Nharnet Articles/Opinions

     

        

ኣብ ነብስኻ እምነት ኣሕዲርካ ንቕድሚት ሰጉም

 

ኣብ በሪኽ ቦታ ደው ኢለ ገጸይ ንድሕሪት ጠምዚዘ ኣሰር እቲ ዝመጻእክሉ ክርኢ ፈተንኩ፡ መንገደይ እምብዛ ነዊሕ ብምንባሩ ግን፡ ንኹሉ እቲ ኣሰረይ ክርእዮ ኣይከኣልኩን። እቲ ፈተነይ ግን ንዓሚቕ ሕልሚ ኣሰጋጊሩኒ ንኹሉ እቲ ዝሓለፍኩዎ ተሞክሮ ብሓሳበይ ክድህስሶ ጀመርኩ። ንገዛእ ተሞክሮይ ከም ታሪኽ ካልእ ሰብ ብኣድናቖት ይምርምሮ ነበርኩ ሞ፡ ሰብ፡ እቲ ዘገርም ፍጥረት ምኻነይ ከምብሓድሽ ተገንዘብኩ። እወ፡ ሰብ፡ እቲ ድድሕሪ ተስፋ ዝጐይ ፍጡር።

 

ካብ ሕልመይ ተበራቢረ ገጸይ ቀይረ ንቕድሚት ነቲ ዝተረፈኒ ጉዕዞ ውን ክርእዮ ፈተንኩ። ኣብራኸይ ተስፋ ቖሪጾም “ ነዕርፍ: ይኣኽለና: ኮፍ ንበል “ ይብሉኒ ነበሩ። ሓንጐለይ ከኣ፡ “ ነውሪ: ኣብ ዝሓሰብካዮ ከይበጸሕካስ ዕረፍቲ!” ይብል ነበረ። ኣብ’ታ ህይወተይ: ኣብ ገዝእ ነብሰይ ግርጭት ተረኺቡ ድንጽው በለኒ። ምስቲ ንኹሉ ኣካለይ ተሰኪሙ ዘሎ የእጋረይ ኣሞ ተማጒተ ኣበይ’የ ክበጽሕ! ። ደኺመ ኣይከይድን እምብለይ እንተድኣ ኢሉንስ እንታይ’የ ክገብር ዝኽእል? ከምዚ ዝመስል ሕቶታት ኣልዒለ ኣብ ዓሚቕ ሓሳብን ጭንቀትን ኣተኹ።

 

ብሃደበት ግን ኣዒንተይ ብማዕዶ ጭራ ጸሓይ ይርእያ ምህላወን ሓበራኒ። እቲ ጸሊም ደበና ነቲ ሰንጣቒ ጭራ ጸሓይ ፍጹም ክኽልክሎን ክዓግቶን ኣይከኣለን። ብርሃን ተቐልቂሉ ንጸላም ክወርሶ ጀሚሩ ነበረ። ወዮ ንቐጽል ዝብል ዝነበረ ሓንጐለይ ብሓጐስ ተሰራሲሩ “ ሃየ ንቐጽል ይበርህ፡ ይወግሕ’ዩ ዘሎ” ኢሉ እወጀ እሞ፡ ወዮ ደኺሙ ሰኒፉ ዝጸንሐ ኣብራኸይ ሓዲሽ ሓይሊ ረኺቡ ስጉም ስጉም ከብል ጀመረ። ድሕሪ’ዚ ውን ብፍጥረተይ መሊሰ ተገረምኩ።

 

እቲ ሓይለይሲ ኩሉ ግዜ ምሳይ ምንባሩ ኣስተውዓልኩ። እቲ ጸገም ኣብ ገዛእ ነብሰይ ዘይምእማን ምንባሩ ተመሃርኩ። ነቲ ኣብ ገዛእ ነብሰይን ሕልናይን ዝነበረ ግርጭት ፈቲሐ ንቕድሚት ክስጉም ጀመርኩ። ነፍሲ ወከፍ ስጉምተይ ንመፍሰይ ብዓወት ክትመልኦ ጀመረት። ለካ ዓወትስ ብነብስኻ ምእማን እዩ!!

 

ንጹር መንገዲ ዓወት ሒዝካ፡ ኣብ ነብስኻን ኣብቲ ትጐዓዘሉ ዘለኻ መንገዲን ኣሚንካ እንተሰሪሕካን እንተቓሊስካን፡ ድኻምካ ንኸንቱ ኣይክተርፍን’ዩ፡ ግድን ክትዕወት ኢኻ።

 

ነዛ ዛንታን ምኽርን ዝለገሰልይ መንእሰይ እናኣመስገንኩ፡ ሕንጥጥ ኣቢለ ንኣንባባይ ከመሓላልፋ ተመባጻዕኩ። ኣንበብቲ ኣንቢብኩም ጠቓሚት ኮይና እንተረኺብኩማ ከኣ፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣነ ውን ተዓዊተ ኣለኹ ማለት እዩ።

 

ኣብ ሰብስኻ እምነት ኣሕዲርካ ንቕድሚት ሰጉም

 

ሃይለ ገብሩ

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com