Nharnet Articles/Opinions

     

  

 አይፋል ንዉግእ !

 

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ኣብ ዝተፋላለያ ማእከናት መርበብ ሓበረታ 1500 ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰፍር ኣቃቢ ሰላም ዓስኪሮም ዝብል ሓበረታ እናሃለወ ኮሎ፣ ብኣቶ ዓሊ ዓብድ ናይ ኤርትራ ናይ ዘና ምኒስተር ብድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝተገብረሉ  ቃል ምሔተት ከም ዝተራጋገጸ ሰሚዕና፣ ኣቶ ኣሊ ዓብድ ብቀጥታ እወ ኣይበል ዳአ እምበር፣ በቲ ቛንቛ ህግደፍ (ጥዊይዋይ)  ገይሩ ገሊጽዎ እዩ፣ ንሱ ኻአ ኣብ መረትና ናብ ድልየትና ክንዕስክርን ክንቃሳቀስ ዝኽልክለና ሰብ የለን በለ፣

 

ወይ ጉድ….. ኣንታ ኢትዮጽያ እንተ  የዕገርገረትሲ ዶላር ናይ ኣመሪካ ሰርኒቀረዋ ምበልና፣ ልጅ ኢሳያስ ዳኣ እንታይ ስለ ዝረኸበ ኮይኑ እዩ? እተን ዝሸጠን ዝቀነየ ናብ ኣልቃይዳ ብረት ዶኾን ሰርኒቆኖኦ? ዘገርም እዩ፣ እቲ መልሲ ዝሃቦ ዓሊ ዓብዱ ዝሕፍርን ዘንዕቅን ኣንነት ዝተሓዎሶ፣ እንዃይዶ መንግስቲ ዝኣክል ዉልቀሰብ’ዉን ክምልሶ ዘይግባእ እዩ፣ ስጋዕ ዘሎ እዚ ስርዓት’ዚ ክገርመና ክነብር ኢና፣ ንድሕሪት ተመሊሶም ዘይምዝካሮም ብሓጺሩ ዉዕል ኣልጀርስ ፍርቂ ለይቲ ተቀቢልናዮ ርድኡናየ..ርድኡናየ ንዓለም ክባሃል ድሮ ተረሲዑ-?

 

ናይ ሰራዊት ዓጂብዎም መይቱ!!!  ንምጥቃስ ኣብ 1977 መጀመርያ ባጽዕ ንኽትሓዝ ፣ ኣብቲ ጊዜ ኢትዮጽያ ካብ ባጽዕ ነስመራ መስመር ስለ ዝታዓጸወ  ጸላኢ ካብ ዶጎሊ ፍሕት ክብል ኣይካአለን፣ ነስመራ ንምዉጻእ፣ኣብዚ ሰራዊት ኢትዮጽያ ናብ ዶጋሊ ገለ ሰራዊቱ ከምርሕ ከሎ፣ ብዓበይቲ ባቡራት ቀላይ ገይሩ ካብ ዓሰብ ሰራዊት ከም ዝተከኤ መሪሕነት ሓበረታ ኣይነበሮን፣ ድሕሪ ነዊሕ ምርብራብ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ አብ ዶጋሊ ስለ ዝፈረሰ፣ ንቅድሚት ንባጽዕ ኣብ ብሕሪ ክንእትወን ተባህለ፣ ሰራዊት ንቅድሚት መረሸ ፣

 

ንግሆ ረፍዲ ንፈርቶ ሓዝዋ ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝመጸ ፈርቶ ተታሕዘት፣   ንባጽዕ ዝፈልጥ ሰብ  ኣጂብ ንየማን ትርከብ፣ ፎርቶ ምስ ተታሕዘት ኣጂብ ከይተታሕዘት ተረፈት፣ ሰራዊት ኢትዮጽያ ብጎኒ ኾይነን ንብዙሓት ተጋደልቲ ለከማ፣ ጸላኢ ምስ ኮነ ምስ ተፈልጠ ንጽባሒቱ ገለ ሓይሊ ካብ ፎርቶ ወሪዳ ነተን ኣብ ኣጂብ ዝነበራ ሃጀመት፣ እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ሓይሊ ይሰደደልና በጠለኒ ሰብ የብልናን፣ እንተበልካ ዋላ ዝምልስ እዃ፣ እታ ዝነበረት ቦጦሎኒ ኣብ ካላአይ ማዓልቲ ኣንሳሓበት፣ ካብ ቦጦሎኒ ሓይሊ ተረፈት፣ ሞራል የብላን ተባሂሉ ናብ ከበሳ ተላእከት፣ ንምብራህ ናይ ሳሊና ዝታአትወ ብድሕሪኡ ምኻኑ ክሕብር ይፈቱ፣ እዚ ኒቲ ጅግና  ሰራዊት ኤርትራ ንምቁንጻብ ከም ዘይኮንኩ ማንም ሰብ ክርዳእ ክኸእል ኣለዎ፣ ሰራዊት’ሲ ክንደይ’ዃ፣ እንታይዳአ  መሪሕነት ናይ ሰራዊት ከም ዘይዓጅቦም ንምግላጽ ቢለ ኢየ፣ እዚ ሓደ ኣብነት ኢለ ዝጠቀስኩዎ“በር ኣብ ብዙሓት ግጥማት ዘጛንፍ ዝነበረ እዩ፣ በዚ መሰረት ዓይኒብለይ ስኒ ብለይ ቁጽሪ ዘይብሉ ሰራዊት ዝጠፍእ ዝነበረ፣ ከም’ዉን ትማሊ ኣብ ናይ ዶብ ግጭት፣ ሕጂ’ዉን እነሄለ ናብ ዘይድሊ ቦታ ኣቲኻ ዝተረፉና ኣለዉ ዝብል ዘሎ፣

