Nharnet Articles/Opinions

     

        

ቃለ ማሕተት ምስ መንእሰይ ሳሙኤል ሃብታይ

 

ዕለት...05.10.2006

 ሓው ሳሙኤል ኣቀዲመ ብምርጫኻ ብመንገዲ ድ.ዲ.ኤ ኣቢልካ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸጋጥመካ ዝጸንሐ ጸገማት ንህዝብና ብሓፈሻ፡ ንመንእሰይ ድማ ብፍላይ ብኣካል ተኻፋሊ ናይ እዚ ብስርዓት ህግዲፍ ክወርደኩም ዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ግፍዕታት ህዝብና ኣጸቢቑ ንኽፈልጦ ቁርብነት ምርኣይካ ኣቐዲመ ብስመይን ብስም ተኸታአልቲ ድምጺ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኤመስግነካ።

 

 ብቐዳምነት መን ሙዃንካ ንምልላይ ዝኣክል ክትገልጸልና ምኸኣልካ ዶ ?

 

 መ. ሽመይ ሳሙኤል ሃብታይ ይበሃል፡ 1979 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ክሳብ 11 ክፍሊ ኣብ ኣስመራ  ተማሂረ፡ ጌና ተማሃራይ እንከለኹ ተገፊፈ ብዘይ ድልየተይ ንሳዋ ወሲዶሙኒ፡ ድሕሪ ናይ 6  ዓመት ኣብ ውትህድርና ምጽናሕ ከኣ ከምልጥ ኪኢለ ኣብ ጀርመን ናይ ምእታው ዕድል ረኺበ።

 

ሕ. መዓስን ወዲ ክንደይ ዓመትን እንኮለኻ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኬድካ ?

 

መ. ንሳዋ ዝወሰዱኒ ኣብ 1997 ዕድመይ ከይኣኸለ እንከሎ ማለት ወዲ 17 ዓመት እንከለኹ እዩ።

 

ሕ. ኩነታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከመይ ከምዝነበረ ብዝርዝር መብራህካልና'ዶ ?

 

መ. ብጣዕሚ ሕማቕ እዩ፡ ማለተይ ዕድሜኻ ኣኺሉ ግቡእ ጻውዒት ገሮምልካ ምስ እትኣቢ እሞ ኣብ ዝገብሩዎ ፈተሻ ምስ ዝረኽቡኻ ንእተቕርበሎም ምኽኒያት ዘይቅቡል ምስ ዝገብሩዎ ወይ ጸማም እዝኒ ምስ ዝህቡኻ ደሓን ወይ ይሓይሽ ክበሃል ይከኣል፡ ንሶም ግን ንዝኾነ መንእሰይ ኣብ መገዲ ንስለ ዝረኸብዎ ጥራሕ ዕድሚኡ ኣይግድሶም፤ ጌና ተማሃራይ ኩን ኣይግድሶም ዋላውን መረጋገጺ ሰነድ ከተርእዮም ምስ እትደሊ ብፍጹም ከይገደሶም እንዳጋፍዑ ምውሳድ ጥራሕ እዮም ዝፈልጡ፡፡

ሳዋ ምስ በጻሕካ እውን ከምቲ ኣጀማምርኦም እዩ ዝቕጽል፡ ወለድኻ መጺኦም ምስ ዝጠርዑ ዝሰምዖም የብሎምን፤ ንዓና ድማ ኣብክንዲ ሃገራዊ ግቡእና ሙዃኑ ዘረድኡና ብምፍርራሕ ከነጽርየክን ኢና ይብሉና፡ ዝኾነ ሕቶ ክትሓትት መሰል የብልካን፤ ሓሚሞም ሰኣን ሕክምናዊ ክንክን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወድቁን ክሳብውን ዝሞቱ ዉሕዳት ኣይኮኑን፤ ኣመጋግባ ብጣዒሚ ሕማቕ ኢዩ፤ብዙሕ ኣፈላላይ ኣብ መንጎ ተዓለምቲ ኣሎ ንብነት ኣዝማድ መራሕትን ደቂ ሃብታማትን ፍሉይ ክንክን ይግበረሎምን ሙሉእ ናይ ኣገልግሎት ግዜከምዝወድኡን ከምዘገልገሉን ተቖጺሩ ንገዝኦም ዝመልሱዎም እውን ኣለዉ፡፡

 

ሕ. ብጀካኽ ካልኦት ትሕቲ ዕድመ ዘሰልፍዎም ኣለዉ'ዶ ?

