Nharnet Articles/Opinions

     

    

ናይ ሓዘን ተሳታፍነት

 

ብዕረፍቲ ብጻይን ሓርበኛን ኤልያስ ገብረማርያም ሓደ ካብቶም ጽኑዓት ኣቦታት ሰውራ ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ንስድራቤቱን ብጾቱን ጽንዓትን ጠልን ይሕደግ ይብል። እዚ ሓርበኛ ብጻይ ሓደ ካብቶም ድርብ ተጋዳላይ ብሓደ ኢዱ ዕርፊ ብሓደ ኢዱ ከኣ ብረት ተሓንጊጡ ዓንጋልን ዓቅብን ሚስጢራትን ሰነዳትን ሰውራ ዝነበረ ተባዕን ጽኑዕን ብጻይ እዩ። ብፍላይ ተ.ሓ.ኤ.-ሰ.ባ. ኣብ ሰሓርቲ መነሃሃሪ ደባይ ተዋጋእትና ዝነበረትሉ፡ እታ መዋደኣድርቲ ዘይብላ ተኣምራታዊ መስተንክር ዝኾኑ ስሪሒታት ዝፈጸመት ጋንታ 104 ብጻይ ኤልያስ ተሳፍነቱ ብጉልበቱን ንዋቱን ቃልሱን ክዝክሮ ከሎኹ፡ ዋላ እውን ክሳብ ጊዜ ዕረፍቱ ካብ መትከሉ ብዝኾነ ፖሊቲካዊ ንፋስ ከተሰናኸለ ዝተቃለሰ እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተባዓት ሰራሕቲ ቅያ ብዓቢ ክብርን ዓጀባን በታ ዝፈትዋ ሰማያዊት ሰንደቅ-ዕላማ ተሰንዩ ክፋኖ ነይርዎ። ኮይኑ ግና ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ከም ተራ ሰብ እኳ ይፋኖ እምበር፡ ኣብ መዝገብ ስውእት ተመዝጊቡ ብውድቡን ብጾቱን ንወርሩ ሓርበኛዊ ታሪኹ ክዝከር ክነብር እዩ።

 

ብድጋሜ ጽንዓት ሂቡ ጠሊ ይሕደግ!!!

ጸሃየ ቀለታ

ሽወደን

    


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com