Nharnet Articles/Opinions

     

ምስግጋር ንሰልፍን ብድሆታቱን

 

ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ሃዋህው ለውጢ ብሃንደብት ዝመጸ ኣይኮነን። ነቶም ንለውጢ ዝዕንቅፉ ሓሳባትን ተግባራትን ሰጊርካ ሓድሽ ንለውጢ ዝቕበል ምቹእ ባይታ ብምምድማድ ኣተቐልቀለ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግብኦን። ይኹንእመበር ተወሳኺ ጻዕርን ድኻምን ዝሓቱ ብድሆታት ጌና ኣብ ቅድሚት ህልዋት እዮም። ነዚኦም ውን ብዓወት ንምስጋሮም መንፈሳውን ተግባራውን ምድላው ከድሊ እዩ።

 

ከምቲ ኩሉ ባህጊ ለውጢ ዘለዎ ክስሕቶ ዘይክእል፡ ኣብ ሳንዱቕ ሑልፍ ተሞክሮን ንሱ ዘስረጾም ኣተሓሳስባታትን ኮንካ ንልውጢ ክትምልከቶ ከለኻ ኣዝዩ ኣፍራሂ እዩ። ነቲ ዝለመድካዮ ከባቢ፡ ነቶም ዝለምድካዮም ብጾትካ፡ ነቲ ዝለመድካዮ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ዝትንክፍ ሓዲሽ ለውጢ ምግባር ቀሊል ኣይኮነን። ይኹንእመበር እዋኑ እዋን ለውጢ ብምኻኑ እቲ ኣብ ቅድመና ደው ኢሉ መልስና ዝጽበ ዘሎ ሕቶ ለውጢ፡ ንፍርህና ክንብድህ ንመንፈስና ከነዳሉ ይጠልበና ከምዘሎ ኣይንዘንግዕ። ከም ውልቀ ሰባት ንኹን ከም ውድባት፡ ነዚ መድረኻዊ ጠልብ ክንምልስ ድልዋት ክንከውን ኣለና።

 

ከምቲ ዳርዊን እተባህለ ተመራማሪ ዝበሎ፡ እቶም ኣብ ዓለምና ብህይወት ተሪፎም ክቕጽሉ ዝኸኣሉ እቶም ሓያላት ወይ ውን ፈላጣት ዘይኮኑ፡ እቶም ለውጢ እተቐበሉን ምስ ለውጢ እተሰማምዑን እዮም። ፖለቲካዊ ህይወት ውን ካብዚ ዝፍለ ሕጊ ኣይኮነን ዘለዎ፡ እቲ ለውጢ ዘይቅበል ንለውጢ ድልው ክኸውን ዘይደሊ፡ ባዕሉ ቦትኡ ኣበይ ምዃኑ ወሲኑ ምህላው ክርስዕ የብሉን።

 

ብርግጽ ኣብ እዋን ለውጢ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ቦትኡ ባዕሉ’ዩ ዝውስን፡ እቶም ኣብ ዝበለየ መንገዲ ክቕጽሉ ደስ ዝብሎም ዘሎ ኣሕዋት ውን ቦትኦም ባዕሎም ዝውስኑ ዘለው እዮም። ሓሳባዊ ዘየሎ ኖቕጣትት ምፍልላይ ስኢሎም ክውንጅሉ ንዕዘቦም ኣለና። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ግን ንኻልኦት ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት፡ ውድባት ኢድካ እናወጣወጥካ ምውንጅል፡ ስቕ ኢልካ ዝወሓጥ ከምዘይኮነ እተገንዘቡ ኣይመስሉን ።ቅድሚ ንኻልኦት ምውንጃልካ፡ እንታይ ትገብር ምህላውካ፡ ንህዝቢ ከተፍልጥ ክምዘድለየካ ኣየስተውዓሉን። ስርርዕካ ኣዝዩ ጸቢብ፡ ስራሕካን ምንቅስቓስካን ኣዝዩ ድሩት እንተኾይኑ፡ ተግባርካ ንኹነታትካ ይገልጽ ስለ ዘሎ፡ ክትዋራዘ ከምዘየጥዕመልካ ኣይተረድእዎን። መጀምርያ ምድረ ቤትካ ምጽራይ ከምዘድሊ ኣይተሰቆሮምን። ንህሉው ኩነታትካ ባዕልኻ ክትንዕቆ እንተዘይክኢልካ ባህጊ ሓድሽ ምዕባለ ከተጥሪ ከምዘይትኽእል ስሒተሞ ኣለው። ካብ’ቲ ቀይዱ ሕዙካ ዘሎ ኣሉታዊ ሓሳብት ወጺእካ ንቕድሚት ክትጥምት፡ ንሓዲሽ ለውጢ ልብኻ ምኽፋት ከምዘድሊ ኣይበጽሕዎን። ንስቶም ውን ዝጻወትዎ ኣወንታዊ ግደ ስለ ዘሎ ኣብ ክንዲ ነቲ ጸገማት ጥራይ፡ ነቲ ኣብ ቅድመኦም ዘሎ ዕድላት ክርእዩ ከምዝግብኦም ኣይተገንዘቡን። ቁሪምሪም በይኑ ቃልሲ ስለ ዘይኮነ ኣብ እንካንሃባን ዕቱብ ምርድዳእ ክንኣቱ ኩልና ክንዳሎ ከምዝግባኣና ክሰሓት የብሉን።

