|
||
|
|
||
|
ነዞም ተዃሉ እንታይ ንግበሮም?
እቶም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣፎም ክኸፊቱ ዕድል ዘይተዋህቡ ደቂ ሃገርና እናኣተሓሳሰበና ክንስና. ኣብ ወጻኢ ሃገር ኮይና ነጻ ክትዕ ክነካይድ ዕድል ዘኽእለና ክንሱ ነዚ ዕድል ክንጥቀመሉ ኣይካኣልናን። ናይ ባሓቂ ነጻ እዩ ዝገብረካ፤ የብልሓካ፤ የብስለካ፤ የለብመካ ዳኣ እንበር ኣየግድሞካን፤ ቁሊሕ ሚሊሕ እናበልካ ምንባብን ምጽሓፍን ምዝራብን ግን ባርያ እዩ ዝገብረካ።
ማለት ኣብ ምዕቡል ሕብረተሰብ እና ተቐመጥና ገለ ካብዚ ምዕቡል ሕብረተሰብ ክንቀስም ምተገባኤ፤ ንሱ ኻኣ ጸገም ሃገርና ብሰፊሑ ተመልኪትና ኣብ ጣዉላ ኮፍ ኢልና ክንፈትሖ ምተገባኤ።እዚ እዩ ናይ መጻኢ ዕድልና ናይ ጽባሕ ኤርትራ እንኮ መፍቲሒና። ሽግር ኤርትራ ሎሚ እንዃይ ዶ ወዲ ሃገር ብዓለም ደረጃ ብሰንኪ ዉልቃዊ መላኺ ስርዓት ተፈንፊና ትርከብ፤ ኤርትራዊ ምዃንካ ትሓዝነሉን ትሓፍረሉ ጉዳይ እዩ በጺሕና ዘሎና።
እሞ ነዚ ሓቂ ርእዩን ኣብ ቂድመና ተገቲሩ ዘሎ ጸገም ሃገርና፣ ሱቅ በሉ ባዕልና ኣለናዮ፤ ኣይምልከተኩምን እዩ ገንዘብ ጥራይ ክፈሉ እናበልካ ነቲ ብመንገዲ ዘተ ንምፍታሕ ንዝብል ዝዓለመ ብደቂ ሃገር፤ ከም ጸላእን ሃገሩ፣ ሃገሩ ይሕሊፉ ከም ዝሃበን፤ ከዳዕ እናበልካ ዝግበር ጎስጛስ ሎሚ እዃ ጸማም እዝኒ ተዋሂብዎ ጊዚኡ ዘብቀዔ እዩ ዝመስል።
እዚ ኻኣ ብገለ ዉሕዳት ናይቲ ስርዓት መጋበርያ ወይ ብዶላር ዑስባት፣ ወይ ናይ መንነት ጸገም ዘለዎም፤ ከም’ዉን ብሃገራዊ ስሚዒትን ዘይተሃንጹ ካብ ናይ ርእሶም ጠቅሚ ምሕሳብ ናብ ጥቅሚ ህዝቢ ምሕሳብ ዘይሰገሩ ብድሕሪት መጋረጃ መንነቶም ሓቢኦም ስሞም ዘየስዕቡ፤ ምጽሓፍ ወይ ምዝራብ ብዛዕባ ሃገርካ ነዉሪ ቆጺሮም ኣብ ንጹሃት ኤርትራዊያን ዘጋ ኣብ ክንዲ ሃናጺ ርኢቶ ኣቅሪቦም ዝካትዑ፣ እንታይ ደአ ስዲ ዝኾነ ቃላት ኣጸያፊን ዘይባህልና ክብረት ሰብ ዝትንክፍን እናተጠቀሙ ንማንም ኤርትራዊ ዜጋ ክዝልፍዎ ንምልከትን ንሰምዕን ኣሎና።እዚኦም ግን ስነ ምግባር ዘይፈልጡ ግናያት ተዃሉ እዮም።
እዚ ኻአ መርኣያ ናይቲ ሕጊ ኣልቦ ኣብ ስልጣን ተወጢሑ ዘሎ ዲክታቶርነት እዩ። ማለት እዞም ዉልቀ-ሰባት እዚኣቶም ናይ መካቲዒ ባይታ ስለ ዘይብሎም ወይ’ዉን ነቲ ዝተጻሕፈ ክምልሱ ስለ ዘይክእሉ እንኮ መሳሪሒኦም ኣብ ጸርፍን ጸለመን ሕመታን ምጉብባዕን ክገብሩ እዮም ዝኽእሉ።
