰላምን ፍትሕን ፍጡር እንተ ዝኸውን ኣብ ሃገሩ ሰላምን ፍትሕን መንገሰ::  ኣቶ ኢሳያስ ካብ ኩሉ ኣቕዲሙ ንስልጣኑ ዝቃለስ መራሒ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብኣፉ ዓፊኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝቢ ኣብ ፎቖዶ ኣብያተ ማእስርቲ ይሳቕዩ አለው:: እወ! ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ስእሊ ከም ዝረኣኹዎ፡ ከም ሓደ ወዲ 18 ዓመት ቈልዓ ዓሊባቦ ተቐምቂሙ ከም ሓደ ናይ ሰላም ቅዱሰ ይመስል ንሱዳናውያን ናይ ሰላም ውዕል ኣፈራሪምዎም:: መሬት ኤርትራ ንባዕላ ሰላም ዘይረኸበት ከመይ ጌራ ናይ ሰላም ባይታ ትኸውን? ኣቶ ኢሳያስ ዘጠፍኦም ነብሳት ኩሎም ካብ መቓብር ተንሲኦም እንተ ዝፈርዱ፡ እቶም ኩሎም ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቔዩ ዘለው እውን ነጻ ወጺኦም እንተ ዝምስክሩ፡ ኣቶ ኢሳያስ ብሰላም ክጻወት ዘይኮነስ አብ ሓደ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ጉቡኡ ምረኸበ::

 

እወ! ሕጅ’ውን መሬት ኤርትራ ንባዕላ ሰላም ዘይረኸበት ከመይ ጌራ ናይ ሰላም ባይታ ትኸውን? እዚ ሕቶ’ዚ ንእግሪ መንገደይ ንወናኒ መስከረም ዳት ነት ይሓድገሉ:: ኣብዚ ብዛዕባ እዚ ወብሳት’ዚ ክጽሕፍ ግዜ የብለይን:: ጉዕዞ ናይ’ዚ ወብሳይት’ዚ ካበይን ናበይ ይጓዓዝን የዘምብልን ከምዘሎ ንኹሎም ተኸታተልቲ ኢንተርነት ስውር ኣይኮነን:: ኣቶ ኢሳያስ ስራሕ ዝሰኣነ ሚኒስተር ሕርሻ ይመስል ኣብ ልምዕ ዝበለ ግራውትን ገለ ማይ ዝዓቖረ ሓጽብታትን ዝተሳእሎ ስእልታት ክልጥፍን ክዝርግሕን ድቃስ ካብ ዝስእን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ:: እዚ ከኣ ዘሎ ኢዩ ኣይገርመናን:: ሎሚ ክጠቕሶ ዘገደደኒ፡ ያኢ ብተግባር ኣቶ ኢሳያስ ተሓጕሱ “ ተቓወምቲ ውድባት ብዛዕባ እዚ ብኣቶ ኢሳያስ ዝግበር ዘሎ ናይ ሰላም ዕርቂ ርኢይቶኦም ንኽህቡ”  ምዕዳሙ ኢዩ::

 

ኣቐድም ኣቢለ ከም ዝጠቐስኩዎ፡ ኣቶ ኢሳያስ ናይ ሰላም ሰብ ኣይኰነን:: ታሪኽ መሪሕነት ኣቶ ኢሳያስ  ምልስ ኢልና ምስ እንዝክር ኣብ ልዝብ ወይ ምይይጥ ዝኣምን ኣይኰነን::  ንኹሎም ዝተፈጥሩ ግጭታት ብሓይሊ ጎንጺ ኢዩ ፈቲሕዎም:: ካብ ናይ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (መንካዕ) ጀሚሩ ስጋብ ናይ G15 ብሓይሊ ኢዩ ዝገጠሞም::  ኣብ ቋንቋ ኣቶ ኢሳያስ “ሰላም፡ልዝብ፡ ዲሞክራሲ፡ ምዕባሌ” ዝብሉ ቃላት ኣይርከብዎምን :: ንዝዀነ ሽግር ብሓይሊን፡ ብህልኽን ብጥዕቢትን ኢዩ ዝፈትሖ::

 

ናይ ኣቶ ኢሳያስ ሰላም ኣብ ሓደ ቦታ፡ ተንኰል ወይ ሸርሒ አብ ካሊእ ቦታ ማለት ኢዩ:: ርግጸኛ ኢየ፡ ኣቶ ኢሳያስ አብ ሱዳን ሰላም ክፈጥር እንከሎ ገለ ተንኰል ኣብ ኢትዮጵያ ምፍጻሙ ኣይተርፍን:: ድሮ’ኳ ብሸነኽ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ዓቃቢ  ሰላም ከም ዝተገልጸ፡ ኣቶ ኢሳያስ ገለ 1500 ወተሃደራትን (ሓደ ብሪገድ ማለት ኢዩ) 14 ታንክታትን ናብቲ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣእተዩ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ ኣሎ:: ናይ ህግደፍ ሚኒሰተር ሓቤርታ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ተሓቲቱ ከም ዝመለሶ “ዘራዕቲ (እኽሊ) ንምእካብ ኢዮም ከይዶም” ይብል:: እሞ እኽሊ ድኣ ብታንክታት ድዩ ዝዕጸድ?

 

ኣቶ ኢሳያስ እዚ ኹሉ ኣብ ጎረባብቲ ዝፈጥሮ ሽግራት ስለምንታይ ኢዩ? እዚ ክምለስ ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶ ኢዩ::

 

ዳርጋ ኩሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዲክታቶራት ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም:: ንሱ ድማ ጉልባቦም “ሃገራዊነት” ኢዩ:: ነቲ ዝገዝእዎ ዘለው ህዝቢ ንምትላል ብዛዕባ ልዕላውነት ይሕለቑ:: ንሶም ጥራይ ንናጽነት ተወፈይቲ ይመስሉ:: ኩሉ ገዜ ብዛዕባ ባንደራን ጎቦታትን ስንጭሮታትን ናይ ሃገር ይዛረቡ:: ብዛዕባ ህዝባዊ መሰልን ፍሕን ዝዛረብ ግን ጸላኢኦም ይኸውን::

 

ኣቶ ኢሳያስ ድማ ምስ ጐረባብትና ደም ዘፋሰሰና ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ ኣይኰነን::  ወይ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ደንጊጽሉ’ውን ኣይኰነን:: ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራይ ኢዩ:: ንህዝቢ ኤርትራ ክጠቅም እንተ ዝደሊ ፍትሕን ሰላምን መንገሰ:: ህዝቢ ኤርትራ’ውን ሰሪሑ ምተዓንገለ:: ኣብ ፎቖዶ ምድረ በዳን ባሕርታትን ዝወድቁ ዘለው ደቁ’ውን ሓቚፉ መሓደረ:: ኣብ ምድረ ኤርትራ ኣይኰነን ወዲ ሰብ እንስሳ’ውን ብሰላም ምነበረ::

 

 

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ

ሰላምን ቅሳነትን ንጎረባብቲ ሃገራት

 

 

ኣድሓኖም ፍትዊ

Comment: fitiwi@planet.nl

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com