 

መ. እዚ ኣባይ ጥራሕ ዝወረደ ኣይኮነን፤ ከማይ ብጣዒሚ ቡዙሓት ኢዮም ዘለዉ ዳርጋ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ሓደ፤ ጾታ ብዘይፈሊ እንተበልካስ ዝተጋነነ ኣይመስለንን።

 

ሕ. ደቂ ኣንስትዮ ኣሰላልፍኤን ይኹን ኣተሓሕዝኤን ከመይ'ዩ ?

 

መ. ናይ ደቂ ኣንስትዮ እሞ ዝኸፍኤ እዩ፡ ምኽኒያቱ ኣብቲ ርእሲ እቲ ተመሳሳሊ ሽግር ከም ደቂ ተባዕትዮ ዝወርደን፡ ተወሳኺ ኣብ ንሓለፍቶት ከም ባሮት ክኽድማን ብዘይድልየተን ብሓይሊ ስለዝጋሰሱወን መርወይቲ ስጋዊ ስሚዒቶም ክኾና ስለዝግደዳ፤ናይ ጥንሲ ሽግር ዘጋጥመን ዉሑዳት ኣይኮናን፤ ምስ ኣጋጥመን ከኣ ኣሉ ይብሉወን ፤እቶም ሓለፍቲ ሰብሓዳር እንተኾይኖም ንኸይነግራ ብኸቢድ የፈራርሑወን፣ ናቱ ሳዕቤን ካብ ወለደን ዝንጸላን፤ ደቀን ዝቐትላን፤ ነብሰን ዘጥፍኣን፤ ኣእምሮኤን ዝመዛበላን፤ ዘይሓሰበኦ ዝስደዳን ኣዲኤን ትቝጸረን እዩ ዘብል።  

 

ሕ. መንእሰያት በቶም ሓለፍቲ ጌጋ ኢዩ ዝበሃል ስራሓት ምስ ዝፍጽሙ ወይ ምስ ዝዛረቡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ይውሰደሎም ?

 

መ. ግደፍ ዶ ጌጋ ጌርካ ወይ ተዛሪብካስ ከይተጋገኻ'ውን ንጋዳ'ዩ ብጣዕሚ ኣሰቃቒ ዝኾነ መቕጻዕቲ እዩ ዘሎ፤ ከም ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ዝቑጸር ንነዊሕ ሰዓታት ሙንፉሓኽ፤ ደው ኢልካ ንጸሓይ ምጥማት፤ ከበድቲ ስርሓት ምስራሕ ክኸውን እንኮሎ፡ ምስ ዝኣስሩኻ ድማ ኣብ ኮንተይነር ለይትን መዓልትን (ብለይቲ ዘይጽወር ቁሪ ኣብመዓልቲ ዘይጽወር ሙቀት) ብዘይ ክዳንን ጫማን ተዳጒንካ ተሕልፎ፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ኣውጺኦም ኦቶ፤ ሄልኮፕተር ወይውን የሱስክሩስቶስ ዝበሃል ዓይነት ማእሰርትታትን ምስኡ ሓደ ሓደ ግዜካብቲ ኮንተይነር ኣውጺኦም ኣሲሮም ጸባ ሽኮር በጽቢጾም ኣብነብስኻ ኩዕዮም ኣብጸሓይ ይሰጥሑኻ...ወዘተ።

 

ሕ. ድሕሪ ኣብ ሳዋ ታዕሊም ምውዳእካ ኣበይ ተመዲብካ ኔርካ ?

