Nharnet Articles/Opinions

     

        

ወይትውዕሎ
ተጸሊካስ ያኢ ሞትኣሎ
2 ኣመንቲ ክርስትና መይቶም እበሃል ኣሎ
ሃይማኖታዊዲካ? ተጸሊካ ውይልካ
ተሳዕሲዕካ ከምዝደለካ
ሳዕስእ ክትሺለም
ተጸሊካ ግን ትልከም
ንመራሒካ ኣክብር
ንኣምላካ ግን ኣይትዘክር
ሕጂ ይኩን ዳሕራይ
ናይዛ ዓለም ውራይ
መራሒካ እዩ ገባራይ
ሒጅስ ፈሪሄ ሔራይ
ምስመትኩከ ዳሕራይ
ኣይግድሰናን እዩ ድሕሪሞትካ
ሕጂ ጥራይ ስምዓና ዝበልናካ
ተሰከም ዝጸዓናካ
ትእዛዝ ትፍጽም ዝበልናካ
ግቡእ እምበር ታይ መሰል ኣሎካ
ዋይ ኣነ ባዕለይ
ዘይ ጸናእኩ ኣብ መትከለይ
ተጻዊተ ብመሰለይ
ኣዳዕዲዑ ጠሊሙኒ
ብጎዲም ካራ ሓሪዱኒ
ታይከ ገዲፍሎይ
እንስሳ ቅጺርኒ መሰል ዘይብለይ
 ተደለየ ከስርሓኒ ክገዝኣኒ
ተጸልኤ ክኣስረኒ ክቀትለኒ
ናብዘድለዮ ሃገራት እልእከኒ
ሎምስ ንዓይ እኻ ገሪሙኒ
ሰብእየ ኣቅሓ ቖጺሩኒ
ክጽሊ እምበር ኣምላክ ተሰምዓኒ
ዎ ኣምላከይ ካብዝ ኩሉ ሓጥያት ኣውጽኣኒ
ለመናይ ስምዓኒ
ምህረትካ ሃበኒ
ካብ ኣፍ ገባብል ኣውጽኣኒ
ሰላም ኣውርደለይ
ንሓያል ዓግሰለይ
ፍትሒ ኣንግሰለይ
 
 
 
ምስጋና ንፈጣሪ
ንወድሰብ ምክሪ
ውዳሴ ንዘማሪ
ንስዉኣት ዝክሪ
ንሓረስታይ ድግሪ
ንኣማኒ ሕድሪ
ንበረካ ኣንበሳ ነብሪ
የሃበና ፈጣሪ
ንዲክታተር ግን ግን ብበትሪ ብበትሪ
ከነሕ ጽራ ናቱ ዕምሪ
ይሓግዘና ፈጣሪ
መታን ሃገር ከነዔሪ
 
 
ተ/ገ/ስ

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com