ታሓቢእካ ኣብ እኩብ ህዝቢ ደንጎላ ከም ምድርባይ እዩ ዝቁጸር። ናይ’ቶም ደርባ እምኒ ዝጉድኡ ሰባት ሓላፍነት ክለብሱ ዘይምድላይ እዩ። በንጻሩ ስምካን መንነትካን ምግላጽ ሓላፍነትካ ምስካም ጥራይ ዘይኮነ ሓቂ መንነትካ ምግላጽ ሓቂ ከም ዝተዛረብካ ዘረጋግጽ’ዉን እዩ።
እሞ ክቡራት ኣንበብቲ ነዞም ተኻሉ እንታይ ንግበሮም ኣብ ዝብል ኣብ ኣርእስተይ ከምቲ ዝጸርፍዎ ዶ ንጽረፎም? ወይ ከምቲ ዝሕንሕንዎ ዶ ንሓንሕነ ሎም? ኣይፋሉን ይሕዋት እዚኣቶ ናይ ሓቂ ወለዶ ኤርትራዊ እንተኾይኖም ይሕዋትና ምዃኖም ስለ ዘይተርፍ፣ እዚ ተግባርት ናይ ጽባሕ መርኣይና ኣይኮነን፤ እምባአር ናይ ጽባሕ ኤርትራ ኩሉ ሰብ ርኢቱኡ ዝህበላ ሓሳቡ ዝገልጸላ ክትከዉን እንተደሊና ሕልናና ስሚዕትናን ዓጊትና ምስ ንጛዝ እዩ ኣብ ዓወት ዘብጽሓና ህዝባዊ ምንግስቲ ክትካእ ዝኽእል።
ኣብ ምርብራብ ናይ ሓርነታዊ ቃልስና ኮምኡ ኢሎም ምስ ዝቅጽሉ ኣብ ዲክታተርያዊ ስርዓት ባህርያዊ መስርሕ ስለ ዝኾነ ምስ ዉድቀት ዲክታቶር ክሰጥሙ ስለ ዝኾኑ ብዙሕ ኣይነስተዉዕለሎም።
ብሓቂ እርይ ቁጽር ኣቢልካ ብዛዕባ እዞም ሰባት ጥልቅ ኢልካ ምስ ታሓት ኣነ ኣብ ሰለስተ ይኸፍሎ፡
1) ናይ መንነት ጸገም ዘለዎም 2) ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቃልስና ምስ ደርጊ ኮይኖም ንህዝብና ከድምዩ ዝነበሩ 3) ገለ ኻአ ብጠቅሚ ሓወይዶ ሓዉበይ ኣብ ስልጣን ኣሎ
ዝብል ኮይኑ እሞ እዚኣቶም ምስ እዚ ስርዓት ብቀጥታ ድዩ ወይ ብተዘዋወሪ ኩሎም ብጠቅሚ ስለ ዝኾኑ ናይ ግድን እዮም ክዳጋገፉ፤ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ኻአ እዩ እቲ ስራዓት ከታባብዖም ዘለዎ፤ ስለዚ ኦ ህዝቢ ኤርትራ ነዚኦም ቁንጣሮ ዘይኣኽሉ ጸይቅታት ንወገን ገዲፍና፣ ኣል ጀመል የምሺ ኣል ከልብ የንባሕ ከም ዝባሃል ምስላ ዓረብ ንቂድሚት ምስራሕ እዩ ዘዋጽእ።
ዝኽርን ሞጎስን ንስዉኣትና!!! ዓወት ንህዝብና !!!
ብሚካኤል ኣጎስቲኖ ጀርመን ጥቅምቲ 14.10.2006
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|