 

ንሱ ኻአ ዳግማኢ ዉግእ ምትካል እዩ፣ ኣብ ጊዜ ዉግእ ምስ ወያነ፣ ደቂ  ዓሰርተ ዓመት ዝነበሩ፣ ሕጂ ደቂ 16-17 ስለ ዝኾኑ ሎሚ ከመይገርካ ዉግእ ኣጉድካ ዝተረፉ ተስዕብ እዩ፣ ካብዚ ዝገለጽክዎ ካልእ ምኽንያት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ፣ ሎሚ ንሕና ሓደ ኤርትራዊ ክጠፍኣና ኣይንደልን ኢና፣ ናይ ዝሓለፈ ብገርህነትን ብእምነት መራሕትና ዝተገብረ ገጋ ይኣክል፣ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ክዕሹ የብሉን፣ ኣንጻር ህልቀት ደቁ ጠጠዉ ኢሉ ክምክት ኣለዎ፣ ወረ ካብ ዝፈትዎ ዉላዱ ዝዓቢ እንታይ ኣለዎ እዩ? ኣይፋሉን ንዉግእ ዘይብለሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?

 

 

 ዘገርም ነግር እንተሃልዩ ኣብቲ ኩልኩል ቦታ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምእታዉ እንታይ ማለት እዩ፣ ብንጽር ክንሪኦ ኮለና ነቶም ተሪፎም ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ከመይ ገርካ ዕጫ ይሕዋቶም ከም ዝረኽቡ ምግባር እዩ፣ 

 

 ብቀደሙ ንዓቃቢ ሰላም ንምእታዉ ዝተጛየየት ዘእወየት ኤርትራ እያ፣ ናይ  መሬትን ኣየርን መታሓላለፊ መስመራት ዘፍቀደት’ዉን ኤርትራ እያ. ሕጂ’ዉን ክትሰጉግ ትዳናደን ዘላ ኤርትራ ኢያ፣

 

ሓቂ እዩ ዉ.ሕ.ሃ. ንኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝፍጠር ግጭት ንምርግጋእ፣ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ምዉፋር ካብ ዝጅምር ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራሕ ናብ ኣንጎላ፣ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ላይበርያ፣ ሶማል፣ ብሩንዲ፣ሱዳን፣ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ጊኒ ቢሳዉ፣ ሰራልዮንን ምዕራብ ሰሃራን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊሩ፣ ዳርጋ ኩሎም ድማ ዕዉታት ኣይነበሩን፣ ሕጂ’ዉን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጽያን ዘሎ ግጭት ክፍታሕ ኣይተኻእለን፣

ዓቃቢ ሰላም ነዘን ኩለን ዝተጠቅሳ ሃገራት ክፈትሕ ካብዘይኻእለ ፣እሞ ናዓና ኤርትራዉያን ሓለፋ ዘይተገብረልና ድዩ?ሓቂ ድሕሪ ፍርዲ ናይ ሃግ ንኢትዮጽያ ዓለም ተጽዕኖ ዘይምግባሮም ዘታሓሳስብ ኩኑሱ፣በንጻሩ ብወገን ኤርትራ ናይ ሰላም መንገዲ ዘይምርኣያ“ዉን ሐደ ዕንቅፋት እዩ፣ ከምቲ ንሳቶም ምትዕጽጻፍ ዝብልዎ ግን ኣብ ባዶ ዝተዓጻጸፉ፣ ክተዓጻጸፉ ዘይምኸኣል እዉን ሓደ ጉድለት እዩ፣ኣነ ከም ዝረድኣኒ ጊዜ ክንህብ ክንክእል ኣሎና፣ እዚ ስርዓት ምስ ዘልግስ ክፍታሕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ዉግእ መፍቲሒ ኣይኮነን፣ ድሕሪ ዉግእ እዉን ከም ዝራአናዩ ኣብ ጣዉላ ኮፍ ከይበልካ  ስለ ዘይፍታሕ፣ ስለዚ ዝኾነ ጊዜ ዝወሰደ ይዉሰድ ዉግእ ኣይፋልናን ንረብሓና ኣይኮነን፣