 

መ. ድሕሪ ታዕሊም ምውደኤይ ናብ ዓላ ኮማንዶ ንኽመሃር ተመዲበ፡ ኣብኡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምግባር እንደገና ንሳዋ ተመሊሰ ዓላማይ ናይ ኮማንዶ ብሙዃን ክሳብ ሰላሳ ዝኾኑ መንእሰያት ክምልምል ተመዲበ ይሰርሕ ኔረ።

 

ሕ.ኣብ ልዕሌኻ ዝወረደ ሽግር እንተ ኔሩ ምገለስካልና'ዶ ?

 

መ. ንዓይ ካብ መጀመሪያ ብሓይሊ ምውሳዶምን፤ ኣነ ድማ ስለ ዘይተቐበልኩዎ ብዘርእዮ ዝነበርኩ ጠባያት ተደጋጋሚ መቕጻዕቲ የጋጥመኒ ኔሩ'ዩ ፤ድሕሪ ናይ ኮማንዶ መልማላይ ሙዃነይ ከኣ ገለ ካብ ተማሃሮይ ንሕና ድሕሪ 11 ክፍሊ ምውዳእና 12 ክፍሊ ክትምሃሩ ኢሎም እዮም ኣምጺኦሙና ብማለት ታዕሊም ምስነጸጉ ኣነ ነቲ ጥርዓን ናብ ልዕለይ ዘሎ ምስ ኣሕለፍኩዎ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ናይ ትምህርቲ ግዜ ኣይኮናን ዘለና፤ ኢትዮጵያ ንውግእ ኢያ ትዳሎ ዘላ፤ ኣብ ናይ ውግእ ኩነታት ኢና ዘሎና፤ ንስኻ ከተገድዶም ኢኻ ዘሎካ ምስበለኒ ኣነ ክሃርሞም ትደሊ እንተዃንካ ካልእስራሕ ሃበኒ ምስበልኩዎ፤ ናይ እንዳመን ጠበቓ ኢኻ ኢሉ ጉንዲእዝነይ ጸፊዑ ኣብ ገጸይ ጡፍ ኢሉለይ፤ ካብኡ ኣነ ኣብ ንጽባሒቱ ዝነበረና ኣኼባ ናይ መልመልቲ ስለምንታይ ኣብልዕለይ ከምዚ ተፈጺሙ ኢለ ሓቲተ፤ ኮፍ በል ዳሕርስይ ከነብርሃልካ ኢና ዝብል መልሲ ጥራሕ ሂቦምኒ፤ ንጽባሒቱ ጸዊዖም ድማ ንስኻ ኣካል ናይ ተቓውሞ ኢኻ ብዝብል ንሓደ ለይቲ ምሉእ ኣሲሮምኒ (ኦቶ..ሄሊኮፕተር)፤ ኣብ ማእሰርቲ ንሓደወርሒ ዝኸውን ጸኒሐ፤ ከምዚ ምስዝደግም ድማ ሓንቲ ጥይት ፈውሰይ ሙዃና ብኸቢድ ኣፈራሪሖሙኒ፤ ካብኡ ካብ ናይ ምልመላ ስራሕ ተኣጊደ ናይ ክሽነ ትቖጻጻራይ ገሮምኒ፤ብድሕር'ዚ ብተደጋጋሚ ዕረፍቲ ሓቲተ ተነፊጉኒ፤ ኣብ ፍርቂ ናይ 2004 ናይ ሓለፍቲ ምቅይያራት ምስ መጸ ኣብ ወርሒ 11 ዒረፍቲ ተፈቒዱለይ ዕለት 04. 11 ንዕረፍቲ ንገዛ እንዳተጓዓዝኩ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ግፋ ኔሩ ገፊፎም ናብ ዓዲ ኣቤቶ ወሲዶሙኒ ንምሸቱ ድማ ካብ እስርበት ዓዲ ቤቶ ከምልጥ ኪኢለ።

 

ሕ. ካብ እስሪቤት ዓዲ ኣቤቶ  ከመይ ከተምልጥ ኪኢልካ ?