 

እወ፡ ኩልና ክንዳሎ ይግብኣና እዩ።ተ.ሓ. ኤ ሰ/ባ ናብ ሰፊሕ መሰረት ዝሓቖፈ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ክሰጋገር ምውሳኑ ንታሪኻዊ ድርትነትን ድኽመትን ህሉው ስርርዑ ብዝግባእ ስለ ዘስተውዓለ እዩ። ንህሉው ድኽመትካን ድሩትነትካን ክትርኢ እንተዘይበቕዕካ ነቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ሰፊሕ ዕድላት ክትርእን ንምጭባጡ ክትዳሎን ክትቃለስን ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ዘለናዮ ኩነታት ምድጋግፍን ምምልላእን ዲምክራስያውያን ዝሓትት ኣዝዩ በዳሂ መድረኽ እዩ። ኣብ እዋን ምስጋግር ምህላውና ድማ ክፍለጥ ኣለዎ። ነቲ ድኹም እተነጻጸለ ሃለዋትና ናብ ሓያል ደረጃ እነሰጋግረሉ ኣብ ዓብይ ድልድል’ና ዘለና። 

 

እዚ እተጠቕሰ ድልድል ወይ መድረኽ ምስግጋር፡ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ሽግራት ሓቑፉ ክገሃድ ግድን እዩ። እቶም ኣብ ሕሉፍ መድረኽት እተጠርዩን ኣተለምዱን ኣተሓሳስባታት፡ ምስቶም ጠለባት ሓዲሽ መድረኽ ዝፋጠጥሉ ርሱን እዋን ስለ ዝኸውን ገለ ሕልኽልኻትን ምድንጋራትን ክፍጠር ምዃኑ ውህብ እዩ። ይኹንእመበር እዞም ጸገማት እዚኦም ብቑኑዕ ኣመራርሓን ብኣወንታዊ መንፈስን ክሰዓሩ ይኽእሉ እዮም።

 

ብቑኑዕ ኣመራርሓን ብኣወንታዊ መንፈስን ነቶም ኣብ ቅድሚት ዘለው ብድሆታት ኣሰኒፉካ ሓያል ህዝባዊ ሰልፊ ክምስረት ዝኽእል፡ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ክማላኡ ከሎው እዩ። ብሓደ ወገን ነቶም ዓንቀፍቲ ጉዳያት ኣልጊስካ ኣብ ውሽጥኻ ንዝሰፍሐ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ዝምችእ ባይታ ንምፍጣር ከይተሓለለካ ብቐጻሊ ብምቅላስ እዩ።በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ካልኦት ውልቀ ሰባት፡ ጉጅለታት፡ ውድባት ተላዚብካን ተረዳዲእካን ምቹእ ሓባራዊ ባይታ ብምምድማድ እዩ። እዞም ክልተ ነጥብታት ተጠሚሮም እንተታሒዞም መድረኽ ምስጋግር ብዓወት ክዛዘም ይኽእል እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ንዓቕምና በቲኑ ንኣድማዕነትና ኣትሒትዎ ዘሎ ህሉው ስርርዓትና ሰጊርና ሓደ ዘተኣማምን ህዝባዊ ሰልፊ ክንምስርት ንኽእል ኢና።     


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com