 

ስለዚ ብወገነይ ረብሓና ህዝቢ ኤርትራ ዝብሎ ሰላም እዩ፣ ህዝቢ ብሰላም ምስ ዝነብር እዩ ረብሓኡ፣ እሞ ካብዚ ተረዲእና ንሰላም ክንሪኢ ኣሎና፣ ንሕና ኤርትራዉያን ፍጥር ካብ ንብል እዛ ሃገር ዉግእ ወረ ዉግ ምሉእ ዕድመና ስለ ዝሓለፎ ከብቃሉ ዝኽእል መንገዲ እንተ ሓሲብናሉ ዝሓሸ እዩ፣ እንተደይኮይኑ መጽነቲና ምኻኑ ከነስተዉዕል ይግባእ፣ መን ኢናኸ ንሕና? እንታይ ሽግር ይሕሊፍና? ንምንታይ 30 ዓመት ዝኣክል ተቃሊስና? ነዞም ሓሳባት እዚአቶም ኣብ ሓንጎልና ክንማላልሶምን ክንሓስበሎምን ይግባእ፣ ከም’ዉን ንሲሚዕትና ብሕልና ገዚእና እንተኸድና’ዩ ኣብ ዓወት ዘብጻሓና፣ ስሚዒት ሕሱም እዩ እሞ ዝተባሃልናዮ ምድጋም ዘይኮነ ካብ ተሞክረና ተማሂርና ዉግእ ጥቅሙን ጉድኣቱ መዚና ክልተ ጊዜ ክንሓስበሉ ግቡኡና ኢዩ፣

 

ኣብ ጎራባብቲኻ ሰላም  እንተደይሃልዩ፣ ንስኻ እዉን ቅሳነት ከም ዘይብልካ፣ ክትሓስብ ክትክእል ኣሎካ፣ ይኣክል መዋእል ኤርትራ መዋእል ኩናትን ህልቂትን እናኾነ ይቕጽል ዘሎ፣ ከምቲ ህግደፋዉያን ዝግዕሩሉ ዝወዕሉ ዘለዉ ኢትዮጽያ ክትካፋፈል ቀሪባ ዝብል፣ ንህዝብና ዳግማይ ኣታሊልካ ኣብ ዉግ ምሽማሙ ዝገብሮ ፕሮፓጋንዳ እዩ፣ ነዚ ጉዳይ ከሳዉርዎ ናይ ግድን ኢዩ፣ ብኸምዚ ኢዮም ካኣ ስልጣኖም ከናዉሑ ዝኽእሉ፣ ሰላም ምስ ዝርከብ ህግደፋዉያን ሓንቲ ደቂቅ ቦታ ከም ዘይብሎም፣ ኣብ ኤርትራ ስለ ዝፈልጡ,፣ ስለዚ መፍቲሒ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ካብ ኮነ፣ ነዚ ሰላም ዘይደሊ ስርዓት ካብ ሱሩ ክብርቆቀሉ ብዝላዓለ ጻዕሪ ክካየድ ኣለዎ፣

 

 ንሰላም ዘይምነ ኣማዕዲዩ ዝሪኣን እንተሎ ንሱ ሰብአዊ መንነቱ ዝረሰዔ ወዲ ጥፍኣት ጥራይ እዩ፣ ሰላም ብኣፍካ ጨሪሕካ ጉዕዞ ሰላም ብቐሊል ስለ ዝበልካዮን ስለ ዝደለኻዮን ኣይመጽእን እዩ፣ እንታይ ደአ ሰላም ድላይካን፣ ትዕቢትካን፣ ጸለመን፣ ኣንነትን ምስ ትሽፍን ዝመጽእ ጉዳይ ኢዩ፣

 

እሞ ኩቡራት ኣንበብቲ ቀዳምነት ናይ ገዛና ሽግር ኣሎና፣ ንሱ ኻኣ ስርዓት ህግደፍ እዩ፣ ካልእ ሎሚ ብወገነይ ዝብሎ  ሃለዉሎዉ እዩ፣ ናይ ገዛኻ ርእስኻ ሽግር ምስ ኣጽፈፍካ ኢኻ እኮ ብዛዕባ ጎራባብትኻ ብጠቅላላ ብዛዕ ባዓለም ክትዛረብን ክትማያየጥ ትኽእል፣ ስለ ዝኾነ ቀዳማይ ጸላኢና ኩሉ ቀልብና ሓሳብናን ናብዚ ገባትን ምልካዊ ስርዓት ከነተኩር ኣሎና ብሃላይ ኢየ፣

 

ኣብ ሃገርና ሰላም ዝነግሰሉ ምጽዓር!!!

  ዓወት ንህዝብና!!!

ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!!

  23. ጥቅምቲ 2006

      


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com