 

መ. ኣብቲ ግዜ'ቲ እቲ ቤት ማእሰርቲ መሊኡ ብልዕሊ 1000 ዝኾኑ እሱራት ኣዕለቕሊቑ እዩ ነሩ፤ ጸቢቡና ኮፍ ዝብል ኣይነበረን ሰብ ካብዘለዎ ደው ዝበለሉ ቦታ ንኽንቀሳቐስ ዕድል ኣይነበሮን፤ ኣብኡ ብዙሓት ዓበይቲ ዋላውን ኮነረላት ከይተረፉ ብምንባሮም ብዙሕ ምንጽርጻራት ክሳብውን ደፊእካ ንቕድሚት ብምኻደ ክጠርዑ ዝደልዩ ብምንባሮም ሓጎጽጎጽ ምስበዝሐ ብሓደወገን ናይቲ ቤትማእሰርቲ መንደቕ ፈሪሱ፡ ብኡ እንዳተራገጽና ገሊኦም ወዲቖም ረጊጽካዮም ትኸይድ፤ገሊኦም እቲ መንደቕ መመሊሱ እንዳፈረሰ ይጸቕቶም፤ እቶም ዋርዲያ ድማ ገሊኦም በባትር ገሊኣም ጠያይቲ ይትኩሱ ስለዝነበሩ ቑጽሮም ክግምቶ ዘይከኣል ብዙሓት የእውዩን ይወድቁን ነሮም፤ ኩሉ ግን ብጀካ እግረይ ኣውጽእኒ ብማለት ንቕድሚት ምጉያይ ካልእ ዒድል ኣይነበረን በዚ ድማ ብዙሓት ከማይ ዘምለጡ ኣለዉ፤ ካብኡ ንገዛይ ከይደ ዕረፍተይ ስለዘሕለፍኩ ወትሃደራት ንገዛይ መጺኦም ኣሲሮም ወሲዶሙኒ፤ ኣብ ሳዋ ኣብ ቤትማእሰርቲ ሻዱሻይ (6) ብርጌድ ኣሲሮሙኒ።

 

ሕ.  ካብቲ ቤትማእሰርቲ ድኣ ከመይ ከተምልጥ ኺኢልካ ?

 

መ. ኣብኡ ድሕሪ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ 8 ወርሒ ምእሳር ኣብ ናይ ጉሓፍ ፊስቶ ኣትየ ከም ጉሓፍ ኣብ ማኪና ተጻዒነ ከምልጥ ኪኢለ። ካብኡ ኣብ መገዲ ካብታ ናይ ጉሓፍ መኪና ሃዲመ ክሳብ ከስላ ሱዳን ተጓዒዘ ኣብኡ ድማ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝገብሮ ጌረ ናብዚ መጺኤ ዑቕባ ሓቲተ።

 

ሕ. ሕጂ ኣብዚ ኬንካ ናኣብ ሃግርና ዘሎ ገፋዒ ስርዓት ህግዲፍ ንምቕያር ኣበርክቶኻ እንታይ ይመስል?

መ. እንቋዒ ድኣ ኣብዚ ክበጽሕ ከኣልኩ እምበር፡ ኣነ ምስዘን ነዚ ስርዓት ንምውዳቅ ተወዲበን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባትን ማሕበራትን ተጸምቢረ ሽግር ህዝበይ ኣብ ምቅላል እጃመይ ከበርክት እየ።

 

ሕ. በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ብሓፈሻ ንመንእሰይ ድማ ብፍላይ ከተመሓላልፎ እትደሊ መልእኽቲ እንተሎካ ናይ መጨረሻ ዕድል ክህበካ

 

መ. ኣነ ንኹሉ ህዝብና እየ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዝደሊ፡ ንሱ ድማ ሃለዋት ናይ ህዝብና ዝጠፍኦ ዘሎ ኣይመስለንን፤ ግን ከኣ ብፍላይ ኩነታት መንእሰይ ህዝቢ ብኣንኩሮ ምስዝሪእዮ ክሳብ ንሃለዋት ህዝብና ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቕ ብሙኳኑ ነዚ ኣብግምት ብምእታው ኩሉ ህዝቢ ብዘይ ወዓል ሕደር ተወዲቡ ክለዓል እየ ዝጽውዕ።

 

ብስመይን ብስም ተኸታተልቲ መደብናን ጽቡቕ ዕድል ንኸጋጥመካ እንዳተመነና ደጊመ ኤመስግነካ የቐንየለይ።

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com