ኣሃዱታት ህግዲፍ ኣስከሬን ኰይነን ይተርፋ ኣለዋ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

23.10.2006

 

ዓቕሚ ሰራዊት ህግዲፍ ብማእሰርትን ዋሕዚ ንስደትን “ኵብለላን” ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናነከየነ ይመጽእ ከምዘሎ፡ ካብ ዘተኣማምኑ ውሽጣዊ ምንጪታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝተረኸበ ሓበሬታታት የረጋግጽ። ንኣብነት፡ ኣብ ስርሒት ዞባ 04 (ማለት ደንካልያን ሰምሃርን) ካብ እትርከብ ክፍለ-ሰራዊት 13፡ ናይ ዝዀብለሉ ወተሃደራት ብዝሒ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

  • ናይ ዕረፍቲ ፍቓድ ተዋሂብዎም፡ ናብ ኣሃዱኦም ዘይተመልሱ ብዝሒ ወተሃደራት 438፤

  • ብዘይ ፍቓድ ናይ ቦጦሎኒታቶም፡ ብኢደ ወነኖም ዝዀብለሉ ብዝሒ ወተሃደራት 174 ኢዩ።

 

ብጠቕላላ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝመጸና ሓበሬታ 612 ወተሃደራት ካብ ክፍለ-ሰራዊት 13 ኰብሊሎም ከምዘለዉ ኢዩ ዘረጋግጽ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኣሃዱታት ስርዓት ኢሳያስ፡ ስግአን (ሰበንን ሞራለንን) ቀስ ብቐስ እናተበልዐ ስለዝኸደ፡ ኣስከሬነን ጥራሕ’ዩ ተሪፉ ዘሎ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com