ዋዕላ ካቢነት ህግደፍ ሓኽሊ ደማሙ

ብኣጥፊእካ ምጥፋእ ተዛዚሙ

   ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 23/10/06

  

    ሰሚዕንናዮ ኣኸባ ካቢነት ኣህባይ ህግደፋዊ ምዕብልና

    ኣብታ ናተያ ዝብላ ር.ከተማኡ ባጽዕ ኣብ ዕጹው ጽሞና

    ማዓት ሓሶት ንኽትሰምዖ ዘስካሕክሕ ኣአዛና ጸሚምና

    ጸበል ጥልመት ኣስትዩ ክእውጅ ከም ጨው ከሕቁቑና

 

         ዋዕላ ፐንታጎን ክመስል ንጠፈር ተውንጫፊ ዝምህዙ

         ንግፋን ጭውያንዩ ነይሩ ነገር ክውልዑ ሃገር ክምርዙ

         ብጃህራ ከጉባዕብዑ መልሓሶም ደም ነቒዑ ተለዝሊዙ

         ከም ኣመሎም ብህዝቢ ክጣልዑ ደም ንጹሃት ከውሕዙ

       

   ገሊኦም ብፍርሒ ገሊኦም ብተንኮል ክልተ ልቢ ዝሓዙ

   ንሓቂ ተሓሪሞም ንመንገዲ ጥፍኣት ህዝቦም ዝተጓዕዙ

   ግብሮም ስለ ትሳቕዮም የህለፍልፉ ዘይኸውን ክምህዙ

   ታይመስሉ.ለዉ ምዕጉርቶም ጦምቢቑ ኣስናኖም ጎቢዙ

         

           ብተንኮለኛ ፈላስፋ ኣፍጥጥ ኣቢሉ ተዛረቡ ተተባህሉ

           ርዒዶም ከይሓቱ እስማማለሁ ጥራይ እዮም ዝብሉ

           ከም ሕማቓት ኣኽላባት ገዛ ዘይሕልዉ ውሕ ዘይብሉ

           ሕድሕዶም ከም ዘይተኣማመኑ ከም ስጋ ጉዚ መቓቒሉ

         

   ንሱ ከም ድላዮ ክዕንድር ንሳቶም ክጭፍሩ ከጣቕዕሉ

   ከም ሪሞርኪዮ ናብ ዝደለዮ ክጠውዮም ኮለልክብሉ

   ጽፍዒትውን ኣላ ደስ ንዘይ በሎ ሕማሙ እንተተላዒሉ

   ከምዚዩ ናብርኦም ካቢነት ኢና ባሃልቲ ህዝቦም ዘታልሉ

           

            ኣብ ባጽዕ ወሲዱ ከም ቆላዑ እናተሳራሰሩ ክሕምብሱ

            ዕሸላት ኤሪትራውያን ድማ ንግፋ ዳግማይ ሓዊ ክጥበሱ

            መዝሓል ጥይት ክኾኑ ወፊሮም ንሓዋሩ ከምዘይምለሱ

            ሓዚኖም ክነብሩ ወለዶም እፎይ ኢሎም ከይድቅሱ

            ሃገር ኣቑሪዮማ ለሚሳ መሓውራ ተሰይሩ ተሓምሺሹ

 

   ኩሉ ንዒቑዎም ዋላውን ተንኮማሮ ምስ ወነንቲ ባር

   ምስ ጸበበን ኣፍ ከፊተን ምስ በዝሐን ምድንጋር

   መሰስተብሃላሎም ዘይፈልጡ ምዃኖም ምክብባር

   ኤላብስ ደቀስመራ ኣባሪሮም ምስ ተክኡ ሰበብታር

 

              ሎሚ ከም ቀደም የለን ገንዘብ ምውጻእ ኣብ ብለኛ

              ቸመንቶ ፋሕፊሔን ዘጥረየኦ ኣሕዋት ኣደታትና

              ሽልማተን ቀንጢጠን ክውፍያ ንኸይጠምዩ ደቅና

              ቃልስኹም ንናጽነት ህዝቢ መሲልወን ንድሕነትና  

              ምምጽዋት የለን ድሕሪሕጂ 2%ንተበለጽቲ ንሎኹመኛ

              ብዘይካ ውሑዳት ዘይ መሬቶም ዝዘመቱ ዓመጽተኛ

 

    ሓድሽ ምህዞ በንዚንባ ወቂ ረኺብና ኣድህቦ ክትጥምዝዙ

    ወርቂይኮነን ሉል እንተሎ ታይ ይብጽሖ ህዝቢ ንመን ሒዙ

    ዘገርምዩ ክሳብ መዓስ ከምዚልኩም ብሓሶት ከምትጓዓዙ

    ዓኺሉ ተፊኡኩም ህዝቢ ክፍኣትኩም ፈሊጥዎ ክሳብ ጥርዙ

    ይኣኽለኩም ብዙሕ ዓመታት ኮይኑ ክፍኣ ጥራይ ክትምህዙ

    ካብ ወርቅስ ምሓሸና ምርሻን ገዲፍኩም ኢድኩም ተትሕዙ

 

                 ዘላኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና  

                              ኣሜን

 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com