|
||
|
|
||
|
ብዛዕባ’ቲ አብ ዋሺንግቶን ዲሲ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ሽማግለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዞባ ሕ/መ/አሜሪካ ዝተዋህበ መግለጺ
ንነጻነቱን ሐርነቱን ክምህ ከይበለ ዝተቓለሰ ህዝብና፣ ካብቶም አቐዲሞም አርዑት መግዛእቶም ዘንበሩሉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዘይፍለ መንገዲ፣ እቲ ብኢደ ወነኑ አብ ስልጣን ዝሐኾረ ናይ ህግደፍ ስርዓት፣ አብ ልዕሊ እንግድዓ መላእ ሕብረተሰብና ዝዘርግሖ ዓፋኒ ናይ ጭቆና ምልካዊ መርበቡ ይኸብድን ይመርርን። ስለዝኾነ ከአ አብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ተቓውሞ ድምጹ ከስምዕ ግድነትን ባህርያውን’ዩ።
ብሕጽር ዝበለ ህሉው ሐቀኛ አተሃላልዋ ኤርትራን ህዝባን ንምጥቃስ፡-
ነቲ ቀደም ሰሚሩ ባዕዲ ዝሰጎገ ስሙር መኸትኡ ብምሕዳስ፣ ሎሚ’ውን ደጊሙ ቀላጽሙን ድምጹን ብምውህሃድ፣ ንምልካዊ ጭቆና ሐንሳብን ንሐዋሩን ወጊዱ፣ ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዘውሕስ ጽላል ኩሉ ከአ ዝኾነ ፣ ሐቀኛ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽ ዝእምት ድምጹ ንኸስምዕ፣ አብቲ ንዕለት10/30/06 ዓ.ም. አብ ከተማ ዋሺንግቶን ዲሲ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳትፎኡ ንኸዕዝዝ ከአ ተዓዲሙ’ሎ።
ሃገርና ኤርትራ ናይ ዝተፈላለየ ባህሊታትን ልምዲታት ኮነ እምነታት ዘለዎም ኤርትራውያን ከምዝኾነት ንምንጽብራቕ፣ ነቲ ሕብረተሰብና ዝሕበነሉ ዝተፈላለየ ባህልና ብዘንጸባርቕ መንገዲ ንምስታፍ፣ ኩሉ ብዘይ አፈላላይ ብሐበራ አብዚ ዝካየድ ናይ ዋሺንቶን ዲሲ ንኽሳተፍ ሃገራውን ሞራላውን ሐላፍነቱ ምዃኑ ከአ ነዘኻኻር።
ቃልስና ክሳብ ፍትሕን ርትዕን አብ ሃገርና ዝረጋገጽ ቀጻሊ ኢዩ!! ክብርን ዝኽርን ንስዉአት!!
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|