|
||
|
|
||
|
ደምዳሚ መግለጺ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ካብ 6-9 ጥቅምቲ 2006 7ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣኼባኡ፡ ንህልዊ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ምጣነ-ሃብታውን ማሕበራውን ኵነታት ኤርትራን፥ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ብትዅረት ገምጊሙ። ብፍላይ፡ ጕዳይ ናይ’ቶም ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራትን ክንዮኡን ብብዝሒ ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያትን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ብዝምልከት፡ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ምብጻሑ ርእዩ። ከምኡ ውን፡ ብሰንኪ’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ምጣነ-ሃብታዊ ኵነታት ሃገርና፡ መነባብሮ ናይ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ ወዲቑ ከምዘሎ መዚኑ። ህዝብና፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ርእሲኡ ዝፍጸም ዘሎ ጭቆናን ግህሰት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላት፤ ብስእነት ስራሕ፡ መግቢ፡ ነዳዲ፡ ምቍራጽ መብራህትን ይሳቐ ምህላዉ ክሕባእ ዘይከኣል ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ ምህላዉ ውን ተገንዚቡ።
ስርዓት ህግዲፍ፡ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ናይ ጸለመ ወፈረታትን ጣልቃ ኣእታውነትን፤ ወግሐ-ጸብሐ ብናይ ዜና ማዕከናቱ ዝፍንዎ ዘሎ ንሓቀኛ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ዘየንጸባርቕ ናይ ፕሮፓጋንዳ ወፈራታት፡ ንኣድህቦ ህዝብናን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ንምጥምዛዝን፤ ኤርትራ ኣብ ዝሓሸ ኵነታት ኣላ ዝብል ናይ ሓሶት መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ዝዓለመ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መዚኑ።
ኣብ መዳይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ብሽማግለ ጠቕላላ ጕባኤ ኪዳንን ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላን ዝቐረበሉ መጽናዕትታት ብኣንኵሮ ተመያይጡ። ነቲ ብኽልቲአን ሽማግለታት ዝተኻየደ ጻዕርታት ድማ መጐሱ ገሊጹ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ነቲ ብሽማግለ ጠቕላላ ሃገራዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝቐረበ መጽናዕቲ ኣጻፊፋ፡ ናብ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት እተቕርብ ሽማግለ መዚዙ።
ንሃገራዊ ዋዕላ ብዝምልከት ከኣ፡ እታ ሽማግለ፡ ነቲ ዝገበረቶ መጽናዕቲ ብሰሚናራትን ስይፖስዩማትን ርኽክባትን ኣቢላ ዝያዳ ንምዕሟቕን ንምምዕባሉን ክሳዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ስርሓታ ክትቕጽል ወሲኑ።
ኣብ መደምደምታ፡ ነቶም ንምዕዋት ዕማማት ሽማግለታት ጠቕላላ ጕባኤ ኪዳንን ሃገራዊ ዋዕላን ዝተሓባበሩ ኵሎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ፈተውትን ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምስጋናኡ የቕርብ። ነዚ ጀሚሮሞ ዘለዉ ምትሕብባር ብእተዓጻጸፈ ናህርን ዓቕምን ክድግፍዎ ክብ ዝበለ ትጽቢትን ተስፋን ከምዘለዎ ድማ ይገልጽ። ከምኡ ውን፡ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን፡ ህዝብታትን መንግስታትን ዞባናን ኣብ ጐድኒ’ቲ ምእንቲ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ደው ክብሉ ጻውዒቱ የቕርብ።
ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስታት ህዝብና ወድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት 10.10.2006 |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|