|
||
|
|
||
|
ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ ኸ ከመይ ይኹን ?
ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ቃልሲ ሓደ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ዝገበራ እየን። ኣብ ጎድኒ ብጾቶንን፡ ምስ ደቀንን ፡ ሰብኡተንን ተሰሊፈን ኣብ ዘካየድኦ ቃልሲ ድርብ ወጽዓታተን ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣብ ታሪኽ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ግዙፍ ዓወትን ፍረ ን ተረኺብሉ’ዩ።
ኣብ’ዚ ቃልሲ’ዚ ዝተኸፈለ መስዋእትን፡ መድመይትን፡ ብፍቕዲ ኣይነበረን። ኣብ ህዝብና ዝወረደ ኣካላውን ስነ ኣእምራውን ማህሰይቲ ቀሊል ብዘይምንባሩ ገና ድሕሪ’ቲ ዕላማ ነጻነት ምስ ተረጋገጸ’ውን ዝቅጽል ዘሎ፡ ሓደ ሸነኽ ከቢድ ብምንባሩ፡ ብካልኣይ ሸነኽ ድማ ሳላ ምልካዊ ስርዓት ህዝቢ ዝኣልዮን ዝከናኸኖን ብምስኣን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከብ።
ውጽኢት መሪር ቃልሲ፡ ባዕዳዊ ጸላኢ ተሳዒሩ፡ ካብ መሬት ኤርትራ ወጸ። ባዕዳዊ ገዛኢ ካብ ኤርትራ ይውጻእ’ምበር፡ ብወዲ ሃገር ብዘስካሕክሕ ምሕደራት ትካየድ ከም ዘላ ዓለም ብኩሉ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝፈልጦን ዘሎ’ዩ።
ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 15 ዓመት መዋእል ነጻነት፡ ብዝያዳ ማህሰይቲ ዝወረዶ ኣካል ሕብረተ ሰብን ብቀዳምነት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን’ዮም። ማህሰይቲ ናይ’ዞም ኣካል ሕብረተ ሰብና፡ ብቀጥታ ንድኽመትን ልምሰትን ሕብረተ ሰብ ዘቓላጥፍ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኮነ’ሉ ዝገብሮ ዘሎ ስልታዊ ብርሰት ከም ምዃኑ መጠን ኩሉ መንእሰይ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዝለዓለ ኣገባብ ክቃለስዎን ክገጥምዎን ይግባእ።
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝተረፈ ዕማም ስለ ዘሎ ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ቃልሲ ንምሕያል፡ እንደገና ተጠርኒፈንን ተወዲበንን ክቃለሳ ኣብ ውድበን ክምለሳ ኩነታት ይጠልበን ኣሎ።
ደኒንካ ምዃድን፡ ተጸሚምካ ምሕላፉን ግዜኡ ኣብቒዑ’ዩ። ሎሚ ግዜ ግጥሚያን ሓያል ቃልስን ስለ ዝከነ ደቂ ኣንስትዮ ክበራበራ፡ ከም’ቲ ንተጋድሎ ሃገራዊ ነጻነት ዕውት ክኸውን ብጋህዲ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ሕጂ ከኣ ብቃልኽንን ትብዓትክንን ንጉዕዞ ሓርነታዊ ትንሳኤ፡ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንምርግጋጽ ክትምርሻ ፡ ከም’ቲ ናይ ትማሊ ሎሚ ጸዋዒት ጭቑን ህዝቢ፡ ድምጺ ግፉዓት ኣሓትን ኣሕዋትን ይጽውዕ ኣሎ።
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2006 ገርጊስ ነጋሽ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|