|
||
|
|
||
|
ምለሱ የ ምለሱ !!! መንእሰይ ከይዱ ንዑ ምለሱ ፖለቲከኛ ተኣሲሩ ንዑ ምለሱ ሚኒስተር ተኣሲሩ ንዑ ተዋሓሱ ማሰኛ ከይዱ ንዑ ምለሱ፡ ምስ ሰብኩም ክትለግቡ ክትሕወሱ ሕልና ኣቕሲንኩም ክትድቕሱ፡
ሓቐይ እንድየ ? ዘይተጋገኹ’ዃ !!
ደቂ ደጊያታ ባህታ ኣባ ጥመር ደቂ ደጊያታ ካፍል ጎፋር ( ክፍለየሱስ ጎፋር) ናበይ ደኣ ሕጂ ሕብእ ድሕርሕር፡
ደቂ ዓሊ ኢብራሂም ሱልጣን ዘይኣመልና ምስምስ ሽሕጣን ክንዲ ንህዝቢ፡ ንውልቀ ሰብ ምእማን በየን ለገበና ኣሉ ቀጣን፡
ንዑ ደኣ ተመለሱ
ደቂ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰብ ሕድሪ ሰብ ቃል ናበይ ሕጂ ሕብእ ሕብእ ክውል ክውል፡
ንዑ ደኣ ኣይፋልኩምን ደቂ ኤረ መርዛም ሱር ከይሳዕረረ ንሰለፍ ማዕረ ማዕረ ክንዛረበሉ ጉዳይና ክዕረ፡
መንእሰይ ከይዱ ምለሱ ፖለቲከኛ ተኣሲሩ ተዋሓሱ ሚኒስተር ተኣሲሩ ተዋሓሱ ዕርፍ’ልኩም ቀሲንኩም ክትድቕሱ፡
መሰል ኤርትራዊ ንሕልፈት ከይትምንዛዕ ሕተት ሞጕት ተኻታዕ ካብ ደሓር ምብካይ ምንባዕ ሕጂ ተለዓል ትባዕ፡
ሓደራ ቃልኩም ኣይትዕብሩ ተንስኡ ንቕሑ ተበራበሩ ምራዅት ሊሑዀም ከይዓደሩ፡ ኣህባይ መዓመርኩም ከይበልዑ ከይበርሩ፡
ኣባጊዕ ኣጣል ገዲፍካ ኣብ ግርሁ ወኻሪያ ከላስ ኣይትገርሁ ጸሓይ ተቐበልዋ ደኣ ኣንጕሁ፡ ተበራበሩ
ክሓርስ ነዊቱ ዘዋደደ ማሉ ዘዋፈረ ዝነገደ ዓዲ፡ ሃገር ክትነቍር ብብሓደ፡ ..... ንዑ ኣይፋልኩምን ዓገብ በሉ
ወለከይ፡ ኣንቱም ሰብ ዶ ኣይኮንኩምን ኣደኹም፡ ኣቦኹም ሓውኹም፡ ሓውትኹም ክኹነን ካብ መሰሉ ክእገድ፡ ክፍንፈን ክቕተል ሓመድ ክድፈን፡....... ሽቕ ቢሉክም ምትዕዘቡ፡
ታሪኽ ኣጽንዑ ኣንብቡ ተጸዋዉዑ ተኣከቡ ምስ ህ.ግ.ደ.ፍ ተቐዳደሙ ኣርክቡ ውላድኩም ኣድሕኑ፡ ሕድሪ ኣርንቡ፡
ክትዕወቱ ኢኹም
27 ጥቅምቲ 2006 ኣንቶንዮ ተስፋይ |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|